ኣብ ቓዛ፡ ነፍሰጾር ኣደ ክትመውት እንከላ ዕሸላ ድሒኑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓኻይም ቓዛ ብዘካየድዎ ሃንደበታዊ መጥባሕቲ፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ካብ ዝሞተት ነፍሰጾር ኣደ ዕሸል ኣድሒኖም።
እታ ኣደ፡ እስራኤል ትማሊ ኣብ ከተማ ከሃን ዮኑስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከቢድ መጕዳእቲ ወሪድዋ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
ኣቦ እቲ ዕሸል፡ በቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክመውት እንከሎ፡ እታ ኣደ ናብ ሆስፒታል ናሰር ተወሲዳ።
ኣብቲ እዋን፡ እታ ኣደ ንህይወታን ህይወት ኣብ ማህጸና ዝሓዘቶ ዕሸልን እናተቓለሰት ብህይወት ክትጸንሕ ፈቲና ነይራ።
ሕጂ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት ነቲ ሆስፒታል ብምጥቃስ እታ ኣደ ከም ዝሞተት ይሕብሩ ኣለው።
እቲ ዕሸል ብመጥባሕቲ ብህይወት ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ደሓን ኵነታት ምህላዋ ሪፖርተር ቢቢሲ ሓቢሩ።
ግጭት ቓዛ-እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ልዕሊ 2300 ህጻናት ኣብ ቓዛ ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክቱ።
ሓማስ ዝመርሖ መንግስቲ ቓዛ፡ ሎሚ ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ኣስታት 80 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።
ኤኤፍፒ፡ ንመግለጺ መንግስቲ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ “ልዕሊ 80 ሰባት” ተቐቲሎም፤ “ኣማኢት ድማ ቘሲሎም” ክብል ጸብጺቡ።
ዕጡቓት ሓማስ ኣብ መጀመርታ ሰሙን እዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ልዕሊ 1400 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ እስራኤል ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ትፍጽም ኣላ።
ሓማስ ዝመርሖ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ቓዛ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 5800 ሰባት ተቐቲሎም ይብል።











