ኣብ መረጻ ተዓዊተ እየ ዝበለ ፕረዚደንት ማላዊ፡ ንውሳነ ቤትፍርዲ ይግባይ ከም ዝብል ኣፍሊጡ

ናይ 2019 ዓወት ፕረዘዲደንታዊ መረጻ ሙታሪካ ተሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይ 2019 ዓወት ፕረዘዲደንታዊ መረጻ ሙታሪካ ተሰሪዙ
Published

ቤት ፍርዲ ማላዊ ንውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መረጻ ክስረዝ ድሕሪ ምውሳኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ይግባይ ከም ዝብል ኣፍሊጡ።

ነቲ ጉዳይ ናብ 'ቅዋማዊ ቤትፍርዲ' ክወስዶ ምዃኑ፡ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ፒተር ሙታሪካ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ መረጻ፡ ብዙሕ ሓላፍ ዘላፍ ከም ዝነበሮ ብሰኑይ ዝገለጹ ደያኑ ኣብ ውሽጢ 150 መዓልትታት ሓድሽ መረጻ ክካየድ ኣዚዞም።

ኣብታ ሃገር ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ገስጋሲ ደሞክራሲ እውን፡ ደገፍቱ ክሃድኡ ጸዊዑ።

መራሒ ተቓወምቲ፡ ላዛረስ ቻክዌራ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተሓጎሱ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ውሳነ ዓወት ዴሞክራሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብቲ መረጻ ብፕረዚደንተ ሙታሪካ ብሒደት ድምጺ እዩ ተበሊጹ፤ በዚ ድማ እቲ መረጻ ርትዓዊ ከም ዘይነበረ ብምግላጽ ናብ ቤትፍርዲ ከይዱ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ፡ ኣካታዒ'ዩ ዝተብሃለሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፒተር ሙታሪካ ምዕዋቱ ይዝከር።

መግለጺ ቪድዮ, እዚ ኩባያ ኣብ ወርሓዊ ፅግያት ዘጋጥም ስእነት መናፅሂ ክፈትሕ ይኽእል'ዶ?