
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓቃባዊ ወሃቢ ርእይቶን ተሓላቒ ፖለቲካን ታከር ካርልሰን፡ ኣመሪካ ንእስራኤል “ኣይምልከተክን እዩ፡”
ክትብላን ንበንያሚን ናታንያሁ ድማ "ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከተእትዎ"
ተማሕጺኑ።
“ይቕረታ
ግበሩለይ፡ እዚ ጸረ-ሴማውነት ኣይኰነን። ውሳነታት ናይቲ መራሒ ሃገር ንኣመሪካውያን ክቕተሉ ዝገብርን ንታሪኽን ዕድላትን ዓለም
ዝጸሉን ዘሎ እዩ። ከምኡ’ውን ንመጻኢ ኣመሪካ።”
ብምቕጻል፡ "ኣመሪካ ንመንግስቲ እስራኤል 'ኣይምልከተካን እዩ' ክትብሎ ኣለዋ፣ ...ካብዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ንላዕሊ ዋጋ ዘኽፈለ ምምሕዳር የሎን፡” ኢሉ።
መሓዛ ትራምፕ ዝዀነ ካርልሰን፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከይውሰድ ጸቕጢ ገይሩ። ምእንቲ እዚ ድማ ናብ ዋይትሃውስ ብዙሕ ግዜ ብምኻድ ምስ ትራምፕ
ከም ዝተራኸበ ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።
ኣፈኛ ባይቶ ማይክ ጆንሰን ዝርከቡዎም ሓያሎ መራሕቲ ኣመሪካ፡ እስራኤል መጥቃዕቲ ክትፍጽም ምዃና ስለ ዝፈለጡ፡ ነቲ ዋሽንግተን ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ቅድመ-ምክልኻል" ክብሉ ተጣቢቖም ነይሮም - ዋላ'ኳ መግለጺ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ካልእ ዝሕብር እንተ መሰለ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጋዜጠኛ ፎክስ ኒውስ ንበንያሚን ናታንያሁ፡ እስራኤል ንዶናልት ትራምፕ “ጐቲታ ናብ ግጭት ኣእትያቶ ድያ?” ክብል ምስ ሓተቶ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ስሒቑ።
"ዶናልድ ትራምፕኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ መራሒ'ዩ። ንኣመሪካ ይበቅዕ ዝበሎ እዩ ዝገብር፡” ክብል መሊሱ።
"ዋጋ ኲናት እፈልጥ እየ" ድሕሪ ምባል፡ "ሓድሓደ ግዜ ግን ካብቶም ዘጥፍኡና ሰባት ንምክልኻል ኲናት ከም ዘድሊ እግንዘብ እየ፡" ኢሉ።
ኣቐዲሙ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ኣቐዲማ" መጥቃዕቲ ዝፈጸመትሉ ምኽንያት፡ "እስራኤል ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ስለ ዝፈለጥና ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።
ሩቢዮ፡ "መጥቃዕትትት ቅድሚ ምጅማሮም መጀመርታ ስጕምቲ ወሲድና ደው እንተ ዘይኣቢልናዮም ዝያዳ ጕድኣት ከም ዝወርደና ንፈልጥ ነይርና፡” ክብል ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ቃለመሕትት ዘካየደ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ፡ ኣመሪካ ንዓመታት ናብ ዝጐትታ ግጭት ክትኣቱ ከም ዘይኰነት ገሊጹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ንጹር ዕላማ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ “ኢራን ብፍጹም ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይህሉዋ፡” ምርግጋጽ ምዃኑ ሓቢሩ።
"ዶናልድ ትራምፕ፡ እዛ ሃገር ዓመታት ናብ ዝወስድ ግጭት ከእቱዋ ዝፈቕደሉ መገዲ የሎን፣ ናብ ከምቲ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዘጋጠመና ጸገማት ኣይክንኣቱን ኢና፡” ኢሉ።
ቫንስ ብተወሳኺ፡ መሳለጥያታት ንዩክለር ኢራን ከምቲ እቲ ስርዓት ዝብሎ ንሰለማዊ መዓላ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ዝተሃንጸ ምዃኑ ሓቢሩ።