ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ

Published

ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ የንጸላሉ ኣሎ።

ትማሊ ብዙሓት መዕደሊ ነዳዲ ክዕጸዋ እንከለዋ ሰብ መካይን ኣብ ነዳዲ ኣለወን ዝተባህላ መዐደሊታት ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ሪጋ ተራእዮም።

እዚ ሕጽረት ነዳዲ ዘጋጠመ፡ መንገዲ ኣዲስ አበባ-ጁቡቲ ብምዕጻዉ ምዃኑ'ዩ ዝዝረብ ዘሎ። መብዛሕትኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ኣቕሑት ብመንገዲ ጁቡቲ ኣቢሉ ምዃኑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ዘጋጠመ ሕጽረት ይኹን ምዕጻው መንገዲ ዛጊድ መግለጺ ኣይሃበን።

ሕጽረት ነዳዲ እታ ኸተማ ወርሓዊ ተርእዮ ኣብ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን፤ እቲ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራእየ ሪጋ ነዳዲ ግን ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ነዊሕ እዩ ኔሩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ሪጋ መካይን ካብ 1ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ክሽፍና እንከለዋ፤ መራሕቲ መካይን'ውን ሪግኦም ክሳብ ዝበጽሕ ቀንፈዘው ክብሉ ተራእዮም።

ሓደ ካብቶም ኣብ ሪጋ ዝወዓለ መራሕ መኪና ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ካብ ሙሉእ ረፋድ ኣትሒዙ ኣብ 6 መዕደሊ ነዳዲ ቀንፈዘው ኢሉ ሓንቲ ነገር ከይረኸበ ምውዓሉ ሕጂ ድማ ኣብዚ ዕድሉ ይርኢ ከምዝሎን'ዩ ገሊጹ።

ኣስዒቡ፡ "ኣብ'ዚ እውን ከይረኽብኩ ከይውዳእ ተስፋ እገብር" ኢሉ።

ፖሊስ እታ ኸተማ'ውን ኣብ ከባቢ እተን መዕደሊ ነዳዲታት ጥቡቕ ቁጽጽር ይገብር ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን እውን ዕስለ ዘወርቲ ቱግቱግ (ሞተር ሳይክል) ናብ'ቲ ሪጋ ዘሊሎም ንምሕላፍ ዝገበርዎ ፈተነ ዓቢ ሕንፍሽፍሽ ፈጢሩ ምንባሩ ተገሊጹ'ሎ።