ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኩዌት ማዕበላዊ ደብዳብ ሚሳኤልን ድሮንን ይፍጸማ’ሎ

    ሰራዊት ምክልኻል ኩዌት ማዕበላዊ ደብዳባት ሚሳኤልን ድሮንን ይበጽሖ ከም ዘሎ ሕጂ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልከት።

    ሰብ መዚ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ፡ ነቲ ዝመጽኦም ደሎ ደብዳባት ክምክትዎን ከምክንዎን ምዃኖም ሓቢሮም።

  2. ትራምፕ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ 'ኣዝዩ ኣቕሊሉ'ዩ ርእዩዎ'- ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን- ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን

    ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ብኽፋእ፡ ነቲ መኣዲ ድርድር ቦምባታት ደርብይሉ፡" ክብል ከሲሱ።

    ንሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጽሑፍ፡ ንኣዝዩ "ዝተሓላለኸ ኒዩክለራዊ ድርድር ኣቕሊሉ'ዩ ዝሕዞ ነይሩ -ከም ትራንዛክሽን ሪልስቴት፡" ብምባል "ዓበይቲ ሓሶታት ንክውንነት ክጐስዩ ከለዉ፡ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ፈጺሙ ክማላእ ኣይክእልን'ዩ፡" ይብል።

    "ውጽኢቱ? ካብ ጽልኢ ተበጊስኻ ኣብ መኣዲ ድርድር ቦምባ ምድርባይ፡"።

    ትራምፕ "ንዲፕሎማሲን ንዝመረጽዎ ኣመሪካውያንን ጠሊሙ፡" ክብል ጽሒፉ።

    ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራጋቺ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ መርከብ ኢራን ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ክትጥሕል ምስ ጀመረት ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ሲሪላንካ ንባሕረኛታት ኢራን ንምድሓን ከም ዝተላእኹን ሰብመዚ ሲሪላንካ ገሊጾም።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቪጂታ ሄራት ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብታ "ኣይሪስ ደና" እትበሃል መርከብ፡ ናይ ርድኡና ምልክት ከም ዝበጽሖም ተዛሪቡ።

    ኣብታ መርከብ 180 ሰባት ከም ዝነበሩ ይግለጽ።

    ሄራት፡ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 30 ዝቘሰሉ ባሕረኛታት ናብ ወደብ ሲሪላንካ ጋለ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ሓቢሩ።

    ጠንቂ ናይቲ ምጥሓል ኣይተፈልጠን።

    ሓደ ኣባል ባይቶ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ እታ መርከብ ከም ኣካል ናይቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ ቦምባታት ተደብዲባ ድያ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ - ወግዓዊ መልሲ ግን ኣይተዋህበን።

  3. ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኢራን ክትሳተፍ ድያ? ተስፋ ኣፍሪቃ'ኸ እንታይ ይመስል?

  4. ኣብ ቀጠር ዝርከብ መደብር ኣየር ኣመሪካ ብሚሳይል ኢራን ተሃሪሙ

    ሚኒስትሪ ምክልለል ቀጠር፡ ኽልተ ባለስቲክ ሚሳይላት ኢራን ንሃገሩ ዒላማ ከም ዝገበሩ ገሊጹ።

    እቲ ሓደ፡ ብስርዓት ምክልኻል ኣየር ቀጠር ክብርዕን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኣብ ኣል-ዑደይድ ኣብ ዝርከብ መደብር ኣየር ኣመሪካ ከም ዝሃረመ ሓቢሩ።

    እዚ መደብር ኣየር፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለውዋ እቲ ዝዓበየ እዩ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጕድኣት ከም ዘየለ ቀጠር ገሊጻ።

  5. እስራኤል፡ ኣብ መላእ ቴህራን ዝርከብ 'ቤት ጽሕፈት ጸጥታ' ኣጥቂዐ ትብል

    እስራኤል ኣብ መላእ ቴህራን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከም ዝሃረመት ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።

    እቲ መጥቃዕቲ ንዋና ቤት ጽሕፈት ባሲጅ - ምስ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተኣሳሰር ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ - ዒላማ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ፡ መወንጨፊ ሚሳይላትን ስርዓታት ምክልኻልን፡ ከምኡ'ውን "ምስ ናይ ምድራዊ ሓይልታት ናይቲ ስርዓት ዝተኣሳሰር ዳይረክቶሬት ቀረብን ሎጂስቲክስን፡" ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እዩ ኢሉ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ስርዓት ኢራን "መጥቃዕቲ ከሐይሉ" ክቕጽል ምዃኑ ይገልጽ።

  6. ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ናብቲ ኲናት ተጐቲተን ክኣትዋ ድየን?

  7. ኣመሪካ፡ 'ኣተኵርኣ ንኹሉ ዘጥቅዓ ምጥቃዕ'ዩ'

    ነፋሪት ውግእ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰራዊት ኣመሪካ ምስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓባራዊ ወፍሪ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ኢራን ልዕሊ 2000 ዒላማታት ከም ዝወቕዐ ክገልጽ እንከሎ፡ ኢራን ልዕሊ 500 ባሊስቲክ ሚሳይላትን ልዕሊ 2000 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣወንጪፋ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ጽዑቕ መጥቃዕቲ ምፍጻመን ይቕጽላ ኣለዋ።

    ኣዛዚ ማእከላይ ትእዛዝ ኣመሪካ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ 24 ሰዓታት ሓባራዊ ስርሖም ካብቲ ኣብ 2003 ብኣመሪካ ዝተመርሐ ኲናት ዒራቕ ዳርጋ ብዕጽፊ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

    እቲ ልኡኽ ልዕሊ 50 ሽሕ ወተሃደራት፡ 200 ነፈርቲ ውግእ፡ ክልተ መራኽብ ጽዕነት ነፈርትን ነፈርቲ ቦምባን ዘሳተፈ ኰይኑ፡ እዚ "ብኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ፡" እዩ ኢሉ።

    ሓይልታት ኣመሪካ 17 መራኽብ ኢራን ብምዕናው ንመላእ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከም ዝጥሓሉ ሓቢሩ።

    ሕጂ ድማ፡ "ኣተኵርኣ ንኹሉ ዘጥቅዓ ምጥቃዕ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ንመከላኸሊ ኣየር ኢራንን ኣማኢት ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዒላማ ከም ዝገበራ ይገልጻ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን "ሰፊሕ ማዕበል መጥቃዕቲ" ትፍጽም ከም ዘላ ገሊጻ። ኣብ ሊባኖስ'ን ንሕዝቦላህ ተጥቅዕ ኣላ።

    ብተወሳኺ ምክልኻል ኣየር እታ ሃገር፡ ካብ ኢራንን ሊባኖስን ዝተተኰሱ ተወሳኺ ሚሳይላት ከም ዘበርዓነ ገሊጻ።

  8. ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ዜጋታተን እንታይ ይገብራ ኣለዋ?

    ኣብዚ እዋን፡ ኣብተን ዜጋታተን ምስ ኢራን ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣመሪካ እስራኤልን ዝtጸልዋ ሃገራት ዝርከቡ ሃገራት፡ ብውሑስ ንምውጻእ ይጽዕራ ኣለዋ።

    ዓባይ ብሪጣንያ እትርከበ ሃገራት ዜጋታተን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ይዳለዋ ኣለዋ።

    ኣውስትራልያ

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ቮንግ፡ ኣውስትራልያ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተዓጽዮም ዘለዉ 115 ሽሕ ኣውስትራሊያውያን ንምሕጋዝ ምስ መገዲ ኣየራት ትዘራረብ ከም ዘላ ሓቢራ።

    እንተዀነ መብዛሕትኡ ክሊ ኣየር ናይቲ ዞባ ተዓጽዩ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ምውጻእ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ገሊጻ።

    ፈረንሳ

    ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ፈረንሳ፡ በቲ ኩነታት ዝተሃስዩ ኣስታት 400 ሽሕ ፈረንሳውያን ዜጋታት ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

    ተጓዓዝቲ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክምዝገቡ ድሕሪ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ድማ፡ ልዕሊ 25 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዝገቡ ገሊጹ።

    ጀርመን

    መንግስቲ ጀርመን፡ ወተሃደራዊ ምግዓዝ ናይ መወዳእታ መማረጺ ጥራይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም ኣብቲ ዞባ በቲ ኩነታት ተጸልዮም ዘለው ኣስታት 30 ሽሕ ጀርመናውያን ናብ ዓዶም ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ዘለዎ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም እዩ ኢሉ።

    ኢጣልያ

    ካብ ኦማን ክወጽኡ ዘይክኣሉ 127 ኢጣልያውያን ዜጋታት ዝሓዘት ፈላመይቲ ቻርተር በረራ ብሰኑይ ኣጋምሸት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሮማ ፊዩሚቺኖ ዓሊባ።

    እቶም ናብ ሮማ ዝኣተዉ ተጓዓዝቲ፡ ንኽምለሱ ንዝሓገዞም ኤምባሲ ኢጣልያ ሞሳ ሂቦም።

    ስፔን

    ስፔን ዜጋታታ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ከተውጽእ ጀሚራ ምህላዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጆሴ ማኑኤል ኣልባረስ ብሰሉስ ገሊጹ።

    ኣመሪካ

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሰኑይ ኣመሪካውያን ካብ ልዕሊ 12 ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብቕልጡፍ ክወጽኡ ጸዊዑ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናይ ምምላስ በረራታት ብዛዕባ ምህላው ኣይገለጸን።

    ነፋሪት ኢመራት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  9. መሓዙት ኢራን፡ ሩስያን ቻይናን ናበይ ኣተዋ?

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ እዋን ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ዋሽንግተን መደበራት ኣየር ን"ምክልኻላዊ" መጥቃዕቲ ክትጥቀመሉ ምስ ፈቐደት፡ ቴህራን ካብ ካልኦት ሃገራት እንታይ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ዝብለ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።

    ብፍላይ ሩስያን ቻይናን ክልቲአን ምስታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ጽኑዕ ዲፕሎማስያዊ፡ ንግዳውን ወተሃደራውን ምትእስሳር ኣለወን።

    እንተዀ ናብዚ ግጭት ክሳብ ክንደይ ኢደን ከእትዋ ድልዋት እየን ዝብል የዘራርብ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን

    ምንጪ ስእሊ, SPUTNIK/KREMLIN POOL/EPA/Shutterstock

  10. ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ መደብር ሲኣይኤ ብድሮን ተሃሪሙ

    ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብኽልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተሃርመ መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣረጋጊጾም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብኽልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተሃርመ መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣረጋጊጾም

    ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተሃረመ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ድሮናት ናይ ኣመሪካ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ምህላው እውን ሓቢሩ።

    ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዝሃረማ ኣረጋጊጸን።

    እቲ ማእከል ስለያ ዒላማ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ግን ከም ዘይነበረ ሮይተርስ ሓቢሩ።

    ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ እቲ መጥቃዕቲ ንገለ ክፋል ናሕሲ እቲ ኤምባሲ “ኣፈሪሱ” ነቲ ህንጻ ብትኪ “ከም ዝዓብለኾ፡" ዝገልጽ መጠንቀቕታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ዝበጽሓ ጸብጺባ።

    እቲ ኤምባሲ ብተወሳኺ "መዋቕራዊ ዕንወት" ከም ዝበጽሖን ሰራሕተኛታት "ኣብ ዘለውሉ ክዕቈቡ፡" ከም ዝተነግሮምን እታ ጋዜጣ ጸብጺባ።

    መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነታ ሃገርን ዜጋታታን ንምክልኻል ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት ከም ዝወስድ ገሊጹ።

    ካቢነ ሚኒስተራት ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ኢራን ንዝመጽእ ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ መሻርኽቱ ዝህብዎ ምላሽ “ንምድጋፍ ኩሉ ዓቕምታት ንምውዳብ ድሉው ምዃኑ” ኣረጋጊጹ ክብል መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሪያድ ንደቡብ ክልተ ክሩዝ ሚሳይላት ከም ዝዓገተ ሮይተርስን ኤኤፍፒን ሓቢሮም።

    ወግዓዊ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ፡ ትሽዓተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝፈሸላ ጸብጺቡ።

    ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ እቶም ፈሺሎም ዝተባህሉ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካበይ ከም ዝተወንጨፉ ኣይገለጹን።

  11. ኣብ ኢራን ልዕሊ 1000 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

    ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (HRANA)፡ ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ኢራን 1097 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

    ካብዚኦም እቶም 181 ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ምዃኖም እቲ ትካል ይሕብር።

    ቁጽሪ ናይቶም ዝቘሰሉ ሰባት 100 ህጻናት ዝርከብዎም 5,402 ከም ዝበጽሐ የመልክት።

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ ብውሕዱ 104 መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ።

    ወተሃደራዊ መዓስከራት፣ ማእከላት ሕክምናን መንበሪ ኣባይትን ከም ዝሃረሙ'ዉን ሓቢሩ።

    ሞት ተወሳኺ ኣማኢት ግዳያት ድማ ይግምግም ኣለኹ ኢሉ።

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ቀብሪ ኣብ ከተማ ሚናብ ደቀንስትዮ ኣብ ዝመሃራሉ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ናይ ዝሞቱ ግዳያት ብሰሉስ ተፈጺሙ።

    ሰበስልጣን ኢራን፡ እቲ ኣብ ጥቓ መደበር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 160 ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጾም።

    ቢቢሲ ነዚ ኣሃዝ ሰብመዚ ኢራን ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ጸብጻባት ናይቲ ፍጻመ ይምርምር ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ይኹን ስርሒት ከም ዝተኻየድ "ኣይፈልጥን" ኢሉ።

    ስነ ስርዓት ቀብሪ ገለ እቶም ግዳያት ብሰሉስ ኣብ ሚናብ ተፈጺሙ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ስነ ስርዓት ቀብሪ ገለ እቶም ግዳያት ብሰሉስ ኣብ ሚናብ ተፈጺሙ
  12. መሓዙት ኢራን፡ ሩስያን ቻይናን ናበይ ኣተዋ?

  13. ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ

  14. ኣመሪካ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኤምባሲታታ ክትዓጹ ጀሚራ

    ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሪያድ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሪያድ

    ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከብ ሓያሎ ኤምባሲታታ ንግዚኡ ክትዓጹ ተገዲዳ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

    ኣብ ርእሰከተማ በይሩት (ሊባኖስ) ዝርከብ ኤምባሲ "ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃብ" ተዓጽዩ ኣሎ። "ኩሉ ስሩዕን ህጹጽን ቆንስላዊ ቆጸራታት ተዘሪዙ" ከምዘሎ'ውን እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ።

    እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዒላማታት ሕዝቦላህ ዝጀመረቶ ደብዳብ ትቕጽሎ ከምዘላ ይፍለጥ። ብፍላይ ደቡብ በይሩት ቀንዲ ግዳይ ናይቲ ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ ኣየር ኮይኑ ትርከብ። ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሕዝቦላህ ንቴህራን ዘለዎ ምሕዝነት ንምግላጽ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሮኬታት ድሕሪ ምውንጫፉ ሰራዊት እስራኤል ሓያል ግብረመልሲ ከምዝሃበ ይዝከር።

    ዋሽንግተን ነቲ ኣብ ኩዌት ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቐዲማ ዓጽያቶ ነይራ እያ።

    እቲ ግዳይ መጥቃዕቲ ድሮን ኢራን ዝኾነ ኣብ ሪያድ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዝርከብ ኤምባሲ'ውን ብተመሳሳሊ ተዓጽዩ'ሎ።

    ብዘይካ'ዚ ሰራሕተኛታታ ካብቲ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ከምዘግዓዘት'ውን ኣመሪካ ኣፍሊጣ'ላ።

  15. ቁጽሪ ዝሞቱ ወተሃደራት ኣመሪካ ይውስኽ ዳርባ ሚሳይላት ይቕጽል

    ነፈርቲ ውግእ ዝጸዓነት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዩ-ኤስ-ኤስ ጀራልድ ኣር- ፎርድ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቁጽሪ ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝተቐትሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።

    ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዛጊት እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ 6 ወተሃደራት ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኩዌት "ብናይ ወገን ተዂሲ" ተሃሪመን ምውዳቐን ይዝከር። ኣባላተን ግን ብህይወት ክድሕኑ ክኢሎም እዮም።

    ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ (ስዑዲ ዓረብ) ብክልተ ድሮናት ኢራን ተሃሪሙ "ድሩት" ዕንወት ከምዝወረዶ'ውን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ንግስነት ሓቢሩ ነይሩ።

    ቴህራን ከምዝበለቶ ኸኣ፡ ኣብ ባሕሬን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ዝነበረ መአዘዚ ህንጻ ብዘካየደቶ ደብዳብ ዓንዩ'ሎ።

    እስራኤልን ኣመሪካን ብወገነን፡ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን የካይዳ ኣለዋ።

    ሚሳይላት ኢራን'ውን ናብ ከም ዖማንን ኢማራት ዓብን ዝበላ ሃገራት ወሽመጥ ምዕላብ ቀጺሉ ኣሎ።

  16. መራሒ ቻይና ኣብ ልዕሊ ጀነራላት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ይቕጽል

    ሺ ዢንፒንግ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ቻይና ክገብሮ ዝጸንሐ ንላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናይ ምብራር ስጉምቲ ሕጂ'ውን ቀጺልዎ ኣሎ።

    ሺ ዢንፒንግ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ኣማኸርቲ ከገልግሉ ንዝጸንሑ ሰለስተ ጀነራላት ኣሰናቢቱ።

    ሓደ ካብኦም፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ናይቲ 'ህዝባዊ ሓርነታዊ ሰራዊት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ዝነበረ ጀነራል ሃን ወይገው እዩ።

    እቲ ኣብ 2012 ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣንጻር ብልሽውና ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምጽንሑ ዝንገረሉ መራሒ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ዝኾነ ሺ ዢንፒንግ፡ ነቲ ስጉምቲ ተቐናቐንቱ ዝኾኑ መራሕቲ ንምእላይ ይጥቀመሉ ኣሎ ዝብል ወቐሳ'ውን ይቐርበሉ'ዩ።

  17. ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝሃቦ ሓድሽ መግለጺ

    ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ “ዘልኣለማው"ን ካብ ጉዳይ ልዑላውነት ዘይፍለን ምዃኑ ገሊጹ።

    ታየ ኣስቀ ስላሴ ነዚ ዝገለጸ፡ መበል 130 ዓመት ዓወት ዓድዋ ንምብዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት እዩ።

    እቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዕዱማት ወጻእን ዝተሳተፍዎ ፅምብል፡ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ተፈንዩ።

    “ነባርን ዘተኣማምንን ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰልና፡ ካብቲ ሰማእታት ዓድዋ ብሓላፍነት ኣባና ዘሕድሩዎ ናይ ልዑላውነት እምነት ዘይፍለ እዩ፡” ኢሉ።

    ልምዓት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክዕንቅፉ ዝፍትኑ ሓይልታት ንተግባራቶም ምግታእ ወሳኒ ምዃኑ’ውን ገሊጹ። እንተዀነ፡ ስም ውልቀሰብ፡ ጕጅለ ይዅን ሃገር ኣይጠቐሰን።

    ውግእ ዓድዋ ኣብ መጀመርታ መጋቢት 1896 ኣብ መንጎ ብሃጸይ ምኒሊክ ዝምርሑ ኢትዮጵያውያንን ብኦረስተ ባራቲየሪ ዝምርሑ ኢጣልያውያንን ኣብ ከባቢ ጎቦታት ዓድዋ - ትግራይ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ብዓወት ኢትዮጵያ ከም ዝተዛዘመ ይፍለጥ።

  18. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ርዋንዳን ኣዘዝቱን ዝወሰነቶ እገዳ

    ኣርማ ሰራዊት ርዋን ዘለዎ ገጹ ዝተኸወለ ወተሃደር ምስ ካልኦት ወተሃደራት

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ርዋንዳን ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣዘዝቱን እገዳ ኣንቢራ።

    እቲ እገዳ ምስቲ ኣብ ምብራቕ ጐረቤት ሃገር ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ግጭት ብዝተሓሓዝ'ዩ ተወሲኑ ዘሎ።

    ኪጋሊ ኢዳ ኣብቲ ብማዕድን ሃብታም ዝኾነ ዞባ ብምእታው ነቲ ግጭት ተጋድዶ ኣላ ክትብል'ያ ዋሽንግተን ትኸስስ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኣብ መንጎ ኪንሻሳን ኪጋሊን ኣብ ዋሽንግተን ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ግጭት ይቕጽል ምህላዉ ንኣመሪካ ኣቖጢዕዋ ይርከብ።

    ነቲ እገዳ ዝነጸገት ርዋንዳ፡ ንሓደ ወገን ጥራይ ዒላማ ዝገበረ'ዩ ክትብል ተቓውሞኣ ገሊጻ ኣላ።

    ኪጋሊ ነቶም ኤም23 ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ከምዘይትድግፍ'ኳ ትምጉት እንተኾነት፡ ኣብቲ ቦታ ወተሃደራዊ ህላወ ከምዘለዋ ግን ትእመን'ያ፣ ሃገራዊ ጸጥታኣ ንምውሓስ ጥራይ ሰራዊታ ዶብ ከምዝሰገረ'ያ ትምጉት።

  19. ዝርዝር ኣስማት ዝተቐትሉ ሸውዓተ ላዕለዎት ኢራናውያን ጀነራላት

    ሚኒስተር ምክልኻል ብርጋዴር ጀነራል ዓዚዝ ናሲርዛደህ፡

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ምክልኻል ብርጋዴር ጀነራል ዓዚዝ ናሲርዛደህ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተቐትሉ እዩ

    ኢራን፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ዝተቐትሉ ላዕለዎት ጀነራላት ኣውጺኣ።

    ምስ ኣሃዱታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ኣገልግሎት ዜና ታስኒም ከምዝሓበሮ፡ ክሳብ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝነበረ እዋን ሸውዓተ ኣዘዝቲ ሰራዊት ተቐቲሎም ኣለዉ። እቶም ዛጊት ኣስማቶም ዝተፈልጠ እዞም ዝስዕቡ እዮም`፤

    • ብርጋዴር ጀነራል መሓመድ ሺራዝ፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ኢራን
    • ብርጋዴር ጀነራል ሳልሕ ኣሳዲ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ምክትል ሓላፊ ስለያ
    • ሜጀር ጀነራል (ሓይሊ ኣየር)፡ ሞሕሰን ዳረባጊ፡ ምክትል ሓላፊ ሎጀስቲክስን ደገፍን ሓይልታት ምክልኻል
    • ብርጋዴር ጀነራል ኣክባር ኢብራሂምዛደህ፡ ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ
    • ብርጋዴር ጀነራል ጐልማረዛ ረዛይያን፡ ሓላፊ ውድብ ስለያ ፋራጃ (እዚ ሓይልታት ኣኽበርቲ ሕጊ)
    • ብርጋዴር ጀነራል ባህራም ሖሴኒ ሞትላግ፡ ሓላፊ ክፍሊ ውጥንን ስርሒታትን፡ ከምኡ'ውን ምክትል ሓላፊ ስርሒታት ቤት ጽሕፈት ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል
    • ብርጋዴር ጀነራል ሓሳን-ዓሊ ታጂክ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሎጀስቲክስ ሓይልታት ምክልኻል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ

    ኣቐዲማ'ውን ኢራን፡ ጸሓፊ ቤትምኽሪ ምክልኻል ዓሊ ሻምካኒ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ብርጋዴር ጀነራል ዓዚዝ ናሲርዛደህ፡ ከምኡ'ውን ኣዛዚ ሓይልታት እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጀነራል መሓመድ ፓክፑር ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጣ ነይራ'ያ።

  20. ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ 'ዘልኣለማው'ን 'ኣካል ልኡላውነትን' ምዃኑ ተዛሪቡ