እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማላዊ፡ ሓደ ፖሊስ ብዳርባ እምኒ ሰልፈኛታት ተቐቲሉ
ኣብ ማላዊ ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ [መረጻ] ዝቃወሙ ዝነበሩ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ብዝተፈጠረ ግርጭት ሓደ ፖሊስ ብዳርባ እምኒ ሰልፈኛታት ተቐቲሉ።
እቲ ኣባል ፖሊስ ካብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌ ንምዕራብ ኣብ እትርከብ ምሱንድዌ ኣብ እትብሃል ከተማ እዩ ተቐቲሉ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ማላዊ ጀምስ፡ ንኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብዳርባ እምኒ ዝተቐተለ ፖሊስ ዑስማን ኢሜዳ ዝብሃል ኮይኑ ብዳርባ እምኒ እቶም ሰልፈኛታት ተጨፍጪፉ ከምዝሞተ ብምሕባር "እቶም ነዚ ዝፈጸሙ ሰልፈኛታት ገበነኛታት'ዮም" ኢሉ።
ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ኒኮላስ ዳውስ ከምዝገለጾ፡ ቀንዲ ጎደናታት እታ ሃገር ብሰልፈኛታት ብምዕጋቱ፡ ፖሊስ ነቲ ጽርግያታት ንምኽፋት ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈረ እዩ ዝገልጽ።
"ፖላይስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እቶም ሰልፈኛታት የእማን ክድርብዩሎም ጀሚሮም፡ ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ'ዩ ኸኣ ሓደ ኣባል ክመውት ክኢሉ" ኢሉ"።
"ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃም ክብትንዎምም'ኳ እንተፈተኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት ዳግማይ ተኣኻኺቦምን ተወዲቦምን ብምምጻእ ንሓደ ፖሊስ ጎቲቶም ወሲዶም ብእምኒ ቀጥቂጦም ቀቲለሞ" ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ፡ ኣካታዒ'ዩ ዝተብሃለሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፒተር ሙታሪካ ምዕዋቱ ይዝከር።
ደገፍቲ እቲ ፕረዝደንት ደገፎም ንምግላጽ ትማሊ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ እኳ መደብ እንተነበረ፡ ተቓወምቲ እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሞም ናይ ተቓውሞ ድምጺ ንምስማዕ ናብ ጎደናታት ወጺኦም።
እቶም ተቓወምቲ፡ ኮምሽን ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምስራቕ ድምጺ ኣጋጢሙ ክንሱ፡ እቲ ኮምሽን ሸለል ምባሉ ቁጠዐ ከም ዝፈጸጠረሎም'ዮም ዝገልጹ።
ምስ ሞት ናይቲ ኣባል ፖሊስ ብዝተሓሓዝ 12 ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ኩነታት ምስ ሃድአ፡ ፕረዚደንት ፒተር ሙታሪካ ናብቶም ክድግፍዎ ዝወጹ ሰልፈኛታት ቀሪቡ "ሃገርና'ያ፡ ኣይነንድዳ፡ ኣይነፍርሳ" ክብል ተሰሚዑ።