
ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ሓድሽ
ኲናት ዝወልዐ ጉጅለ ሓማስ ንሆስፒታላት ቓዛ ንውግእ ይጥቀመሎም ከምዘሎ ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከሲሱ።
ዳኒኤል ሃጋሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ጉጅለ “ካብ ሆስፒታላት
ኲናት ይእውጅ” ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ነተን ትካላት ጥዕና ናብ “ናይ ሽበራ ትሕተቅርጺ” ቀይርወን ኣሎ ኢሉ።
ነቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝዓበየ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡
ኣብ ትሕቲኡ ገለርያታት ብምህናጽ ንቐጻሊ መጥቃዕቲ ይውጥን ከምዘሎ እቲ ወተሃደራዊ ኣፈኛ ተዛሪቡ።
ድሕሪ’ቲ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ “ኣማኢት ኣሸበርቲ ናብቲ ሆስፒታል ብምእታው
ተሓቢኦም ኣለዉ” ዝብል ሃጋሪ፡ እስራኤል ብዝረኸበቶ ስለያዊ ሓበሬታ መሰረት፡ “ኣብ ሆስፒታላት ቓዛ ነዳዲ ኣሎ፡ ሓማስ ድማ ንሽበራዊ
ትሕተቅርጹ ይጥቀመሎም ኣሎ” ኢሉ።
ሰራዊት እስራኤል “ኣሸበርትን ሲቪላውያንን” ፈላልዩ ዝርኢ ምዃኑ ዝምጉት እቲ
ኣፈኛ፡ ሓማስ ግን ንእስራኤላውያንን ነበርቲ ቓዛን ሲቪላውያን ይጎድእ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሓማስ ግን ንክስታት እስራኤል ብምንጻግ፡ መግለጺ ናይቲ ሰራዊት “ኣብ ልዕሊ
ህዝብና ሓድሽ ጃምላዊ ቅትለት ንምፍጻም” ዝዓለመ’ዩ ክብል ግብረመልሲ ሂቡ’ሎ።