እስራኤል-ሓምስ፡ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ካብ ዘለዉ ምዕባለታት ገሊኦም፡
- ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምውጣን ዝሓገዘ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።
- ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ማእከላይ ከባቢ ምድረበዳ ቓዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዒላማታት ሓማስ ከምዝወቕዐ ይገልጽ።
- ኣብ ቓዛ ዝርከቡ መዕቆቢታት ሕቡራት ሃገራት ሕጂ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓቕሚ ብሰለስተ ዕጽፊ ተመዛበልቲ ከዕቍቡ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ።
- ኣመሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ንዝርከቡ ክልተ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ብነፈርቲ ከም ዝሃረመት ብምግላጽ፡ ሓይልታት ኢራንን ምስኦም ዝዛመዱ ጕጅለታትን ዝጥቀሙሉ ምዃኖም ኣፍሊጣ። እቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ግን ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት "ዝተፈልየ" ምዃኑን ምስ እስራኤል ዝዀነ ምውህሃድ ከምዘይተገብረን ኣስሚራትሉ።
- መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ብህጹጽ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንምእታው "መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድት" ክህልዉ ንምጽዋዕ ተሰማሚዖም
- ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ሎሚ ዓርቢ ድምጺ ክህብ እዩ።
















