ሓደ ኣባል ባይቶ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ሙዚቃ ንዘጻውት ሰብ ብጥይት ወቒዑዎ

Published

ፖሊስ ኬንያ፡ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ሙዚቃ ንዘጻውት (ዲጄ)፡ ብጥይት ንዝወቐዐ ኣባል ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ባቡ ኦዊኖ ኣብ ቀይዲ ከምዝእተወ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኣብዚ ጉዳይ ዋላ እኳ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተዘይሃበ፡ እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝለጠፎ ፅሑፍ ግና፡ ብውልቀሰባት ምስ ተኸበበ፡ ንርእሱ ንምክልኻል ክትኩስ ከምዝተገዲደ ገሊጹ።

ባቡ ኦዊኖ ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ኦሬንጅ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት፡ 'መቐናቕንተይ ክቐትሉኒ ይፍክሩለይ ኣለው' ክብል ብተደጋጋሚ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ። እዚ'ውን ምስኡ ምትሕሓዝ ከምዘሎዎ ኣብቲ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኣመልኪቱ።

ዋላ እኳ ባቡ ኦዊኖ እዚ እንተበለ፡ ኣብቲ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ብካሜራ ዝተቐረፀ ምስሊ ዘርእዮ ግን ካብዚ ዝተፈለየ እዩ።

ተሌቬዥን ኬ.24 ዕላዊ ዝገበሮ ምስሊ፡ እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ውሽጢ እቲ ለይታዊ ትልሂት ምስ ውሑዳት ሰባት ሺሻ እናስሓቡ ክዝናግዑ፡ ሓደ መንእሰይ ይጽግዖ፡ ድሕሪ እዚ እቲ ኣባል ባይቶ ሽጉጥ ኣውጺኡ ብጥይት ወቒዑዎ።

ካብ ካልእ ካሜራ ሲሲቲቪ ዝተረኸበ ምስሊ ድማ፤ ብጥይት ተወቒዑ ዝተብሃለ መንእሰይ ድማ፡ ክልተ ሰባት ብኢዱን እግሩን ተሰኪሞም ከውጽእዎ እቲ ተሌቬዥን ዘውፅኦ ምስሊ የርእይ።

እቲ በቲ ኣባል ባይቶ ዝተጎድአ መንእሰይ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ይሕከም ኣሎ፤ መጠን ጉድኣቱ ግና ኣይተፈለጠን።