ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቀረባት ዝሓዛ ልዕሊ ዓሰርተ መካይን ናብ ቓዛ ኣትየን

    ሎሚ ናብ ቓዛ ዝኣተዋ መካይን ሰብኣዊ ረዲኤት

    ምንጪ ስእሊ, PRCS

    ኣብ ዶብ ግብጺ ክጽበያ ዝጸንሓ 12 ኣገዳሲ ቀረባት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ብኣፍደገ ራፋሕ ክኣትዋ ከምዝተፈቕደለን ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ሓቢሩ።

    እተን ሎሚ ዝኣተዋ መካይን፡ ማይ፡ መግብን ሕክምናዊ ቀረባትን ዝሓዛ እየን።

    ብህጹጽ ዝድለ ዘሎ ነዳዲ ግን ብእስራኤል ስለዝተኸልከለ ትካላት ረዲኤት ከእትዋ ኣይክኣላን ዘለዋ።

    ካብ 21 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብድምር 74 መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ከምዝተፈቕደለን እቲ ማሕበር ይገልጽ።

    ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ ቅድሚ’ዚ ብ7 ጥቅምቲ ዝተወልዐ ግጭት፡ መዓልታዊ ልዕሊ 450 መካይን ናብ ቓዛ ቀረባት የእትዋ ነይረን።

    ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ኣብታ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ሓጺር ምቁራጽ ተዂሲ ክግበር ይጠልብ ኣሎ።

  2. ጸረ-እስራኤል ምንቅስቓስ ሕዝቡላህ እንታይ እዩ?

  3. ቓዛ፡ ቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 7000 በጺሑ

    ብሓሙስ 26 ጥቅምቲ ኣብ ካሃን ዮኑስ ዝተፈጸመ ደብዳብ

    ምንጪ ስእሊ, EFE

    መግለጺ ስእሊ, ብሓሙስ 26 ጥቅምቲ ኣብ ካሃን ዮኑስ ዝተፈጸመ ደብዳብ

    ብሓማስ ዝመሓደር ትካል ጥዕና ወሽመጥ ቓዛ ከምዝበሎ፡ ቀጽሪ ናይቶም ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሮም ብደብዳባት እስራኤል ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ 7,000 በጺሑ።

    እዚ ማለት እቲ ቁጽሪ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ጥራይ ብ500 ወሲኹ’ሎ።

    ካብኣቶም 2,900 ቆልዑ ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

    ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 250 ንሓማስ ዒላማ ዝገበረ ደብዳባት ኣየር ከምዝፈጸመት እስራኤል ኣፍሊጣ’ላ። ንጉጅለ ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ንምድምሳስ መጥቃዕታ ቀጻሊ ምዃኑ’ውን ሰብመዚ እታ ሃገር ክዛረቡ ጸኒሖም’ዮም።

    ቁጽሪ ብወገን እስራኤል ዝሞቱ ኣስታት 1,400 ከምዝበጽሕ ይግለጽ።

    ልዕሊ 200 ካብ እስራኤል ዝተጨውዩ ሰባት’ውን ኣብ ኢድ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ገለ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብውሕዱ ኣርባዕተ ካብኦም ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

  4. ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዝልኣክኹዎ ቀረባት ጥዕና ኣብ ዶባት ይጽበ ኣሎ ይብል

    ብሰሉስ ኣብ ዶብ ግብጺ ዝተርኣያ ረድኤት ዝጽዓና መካይን

    ምንጪ ስእሊ, EFE

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ስግር ዶብ ጋዛ ኣብ ግብጺ ድሉዋት ኰይኖም ናብ ጋዛ ክኣትው ይጽበዩ ኣለዉ ዝበሎም ዝርዝር ናውታት ሕክምና ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

    • ን3700 ንህጹጽ መጥባሕቲ ዘድልዩ ናውቲ ሕክምና
    • ንመሰረታዊን ኣገዳስን ኣገልግሎት ጥዕና 110 ሽሕ ሰባት ዝኸውን ቀረባት
    • ብሕዱር ሕማማትን ዝሳቐዩ 20 ሽሕ ሕሙማት ዝኸውን ቀረባትን ንብረትን

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ኣብ ከባቢ ጋዛ "ዝተበላሸወ ስርዓት ጥዕና" ንምሕጋዝ "ቅልጡፍን ዘይተገደበን” መገዲ ክህሉ ይጽውዕ ኣሎ።

    ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዶብ ራፋሕ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ጋዛ ክኣትዋ ተፈቒዱ ነይሩ- እንተዀነ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዓልቲ ብውሑድ 100 መካይን ከም ዘድልያ ይገልጹ።

  5. ንማእከል እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ሮኬታት ሓማስ ክትኮስ ውዒሉ

    ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ክውንጨፍ ዝርአ ሮኬት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ንማእከላይ ከባቢታት እስራኤል ዘነጻጸረ ሓያለ ሮኬታት ካብ ቓዛ ክውንጨፍ ተራእዩ።

    ብሰንኪ’ቲ ሮኬታት መጠንቀቕታ ደወላት እስራኤል ዳርጋ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተሰሚዑ። ጸረ-ኣየር ሚሳይላት ንገለ ካብቶም ሮኬታት ከምዘበርዓነ’ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽአ ቪድዮ፡ ሮኬት ወይ ፍንጫል ሮኬት ንሓደ ኣብ ከባቢ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ ህንጻ ሃሪምዎ የርኢ።

    ሰብመዚ ህጹጽ ጉዳያት እታ ሃገር፡ መጠንቀቕታ ደወላት ድሕሪ ምቅልሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ዛጊት በቲ ሮኬታት ዝቖሰለ ከምዘየለ ሓቢሮም ኣለዉ።

    እቲ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣሽሓት ሮኬታት ናብ እስራኤል ዝተኮሰ ጉጅለ ሓማስ፡ ነቲ ሎሚ ዝተወንጨፈ ሮኬታት ሓላፍነት ወሲሉ ኣሎ።

  6. እስራኤል ‘ኣሸባሪት ሃገር’ እያ ዝበለት ጓለንስተይቲ ካብ ስርሓ ተሰጒጓ

    ትካል ቴክኖሎጂ ዊክስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኮርኒ ኬሪ ዝተባህለት ኣየርላንዳዊት እስራኤል “ኣሸባሪት ሃገር እያ” ኢላ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጽሓፋ ካብ ስርሓ ተሰጒጓ።

    እዛ ውልቀሰብ፡ ዊክስ ኣብ ዝተባህለ ትካል ቴክኖሎጂ እትሰርሕ ኰይና ኣብ ደብሊን ኣስታት 500 ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ሊዮ ቫራድካር፡ እታ ውልቀሰብ ካብ ስርሓ ዝተባረረትሉ ምኽንያት ብፖለቲካዊ መርገጺኣ ከም ዝዀነ እንተኣሚና እቲ ጉዳይ ናብ ሕጋዊ ኣካል ክትወስዶ ኣለዋ ኢሉ።

    ኮርኒ፡ ዝዀነ ናዕቢ ከም እትዅንን ገሊጻ።

    እቲ ትካል ግን፡ “ነጻን ግልጽን’ዩ። ናይ ማንም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣይድርትን” ክብል ሓላፊ እቲ ትካል ዝዀነ ኒር ዞሀር ተዛሪቡ።

    ይዅን’ምበር፡ ኮርኒ “ተመሳሳሊ መነዓዓቢ መልእኽቲ” ኣሕሊፋ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዋ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

    በዚ ምኽንያት እቲ ትካል ካብ ስርሓ ከም ዘሰናበታ ሓቢሩ።

    እዚ ጉዳይ ኣብ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ኣየርላንድ ኣዘራራቢ ኰይኑ’ዩ፤ ሕጊ ሰራሕተኛ እታ ሃገር ሓደ ሰብ ብፖለቲካዊ መርገጺኡ ካብ ስራሕ ከተባርሮ ኣይፈቅድን።

    “እታ ዝተባረረት ሰራሕተኛ ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወይ ጠበቓ ምኽሪ ክትሓትት እየ ዝምዕዳ። ዝተባረረትሉ ኣገባብ ግጉይ እንተዀይኑ መፍትሒ ክህሉ ይኽእል’ዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ተዛሪቡ።

    ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ብወገኑ፡ ምስጓግ እታ ሰራሕተኛ “ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝቝጸሩን እዚ ክፉእ ኲናት ዝቃወሙን ሰራሕተኛታት ጸቕጢ ዘሕድር’ዩ” ኢሉ።

  7. ተልእዀ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝሃቀነቶ ናይ መሬት ወራር እንታይ'ዩ?

    ሰራዊት እስራኤል

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መራሕቲ እስራኤል ንሓማስ ካብ ገጽ ምድሪ ክድምሰሱ ምዃኖም ክፍክሩ እንከለው፡ ቓዛ ከምቲ ዝጸንሐቶ ከምዘትቕጽል ይገልጹ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ተዋጋእቲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዘካየድዎ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1400 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ "ኵሉ ኣባል ሓማስ ምዉት ሰብ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

    ዕላማ ስርሒት እቲ ‘ሰይፊ-ሓጺን’ ብዝብል ዝፍለጥ ወፍሪ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝተኻየዱ ወተሃደራዊ ወፍሪታት ኣዝዩ ዝዓበየ ዕላማ ዘለዎ ይመስል። እዚ ግን ግብራዊ ወተሃደራዊ ተልእኾ ድዩ፣ ኣዘዝቲ ብኸመይ ክፍጽምዎ ይኽእሉ?

    ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ሄርዚ ሃለቪ፡ ሓማስ ‘ክድምሰስ’ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ቓዛ ንዝርከብ ፖለቲካዊ ሓላፊኡ ድማ ፈልዩ ጠቒስዎ።

    ግን ድሕሪ 16 ዓመታት ዓመጽ ዝመልኦ ምሕደራ ሓማስ፡ ቓዛ እንታይ ክትመስል ከምዝኾነት ናይ መወዳእታ ራእይ ኣሎ ድዩ?

  8. 'ኣብ ቓዛ ውሑስ ዝበሃል ቦታ የለን' - ሕቡራት ሃገራት

    ብደብዳብ ነፈርቲ ዝዓነው ህንጻታት ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝነብሩ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን መረበቶም ገዲፎም ክወጽኡ ድሕሪ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ድሕነቱ ዝተሓለወ ቦታ የለን ክብል መልሲ ሂቡ።

    “ካብ መንበሪኦም ወጺኦም ጸግዒ ዝሰኣኑ ወይ ክንቀሳቐሱ ዘይክእሉ ሰባት ቅድመ መጠንቀቕታ ምሃብ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን” ክትብል ኣተሓባባሪት ቢሮ ሕቡራት ሃገራት ፍልስጤም ሊን ሄስቲንግስ ተዛሪባ።

    “መሕብኢ ቦታታት ብቦምባ ክድብደቡ እንከለው፣ ኣብ ሰሙን ኰነ ደቡብ ቓዛ ዘለው ፍልስጤማውያን ኣብ ማእከል ኲናት ኣብ ዝዀንሉ፡ ብህይወት ንምጽናት መሰረታዊ ነገራት ክስእኑ እንከለዉ፡ ድሕሪ ኲናት ንምምላስ ውሕስና ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ብዙሓት ዝተርፎም በዳሂ ምርጫ ጥራይ’ዩ” ትብል።

    “ኣብ ቓዛ ውሑስ ቦታ የለን።”

    እታ ኣተሓባባሪት፡ እቲ ጐንጺ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ዝግዛእ ክኸውን ኣለዎ ክትብል ወሲኻ ተዛሪባ።

    “እዚ ማለት ሰላማውያን ሰባት ሓላዋ ክግበረሎምን ክጸንሕሉ ኰነ ክሃድሙ እንተደልዮም፡ ብህይወት ንኽጸንሑ ኣገደስቲ ዝዀኑ መሰረታዊ ቀረባት ክማልኣሎም ይግባእ” ክትብል እንከላ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ድማ፡ “ኵሎም ብህጹጽን ብዘይቅድመ ኵነታትን ክፍትሑ ይግባእ” ኢላ።

  9. ኣሜሪካ ማዕረ ክንደይ ንእስራኤል ክትከላኸለላ ትኽእል?

    ሎይድ ኦስቲን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣሜሪካ፡ ብተደጋጋሚ ንእስራኤል ጽኑዕ ደገፍ ከም እትገብር ቃል ትኣቱ ኣላ፤ ነዚ ድማ ብወተሃደራዊ ሓገዝ ደጊፋቶ እያ።

    ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ሕሉፍ ዝተሃላለኸ በሰላታት ገና ኣይሓወየን ዘሎ። ስለዚ ደረት ምትእትታው ኣሜሪካ ኣበይ ኣሎ?

    ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ ሓማስ ኣብ ልዐዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዝምለከት ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ግብረ መልሲ፡ “ኣሜሪካ ንእስራኤል ክትድግፋ እያ” ዝብል ነበረ።

    "ነቲ ኵነታት ክብለጸሉ ንዝደሊ ዝዀነ ኣካል ሓንቲ ቃል ኣላትኒ - ግደፍ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    እዚ መጠንቀቕታ እዚ ንኢራንን መላፍንታን ዝዓለመ ምንባሩ ንጹር እዩ።

  10. ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ እስራኤል-ቓዛ ዘለው ምዕባለታት

    ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    • ምክልኻል ሰራዊት እስራኤል፡ ሎሚ ለይቲ ታንክታት ተጠቒሙ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ "ዒላማኡ ዘነጻጸረ" መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ገሊጹ።
    • "ብዙሓት ዋህዮታት ግብረሽበራውያን፡ ትሕተ ቅርጽን ጸረ-ታንክታት መወንጨፊ ሚሳይላትን" ከም ዝሃረመ ድማ ሓቢሩ።
    • ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ናይ ኣጋር ወራር ክትፍጽም ትዳሎ ከም ዘላ ደጊሙ ኣረጋጊጹ፤ እዚ መዓስ ከም ዝጅምር ግን ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
    • ኣብ ቓዛ ድማ፡ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት ነዳዲ ክውዳእ ከም ዝኽእልን ሆስፒታላት ህጹጽ ጉዳያት ጥራይ ኣገልግሎት ይህባ ከም ዘለዋን ኣጠንቂቑ።
    • ሎሚ፡ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኖም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሕላፍ ንምምችቻእ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ክጽውዑ ትጽቢት ይግበር።
    • ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓማስ ብምኽንያት ሕክምናዊ ጉዳያት ንዅሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ክፈትሖም ኣተሓሳሲቡ።
  11. ብሞት ክልተ ደቈም ብሓዘን ዝተኾርመዩ ፍልስጤማውያን ስድራ

  12. እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ 'ዒላማኡ ዘነጻጸረ ዘመተ' ኣካይዳ

    ካብ ዝፈራረሰ ህንጻታት ግዳያት ዘውጽኡ ዘለዉ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ብታንክታት ዝተሓገዘ "ዒላማኡ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ" ኣካይዱ።

    እቲ ወፍሪ ከም ኣካል "ንቐጻሊ መድረኻት ውግእ ንምድላው" ዝተኻየደን፡ "ንብዙሓት ዋህዮታት ግብረሽበራውያን፣ ትሕተ-ቅርጽን ጸረ-ታንክ ሚሳይላት መወንጨፊ መደበራትን ከም ዝሃረመን" ብሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

    ነቲ ወፍሪ ዘርኢ ቪድዮ'ውን ዘርጊሑ።

    "እቶም ወተሃደራት ሽዑ ካብቲ ከባቢ ወጺኦም ናብ መሬት እስራኤል ተመሊሶም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ተሌቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብመሬት ንዝካየድ ወፍሪ ይዳሎ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ መዓስ ንዝብል ግን ዝዀነ ኣመት ኣይሃበን።

    እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ን1.1 ሚልዮን ነበርቲ ከተማ ቓዛን ካልኦት ቦታታት ሰሜናዊ ከባቢታትን ንድሕነቶም ክብሉ ክወጽኡ መጠንቀቕታ ምሃባ ይዝከር።

  13. እስራኤል-ቓዛ፡ መበል 18 መዓልቲ ብስእሊ

  14. ‘ክንበኪ ግዜ የብልናን’- መንእሰይ ነባሪት ቓዛ

    ብደብዳብ እስራኤል ዝዓነወ ህንጻታት ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ባጡል ጓል 18 ዓመት ፍልስጤማዊት ኰይና ካብ ቓዛ ብድምጺ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ ብዛዕባ’ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ጸበባ ነበርቲ እታ ዞባ ሓቢራ።

    “ስመይ ዘገድስ ኣይኮነን። ስም መሓዙተይ ዘገድስ ኣይኮነን። ዛንታታትና ዘገድስ ኣይኮነን። ቍጽርታት ጥራይ ኢና- ዓለም ብኸምኡ’ያ ትርእየና።

    “ሓደ ወጻእተኛ ይሓተና፡ ‘እሞ እንታይ ይስመዓኩም?’ ንሕቶኹም ነመስግን። ዝስመዓና የለን። ኣይንበክን ኢና። ንዝሞቱና ክንሓዝነሎም ግዜ የብልናን፡ ምኽንያቱ ካልኦት’ውን ይቕተሉ ስለዘለዉ። ንስምዒት ግዜ የብልናን። ሞት እናቐረበ እናቐረበ ክመጽእ ጥራይ’ዩ ዝጨንወና። ኣብ ሓደ ክፍሊ ኮፍ ኢልና፡ ክንተሓቛቘፍን ነፍስና ብሓባር ክወስድ ንፈጣሪ ክንልምንን ጥራይ’ዩ ግዜ ዘለና።

    “ሓደ ምሉእ ለይቲ ብዘይ እቲ ዘፍርሕ ድምጺ ዝዘንብ ቦምባታት ደቂስና ክንሓድር ጥራይ ኢና ንናፍቕ። ሻወር ክንወስድን ኣብ መወዳእታ ንቡር መዓልቲ ድኻም ክስምዓናን ጥራይ ኢና ንናፍቕ፡ ካብ ሞት፡ መስዋእቲን ደምን ወጻኢ ከነዕልል- ሰሓቕ ቘልዑ ክንሰምዕ። ብዙሕ ዲና ሓቲትናኪ፡ ዓለም?”

  15. ግብረመልሲ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንክስታት እስራኤል

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብሰሉስ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተዛረቦ ዘረባ ዘስዓቦ ወጠጥ ከም ዘሰንበዶ ገሊጹ።

    ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብወገን እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ “ሓሶት’ዩ” ብምባል መግለጺታቱ “ተጠምዚዙ ምቕራቡ ኣሰንቢዱኒ” ክብል ተዛሪቡ።

    እቲ ዝበሎ “ንሽበራ ሓማስ ከምዘመኽነየ” ኰይኑ ምቕራቡ ቅኑዕ ኣይኰን ይብል ጉተረዝ።

    “እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን፤ ብኣንጻሩ’ዩ።”

    “እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓማስ” ከምዝኹንኖ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

    ትማሊ’ውን፡ “ነቲ ብፍላጥ ዝተኻየደ ቅትለት፡ መቝሰልቲን ጭውያ ሲቪላውያንን ወይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሮኬታት ምውንጫፍ ዝዀነ መመኽነይታ ክወሃቦ ኣይክእልን’ዩ” ከምዝበለ ጠቒሱ።

    “ሓቂ’ዩ፡ ብዛዕባ መረረ ህዝቢ ፍልስጤም’ውን ተዛሪበ’የ። ከምኡ ክገብር እንከለኹ ድማ፡ ብንጹር ገሊጸ’የ፡ እጠቅስ፡ ‘ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ መረረ ግን ነቲ ሓማስ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን።’’

    ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “መጥቃዕቲ ሓማስ ብዘይ ገለ ምኽንያት ዘጋጠመ ኣይኰነን” ብምባል “ፍልስጤማውያን ን 56 ዓመታት ብዓፋኒ መገዲ ተጐቢጦም ከም ዝጸንሑ” ተዛሪቡ ነይሩ።

    ነዚ ስዒቡ ብዘረባ እቲ ዋና ጸሓፊ ዝሓረቑ ሰብመዚ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ጉተረዝ ካብ ሓላፍነቱ ንኽወርድ ካብ ምሕታት ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብዚ ሕቡራት ሃገራት ቪዛ ናይ ምኽልካል ስጕምቲ ወሲዶም።

    እስራኤል ንሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ ቪዛ ኣብ ዝኸልከለትሉን እቲ ወጥሪ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን’ዩ፡ ጉተረዝ በዚ ኵነታት ከም ዝሰንበደ ገሊጹ ዘሎ።

    እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ብመብርሂ ጉተረዝ ዘይተሓጎሰ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ዋና ጸሓፊ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዳግም ጸዊዑ’ሎ።

    “እዚ ዋና ጸሓፊ ቃላቱ ክስሕብን በቲ ትማሊ ዝበሎ ይቕሬታ ክሓትትን ዘይምኽኣሉን ንሕቡራት ሃገራት ዘሕንኽ’ዩ” ክብል ኣምባሳደር ጊላድ ኤርዳን ንዳግማይ መግለጺ ጉተረዝ ዳግማይ ግብረመልሲ ሂቡሉ ኣሎ።

    “ሓደ ዋና ጸሓፊ ቅትለት ንጹሃት ብዝዀነ ‘ድሕረባይታ’ ክግለጽ ከምዘይክእል ዘይርዳእ እንተዀይኑ ዋና ጸሓፊ ክኸውን ኣይክእልን” ብምባል ጉተረዝ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጠንቂ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ምዃና ዘስምዕ ምዃኑ ገሊጹ።

  16. ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምርኻብ ‘ኣብዩ’

    በንጃሚን ነታንያሁ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ካብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንዝተደወለሉ ተለፎን ምቕባል ከምዝኣበየ ተዛሪቡ።

    ጉተረዝ፡ “ብኣጋጣሚ” ኣይኮነን መጥቃዕቲ ሓማስ ድሕሪ ምክያዱ ጉተረዝ ናብ እስራኤል ዘይበጽሐ ይብል ኣምባሳደር ጊላድ ኤርዳን።

    ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ገተረዝ ምስ ነታንያሁ ክዘራረብ ሓቲቱ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ምልዓል ኣብዩዎ” ይብል እቲ ኣምባሳደር።

    ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ባይታ “ዘየለ ስእሊ” ኩነታት ናይታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓማስ ዘላ ቓዛ ፈጢሮም ብምባል’ዮም ሰብመዚ እስራኤል ዝኸሱ ዘለዉ።

    “ተጻባእቲ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት” ካብ እስራኤል ምስጓግ ከምዘድሊ እቲ እስራኤላዊ ዲፕሎማሰኛ ተዛሪቡ።

    እስራኤል ንሓያለ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ቪዛ ከምእትኸልእ ኣፍሊጣ’ላ።

    ሓደ ካብኦም፡ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊን ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊዝ ናብ እስራኤል ከይኣቱ ቪዛ ተኸልኪሉ እዩ።

    ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ጉተረዝንኣኼባባይቶጸጥታኣብዝሃቦመግለጺ፡እቲብ7 ጥቅምቲዝተኻየደመጥቃዕቲሓማስኣብ “ባዶሽዘጋጠመኣይኮነን” ክብልምዝራቡንእስራኤልኣቖጢዑይርከብ።

    ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ጉተረዝ ንኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ “ባዶሽ ዘጋጠመ ኣይኮነን” ክብል ምዝራቡ ንእስራኤል ኣቖጢዑ ይርከብ።

    “ህዝቢ ፍልስጤም ን56 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዓፋኒ ጎበጣ ኣትዮም ጸኒሖም እዮም። መሬቶም ብቐጻሊ ንሰፈራታት ክቑረስ ርእዮምን ብጎነጽን ማሲኖምን’ዮም። ቀጠባኦም ተዓንቂጹ። ሰቦም ተመዛቢሉ፡ ኣባይቶም ዓንዩ። ጸበባኦም ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብ ዝነበሮም ተስፋ ሃፊፉ’ዩ።

    እንተኾነ ግን ይብል እቲ ዋና ጸሓፊ “ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ መረረ ግን ነቲ ሓማስ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን” ኢሉ። ብተመሳሳሊ “እቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ሓማስ ንኣልማማ መቕጻዕቲ ህዝቢ ፍልስጤም ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን” ክብል ንደብዳብ እስራኤል ነቒፉ።

  17. “መብራህቲ እንተጠፊኣ እዞም ህጻናት ክሞቱ’ዮም” ሓካይም ቓዛ

  18. ተመዛበልቲ ‘ብፈረቓ ንድቅስ ኣለና’ እንትብሉ ሕቡራት ሃገራት መዕቈቢታት ተጨናኒቘም ኢሉ

    ጋዛ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ናጅላ ሻዋ፡ ድሕሪ መጥቃዕታት እስራኤል ካብቶም ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ ገዝኦም ገዲፎም ንደቡብ ዝገዓዙ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ሓንቲ እያ።

    ንሳን ክልተ ደቂ ትሽዓተን ሽዱሽተን ዓመት ደቃ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ካልኦት 57 ሰባት ኣዕቊበን ኣለዋ።

    ሰራሕተኛ ኦክስፋም ዝዀነት ናጅላ፡ ንሬድዮ ቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “መደቀሲ ክፍሊ ስለ ዘየለ፡ ብፈረቓ ኢና ንድቅስ። ለይቲ ክኸውን እንከሎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ” ትብል።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቃ፡ "እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ ዕድመ ካብቲ ክፈልጥኦ ዝግባእ ንላዕሊ እየን ዝፈልጣ” ክትብል ተዛሪባ።

    ንስደተኛታት ፍልስጤም ዝቘመ ኤጀንሲ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም መዕቈቢ ስደተኛታት ካብቲ ክሕዝዎ ዝግባእ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዘዕለቕለቑ ገሊጹ።

    ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ኣብ 150 መጽለሊ ቦታታት ከም ዘለው ዝገልጽ እቲ ኤጀንሲ፡ እዚኦም ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ዝሓወሱ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

    ካብዚ ንላዕሊ ክቕበል ብዘይምኽኣሉ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጐደናታት ይሓድሩ ምህላዎም ሓቢሩ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘለዎ ነዳዲ ሎሚ ምሸት ክውዳእ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ።

    ሆስፒታላት ድሮ ንኣገደስቲ ሕሙማት ጥራይ ክንክን ይምድባ ከም ዘለዋ ይግለጽ።

    ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታላትን ዳርጋ ክልተ ሲሶ መባእታዊ ክሊኒካት ጥዕናን ድሮ ብሰንኪ እቲ ኲናትን ሕጽረት ነዳዲን ከም ዝተዓጽዋ ሓቢሩ።

    እስራኤል ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ዝነበረ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣቋሪጻ።

  19. ‘ዓቢይ ሓወይ መዓስ’ዩ ካብ እስራኤል ዝመጽእ?’

  20. ወጥሪ ሕቡራት ሃገራትን እስራኤልን

    ኣንቶኒዮ ጉተረስ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ትማሊ ምሸት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥሪ ሕቡራት ሃገራት ንኲናት እስራኤል-ቓዛ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን ኣብ ሞንጐ እቲ ውድብን እስራኤልን ፍልልይ ተፈጢሩ።

    • ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ እቲ ልዕሊ 1,400 ሰባት ዝቐተለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ - "ኣብ ባዶ ቦታ" ከም ዘይተፈጸመ ብምጥቃስ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ናይ "56 ዓመታት መግዛእቲ" ከም ዘመልክት ገሊጹ።
    • በዚ ርኢይቶ ዝተቘጥዐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኤሊ ኮሄን “ንከምዚ ዝኣመሰለ ጨፍጫፍ ምኽንያት ክህሉ ኣይኽእልን” ኢሉ። “ኣበየናይ ዓለም ኢኻ ትነብር?” ብምባል ምስቲ ሓላፊ ዝነበሮ ቈጸራ ክስርዝ ምዃኑ ገሊጹ።
    • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊላድ ኢርዳን ብወገኑ ጉተረስ “ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ክመርሕ ብቑዕ ኣይኰነን” ኢሉ።
    • ጉተረስ ድሒሩ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ቅሬታ ህዝቢ ፍልስጤም ነቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ከመኽንየሉ ከም ዘይክእል" ከምኡ'ውን "ዘስካሕክሕ መጥቃዕትታት፡ ህዝቢ ፍልስጤም ብሓባር ንምቕጻዕ ምኽኑይ ክኸውን ከም ዘይክእል” ሓቢሩ።
    • እስራኤል ድሒራ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ንኹሎም ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ቪዛ ከምዘይትህብ ገሊጻ።

    ኣምባሳደር ኢራዳን ንሬድዮ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሮ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ማርቲን ግሪፊትስ ቪዛ ከም ዝተነጽገ ክዛረብ እንከሎ፡ “ትምህርቲ እንምህረሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ” ኢሉ።