እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤል ንመአዘዚ ንቑጣታት ሕዝቦላህ ደብዲባ

    ስራዊት እስራኤል ኣብ በይሩትን ደቡብ ሊባኖስን ሓያለ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ብምፍጻም ንመአዘዚ ነቑጣታት ሕዝቦላህ ከምዝደምሰሰ ሓቢሩ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ቴለግራም ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደብዳብ ንኽካየድ ትእዛዝ ዝመሓላለፈሎም ዝነበረ መአዘዚ ነቑጣታት ሕዝቦላህ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

  2. 'እቶም ኣባላት እታ ነፋሪት ብሰላም ክወጽኡ ክንጽሊ ኢና' ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን

    ብዛዕባ እዛ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ዝወደቐት ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ፡ ካብ ገለ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣመሪካ ርእይቶ ክንረክብ ጀሚርና ኣለና።

    ኣባል ኮንግረስ ጂም ሂምስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ገና ምዃኑ ብምሕባር፡ እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኣባላት ብሰላም ክወጽኡ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    “እዚ ኣካል ናይቲ ግጭት ክትኣቱ እንከለኻ እትኸፍሎ ዋጋ’ዩ፡ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ዝብሃል ወተሃደር’ውን ብዘይ ዝዀነ ሓደጋ ስርሒት ኣይዛዝምን’ዩ፡ እቲ ዘጋጠመ’ውን ከምዚ’ዩ ክኸውን ዝኽእል” ኢሉ።

    “እቶም ኣባላት እታ ነፋሪት ብሰላም ክወጽኡ ንጽሊ፡ ሓንቲ ሃገር ናብ ውግእ ክትኣቱ እንከላ ከምዚ’ያ ትኸፍል”

  3. እዘን ኣብ ሰማይ እንከለዋ ንነፈርቲ ንዳዲ ዝመልኣ ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ኣብ ውግእ ኣዝየን ወሰንቲ’የን

    ነዛ ኬይሲ-135 ዝተባህለት ዓባይ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ንኽትወድቕ ምኽንያት ዝዀነ ነገር ክሳብ ሕጂ ኣይፈለጥናን፤ ክኸውን ዝኽእል ሓደ ተኽእሎ ግን ኣብ ሰማይ እንከላ ምስታ ካልኣይቲ ነፋሪት ተጋጭያ ክትከውን ትኽእል’ያ።

    እዘን ከምዚአን ዝኣመሰላ ነፈርቲ ኣብ ሰማይ ንነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ዝመልኣ ኰይነን፡ ነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ንምምላእ ናብ መሬት ወይ መራኽብ ከይዓለባ እናተመላላሳ ንኽድብድባ የኽእለን።

    በዚ ከኣ ኣመሪካ ኣብ ኵናት ዓብሊላ ንኽትወጽእ ዓቢ ተራ’የን ዝጻወታ።

    ኣብ መስርሕ፡ ካብዛ ዓባይ ነፋሪት ብድሕሪኣ ሓደ ኣብ ጫፉ ሓጺን ዘለዎ ትቦ ይዝርጋሕ፡ እታ ነዳዲ ክትመልእ ዝደለየት ነፋሪት ውግእ ከኣ ብድሕሪኣ ትቀርባ’ሞ፡ ብማግኔታዊ ሓይሊ እቲ ሓጺን ዘለዎ ካብዛ ዓባይ ነፋሪት ዝተሰደደ ትቦ ናብ ኣፍ መምልኢ ነዳዲ እታ ነፋሪት ተጣቢቑ ብዘይ ጸገም እታ ነፋሪት ነዳዲ ትመልእ።

    ዓቢ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣብ ዝካየደሉ ከኣ ተራ ኬይሲ-135 ልዑል’ዩ። እዚ ነዳዲ ናይ ምምላእ መስርሕ ግዜ ከኣ መብዛሕትኡ እዋን ብለይቲ’ዩ ዝካየድ።

    እዚ ንኽትገብር ኣዝዮም ምኩራት መራሕቲ ነፈርቲ’ዮም ዘድልዩ።

    ነዳዲ ኣብ ዘምልኣሉ ህሞት፡ እተን ነፈርቲ ‘ብጻላኢ’ ንኸይርአያ መብራህተን ይጠፍእ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ከም ዘጋጠመሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ካብ ዶብ ኢራን ክንደይ ራሕቒ ኣብ ዘለዎ ቦታ’ዩ ኣጋጢሙ ግን ኣይሓበረን።

    ኬይሲ-135 መብዛሕትኡ ግዜ ሰለስተ ኣባላት’ዮም ዝህልውዋ፡ ሓደ ፓይለት፡ ሓደ ተሓጋጋዚ ፓይለትን ሓደ ክኢላ ምምላእ ነዳድን።

  4. ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ወዲቓ

    ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እንፈልጦ

    • እታ ከይሲ-135 ተባሂላ እትጽዋዕ ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ’ያ ወዲቓ
    • ኣብቲ ሓደጋ ክልተ ነፈርቲ’የን ነይረን፡ እታ ሓንቲ ነፋሪት ግን ብሰላም ክትዓልብ ክኢላ ኣላ
    • ማእከላይ እዚ ኣመሪካ እታ ነፋሪት ብባርዕ ወይ ብዘጋጠማ ማህረምቲ እቲ ሓደጋ ከም ዘየጋጠማ ኣፍሊጡ
    • መስርሕ ህይወት ኣድሕን ይቅጽል ኣሎ

    ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ ዘይንፈልጦ

    • ኣብታ ነፋሪት ክንደይ ሰብ’ዮም ነይሮም፡ በቲ ሓደጋ ዝሞተ ሰብ ኣሎ ድዩ
    • ጠንቂ ምውዳቕ እታ ነፋሪት እንታይ’ዩ
    • እቲ ሓደጋ ብልክዕ ኣበይ ቦታ’ዩ ኣጋጢሙ፡ እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት’ኸ ኣበይ’ዩ ዝካየድ ዘሎ
  5. ሓድሽ ኣያቶላህ ኢራን ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝሓዘ ፈላሚ መግለጺ

    ንወላዲኡ ብምትካእ ኣያቶላህ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኮይኑ ዝተመርጸ ሞጅታባ ኻመኒ መንበር ኣቦኡ ድሕሪ ምርካቡ ፈላሚ መግለጺ ሂቡ'ሎ።

    ኣብቲ ኣብ መንግስታዊት ተለቪዚን ኢራን ዝተነበበ መግለጺ፡ ሕነ ናይቶም ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝተቐትሉ ዜጋታቱ ክፍደ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    "ንደም ኢራናውያን ሕነ ካብ ፍዳይ" ዓዲ ከምዘይውዕሉ'ዩ እቲ ሓድሽ ኣያቶላህ ኣሚቱ ዘሎ። እቲ መጠንቀቕታ፡ ነቲ 110 ቆልዑ ተመሃሮ ዝርከባኦም 168 ሰባት ዝቐተለ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤትምህርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝምልከት ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    ኢራን፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ፈለማ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ብሚሳይል ኣመሪካ ከምዝተሃርመ ክትገልጽ እንከላ፡ ዋሽንግተን ነቲ ኩነታት ንምጽራይ መርመራ ተካይድ ከምዘላ ሚኒስተር ኲናት ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ምስ ጐረባብቲ ኢራን ዝኾና ሃገራት ወሽመጥ ናይ "ምሕዝነት" ፖሊሲ ከምዘለዎ ዝገለጸ ሞጅታባ፡ ካብ መጥቃዕቲ ክድሕና እንተኾይነን ንወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ክዓጽዋ ከምዘለወን ኣነጺሩ።

    ብዘይካ'ዚ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕትታት፡ ነቲ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተረጊጡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይትኸፍቶ እቲ ኣያቶላህ ገሊጹሎ። ቴህራን፡ ብሰንኪ'ቲ እቲ ስጉምቲ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንበርሚል ኣስታት 200 ዶላር ከምዝዓርግ ከተጠንቅቕ ቀንያ እያ።

    ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ሰዓታት ኣብ መላእ ኤስያ ዋጋ ነዳዲ ብ9% ወሰኽ ብምርአይ ንሓደ ዘይተጻረየ በርሚል 100 ዶላር በጺሑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ-7፡ ነቲ ቅልውላው ንምቁጽጻር ካብ ዘለወን "ስትራተጂካዊ መኽዘን"ኣስታት 400 ሚልዮን በርሚል ናብ ዕዳጋ ከፍስሳ'ኳ እንተ ተሰማምዓ፡ ነቲ በብሰዓቱ ዝውስኽ ዘሎ ናህሪ ክዓግቶ ኣይክኣለን ዘሎ።

  6. ብዘይካ ነዳዲ ግዳይ ማሕንቖ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኾነ ኣገዳሲ ቀረብ

    ብሰንኪ'ቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ዋሕዚ ነዳዲ ብምድራቱ ዋጋታቱ ብናህሪ ይዓርግ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ብሰንኪ'ቲ ዕዳጋታት ስቶክ ዓለም ክንቆትን ሻቕሎታት ይዓብን ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ወግሐ-ጸብሐ ዘቃልሓኦ ዘለዋ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

    እንተኾነ፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይረኸበ፡ ካብቲ ወሽመጥ ዓረብ ዝነቅል ኣገዳሲ 'ብጫ ሓሩጭ' እውን ግዳይ ኮይኑ ይርከብ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻዉ፡ ንነዳዲ ጥራይ ዘይኮነ ንቀረብ 'ሰላፈርን ሳልፈሪክ ኣሲድን' ዝተባሀለ ቀመማት (ኬሚካላት) ኣደስኪሉ ኣሎ።

    እንታይ ጣቋ ዘለዎ'ዩ ትብሉ ትኾኑ። ባእታ ሳልፈር ኣብ ምፍራይ ሕርሻዊ ድዂዒ፡ ከምኡ'ውን ኣካል ኮምዩፒተራት (ቺፕ) ብምዃን ንከም ተንቀሳቓሲ ተለፎናትን መካይን ኤለክትሪክን ዝበሉ ኤለክትሮኒካዊ ኣቚሑት ንምስራሕ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ እዩ።

    ልዕሊ ፍርቂ ቀረብ ሳልፈር ብመራኽብ ተጻዒኑ ብመጻብቦ ሆርሙዝ'ዩ ዝሓልፍ።

    ሃገራት ወሽመጥ ቀንዲ ኣፍረይቲ ናይ ሓሩጭ ዝኾናሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ባእታ ካብ ሓደ ፍሉይ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝወጽእ ብምዃኑ'ዩ።

    "መጺጽ ሓተላ ነዳዲ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ነዳዲ ክፈሪ እንከሎ ሳልፈር ሒዙ ስለዝወጽእ ድርብ ረብሓ ኣለዎ።

    ቻይና፡" ዝዓበየ ሸውሃት ሳልፈር ከምዘለዋ'ያ ትፍለጥ፣ ብሰንኩ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ዋጋ ናይቲ ብጫ ሓሩጭ ኣብታ ሃገር ብ15% ወሲኹ ኣሎ።

  7. እስራኤል፡ ኣብ ኢራን 'ሰፊሕ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን "ሰፊሕ ማዕበላዊ" መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ፡ ሰራዊት ምክልካል እስራኤል ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ሓቢሩ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ "ዝሓለፉ መዓልታት" ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኢራን ከተማ ቴህራን ኣብ ዝርከብ "ቀጽሪ ምምዕባል ኑክሌራዊ ኣጽዋር" ከምዘዕነወ ይገልፅ።

  8. ሎሚ ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃቲታት ዝበፅሐ ጉድኣት ብምስሊ

    ኣብቲ ካልኣይ ሰሙኑ ረጊፁ ዘሎ ኲናት ኢራን፡ ሎሚ ለይቲ ዝተፈፀመ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ መላእ ዞባ- ማእከላይ ምብራቕ፡ ዝበፅሐ ጉድኣት ዘርእዩ ስእልታት ከነካፍለኩም።

  9. ዘይተቛረፀ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ዒራቕ፣ ባሕረይንን ዖማንን

    ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኢራን ነቲ ዞባ ብባርዕ ሓዊ ይልብልቦ ኣሎ።

    ኢራን ፡ ኣብ ባሕረይን፡ ኣብ ጥቓ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንዝነበራ ታንከራት ነዳዲ ዒላማ ድሕሪ ምግባራ፡ ዓቢ ባርዕ ኣጋጢሙ’ሎ።

    ካብቲ ባርዕ ዝወፅእ ዘሎ ትኪ፡ ኣዝዩ ከቢድ ስለዝኾነ ሰብ-መዚ ሰባት መስኮቶም ዓጽዮም ክጸንሑ ይላበዉ ኣለዉ።

    ከምቲ ቅድም ክንብል ዝበለፅናዮ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ወደብ ባስራ ዒራቕ ክልተ መራኽብ [ታንከራት] ብሓዊ ተቓጺለን፡ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ስራሕ ደው ክብል ተገዲዱ ኣሎ።

    ኣብ ዖማን፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ካብቲ ትማሊ ኣብ ወደብ ሳላሕ፡ ኣብ መኽዘን ነዳዲ ዘጋጠመ ባርዕ ንምግታእ ገና ይሰርሑ ኣለዉ ።

    ብኻልእ ሸነኽ፡ ዖማን መራኽብ ካብቲ ነዳዲ ሰደድ ዝግበረሉ ወደብ ክወጽኣ ኣዚዛ ኣላ።

    ኢራን ንነዊሕ እዋን ዝዘልቕ ቁጠባዊ ሃሰያ ክተስዕብ ከም ዝሓሰበት ንጹር ኮይኑ ኣሎ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን’ውን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ባንክ ኢራን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ማእከላት ፋይናንስ ምዕራባውያን ሕጂ ሕጋዊ ዒላማ ምዃነን ኣጠንቂቑ’ሎ።

    ባንክታት ዓለም፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈተን ዓፅየን ኣለዋ፡ ንኣብነት ኣብ ቀጠር ዝርከብ ኤችኤስቢሲ፡ ኣብ ዱባይ ዝርከባ ሲቲን ስታንዳርድ ቻርተርን፡ ሰራሕተኛታተን ኣብ ገዛ ክፀንሑ ነጊረን ኣለዋ።

  10. ትራምፕ፡ ዋጋ ነዳዲ 'ዝኾነ ሰብ ካብ ዝግምቶ ንላዕሊ' ክወርድ'ዩ ኢሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ 32 ሃገራት መሐለውታ ነዳዲ ንምጥቃም ዝወሰድኦ ውሳነ ስዒቡ፡ "ዋጋ ነዳዲ ብዓቢኡ ከምዘጉድል" ገሊጹ።

    ኣቐዲሙ፡ ትራምፕ ኣብ ሲንሲናቲ ኣብ ዝርከብ ትካል ንግዲ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ዋጋ ነዳዲ ክብ ለጠቅ ምባሉ "ነገር ኲናት" ክብል ገሊጽዎ።

    "ሕጂ ዋጋታት ኣዝዩ ብዓቢኡ ይወርድ ኣሎ" ኢሉ።

    "ዋጋ ነዳዲ ክወርድ እዩ። ኣብ ኲናት ከምኡ ክኸውን ግድን'ዩ። ዳርጋ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ርግፅ ካብቲ ዝሓሰብናዮ ቁሩብ ደይቡ። ግን ካብ ዝግመት ንላዕሊ ክወርድ'ዩ፡ ካብቲ ዝኾነ ሰብ ዝርድኦ ንላዕሊ።"

    ድሒሩ ኣመሪካ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ሰፊሕ ቆላሕታ" ከምዝገበረትሉ ብምግላጽ፡ "እቲ መጻብቦ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣሎ። ዳርጋ ንኹለን መራኽቦም ኣዕኒናየን ኣለና። ገለ ሚሳይላት ኣለወን፡ ግን ብዙሕ ኣይኮናን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

  11. እስራኤል ኣብ በይሩት ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም

    ሰራዊት እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ማዕበል ናይ ሚሳኤላት መጥቓዕቲ ፈጺሙ።

    እስራኤል ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ ኣብ በይሩት ኣብ ልዕሊ 10 ኣብያተ ጽሕፈታት መጥቓዕቲ ከምዝፈጸመት ኣፍሊጣ።

    በቲ እስራኤል ኣብ በይሩት ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ 7 ሰባት ከምዝተቐተሉን 21 ከኣ ፎዅስን ከቢድን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ሕዝቦላህ’ውን ከም ግብረ መልሲ ናብ እስራኤል’ኳ ሚሳኤላት እንተተኰሱ፡ እስራኤል ንዅሉ ከምዘበርዓነቶ ገሊጻ።

  12. ዋጋ ነዳዲ ሕጂ’ውን ወሰኽ የርኢ ኣሎ

    ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ሰዓታት ኣብ መላእ ኤስያ ዋጋ ነዳዲ ብ9 ምኢታዊት ወሰኽ ብምርአይ ንሓደ ዘይተጻረየ በርሚል 100 ዶላር በጺሑ።

    ከም ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦትን ዝርከብአን ዓሰርተታት ሃገራት፡ ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋእ ካብቲ ንእዋን ሓደጋ ተባሂሉ ዝተኸዘ ነዳዲ ናብ ጥቕሚ ከውዕለኦ ምዃነን’ኳ እንተሓበራ፡ እቲ ዋጋ ግን ክንኪ ኣይተረኣየን።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን ነቲ ሓደ ሕምሲት ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምልኳት ኣብ ልዕሊ በቲ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝእትፍጽም’ያ ተጠንቅቕ ዘላ።

    ኣብ ኣመሪካ’ውን ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ፡ 95.27 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

    ብሰኑይ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ 110 ዶላር በጺሑ ነይሩ’ዩ፤ ዋጋ ነዳዲ ክንድዚ ክበጽሕ ድሕሪ 2022 ንፈለማ እዋን’ዩ።

  13. ሰለስተ መራኽብ ተሃሪመን

    ኣብ ገማግም ኢራቕ፡ ኣብ ጥቓ ወደብ ኡም ቃስር፡ ክልተ መራኽብ ከምዝተሃረማ ተሓቢሩ።

    ብሰንኪ እቲ አaእ ልዕሊ'ተን መራኽብ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፡ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ 38 ሰባት ፎዂስን ከቢድን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም።

    ዩከይ ማሪታይም ትሬድ ኦፐረሽን፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከባቢ ጀበል ዓሊ፡ ሓንቲ ኮንተይነር ዝጽዓነት መርከብ እንታይ ዓይነት ኣፅዋር ከምዝኾነ ብዘይተፈለጠ ተሃሪማ ቀሊል ባርዕ ከምዘጋጠማ'ውን ኣፍሊጡ።

    ብሓፈሻ፡ ካብ 28 ለካቲት ክሳብ 11 መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ መጻብቦ ሆርሙዝን ውሽመጥ ዖማንን፡ ኣብ ልዕሊ 13 መራኽብ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ ዩከይ ማሪታይም ትሬድ ኦፐረሽን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

  14. ኣምባሳደር ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን መጠንቀቕታ ቪዛ

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ሃገሩ ዝገሹ ኢትዮጵያውያን ንሕግታት ቪዛ ከኽብሩ ጸዊዑ።

    ኤርቪን ማንሲጋ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ናብ ኣመሪካ ምስኣተኻ ካብ ዝተፈቕደልካ ናይ ግዜ ገደብ ንላዕሊ ምጽናሕ ዘኸትሎ ሳዕቤናት፡ ምስራዝ ቪዛ፡ ምስጓግ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ቪዛ ምንጻግ" ከምዝርከብዎ ኣብሪሁ።

    "ካብ ዝተፈቐደልካ ግዜ ንላዕሊ ንምጽናሕ ዝገብር ምኽንያት የለን"።

    ከምኡ ምግባር ንኻልኦት ቪዛ ከይረኽቡ ዕንቅፋት ዝፈጥር ምዃኑ'ውን እቲ ዲፕሎማሰኛ ኣሚቱ።

    "ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዘነጸሮ፡ ናብ ኣመሪካ ንክነብሩ ይኹን ብንግዲ ወይ ቱሪዝም ንሓጺር ግዜ ዝገሹ መጻእተኛታት ብፋይናንስ ርእሶም ክኽእሉ ኣለዎም"።

    እዚ ጾር ህዝባዊ ኣገልግሎት ከይኮኑ ዝዓለመ ምዃኑ'ውን እቲ መልእኽቲ ይጠቅስ።

    ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትርከበን 'ኢሚግራንት ቪዛ' (ንከም ናይ ጥርናፈ ቤተሰብን ቀዋሚ ነባርነትን ዝርከቦ ቪዛታት) ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተወሰነ እገዳ ብሰንኪ'ዚ ዝመጸ ምዃኑ'ውን እቲ ኣምባሳደር ኣይሓብአን።

    "ከምቲ ጸሓፊ [ማርኮ] ሩቢዮ ዝበሎ) ቪዛ ሓለፋ እምበር መሰል ኣይኮነን" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

    "ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይነ ምግልጋለይ ክብሪ ይስመዓኒ" ዝበለ ማሲንጋ፡ ዝምድና ዋሽንግተንን ኣዲስ ኣበባን ን120 ዓመት ዝቐጸለ ምዃኑ ገሊጹ።

  15. ሲቪል ኢራናውያን ካብ ወደባት እታ ሃገር ክርሕቁ ሰራዊት ኣመሪካ ኣጠንቂቑ

    ሲቪል ኢራናውያን ካብቶም ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዘለዉ ወደባት ኢራን ክርሕቁ ሰራዊት ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።

    ማእከላይ እዚ (ሰንትራል ኮማንድ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንወተሃደራዊ ኣግልግሎት ዝውዕሉ ወደባት ዒላማ መጥቃዕቱ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

    "ሲቪል ሰባት ካብ ኩሎም ሓይልታት ባሕሪ ኢራን ዝጥቅምሎም ወደባት ብቕልጡፍ ክርሕቁ ማእከላይ እዚ የተሓሳስብ" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መጠንቀቕታ።

    ቴህራን ንሲቪላውያን ወደባት ከይተረፈ ንወተሃደራዊ መዓላ ትጥቀመሎም ከምዘላ ዝኸሰሰ እቲ እዚ፡ "እዚ ሓደገኛ ተግባር እዚ ንህይወት ንጹሃት ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ" ኢሉ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መጻብቦ 16 ፈንጂ ባሕሪ ዝተኽላ መራኽብ ኢራን ከምዘዕነወ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።

  16. ኢራን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ

    ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝካየድ ውድድር ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ከምዘይትሳተፍ ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያትን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ኣሕመድ ዶንያማሊ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "እዚ ብልሹው መንግስቲ ንመራሒና ምቕታሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክንሳተፍ ዘፍቅድ ኩነታት የብልናን" ኢሉ።

    "ተጻወትቲና ውሕስነት የብሎምን፡ ንክንሳተፍ ዝዕድም ሃዋሁ'ውን የሎን" ዝበለ እቲ ብዓልስልጣን፡ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ወርሒ ክልተ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ከምዝተኣወጀን፡ ብሰንኩ ሓያሎ ኣሽሓት ዜጋታት ከምዝተቐትሉን'ውን ተዛሪቡ።

    ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢራን ብወገኑ፡ ንኩነታት ናይተን ንውድድር ናብ ኣውስትራልያ ዝኸዳ ደቂኣንስትዮ ተጻወትቲ እታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂተባዕትዮ ናብ ኣመሪካ ክሰዱ ቅሩባት ከምዘይኮኑ ኣሚቱ።

    "ነተን ደቂኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝገጠመን ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋንጫ ዓለም'ውን ከምኡ'ዩ ዝመስል፡ ስለዚ ነታ ጋንታ ናብ ኣመሪካ ምልኣኽ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝቕበሎ ኣይኮነን" ይብል መህዲ ታጅ።

    እተን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኢራን፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ኤስያ ንምስታፍ'የን ናብ ኣውስትራልያ ከይደን ነይረን። ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምግላፈን ድማ ዝበዝሓ ወጺአን እየን።

    ቅድሚ ጸወታ ኣብ ዝግበር ስነስርዓት ሃገራዊ-መዝሙር ኢራን ክዝምራ ፍቓደኛታት ዘይኮና ሓሙሽተ ካብኣተን ግን ድሕነተን ንምውሓስ ብሰብመዚ ኣውስትራልያ "ሰብኣዊ ቪዛ" ተዋሂብወን ነይሩ። ሓንቲ ካብኣተን ግን ጸኒሓ ሓሳባ ብምቕያር ነቲ ዝቐረበላ ቪዛ ነጺጋ ናብ ዓዳ ክትምለስ ወሲና’ላ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብቲ ኣብ ሃገሩ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ ጸገም ከምዘይብሉ ብኣፍ ፕረዚደንት ፊፋ ጂነኒ ኢንፋንቲኖ ድሕሪ ምግላጹ'ዮም መራሕቲ ቴህራን ነቲ መግለጺ ዝህቡ ዘለዉ።

    ናይ መወዳእታ ውሳነ ግን ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ዝወስዶ ምዃኑ'ዩ ይፍለጥ።

  17. ኢራን ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ሓድሽ መጥቃዕቲ ጀሚራ

    ኢራን መበል 35 ማዕበል ስርሒታ ከም ዝጀመረት ዘፍለጠት ኰይና፤ ቐጠር ናብኣ ዝተተኰሰ ተወንጫፊ ከም ዝዓገተት ገሊፃ።

    ስዑዲ ዓረብ ድማ፡ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣየራ ዝዓለመ ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዓቢ ዕደና ነዳዲኣ ዒላማ ዝገበራ ድሮናት ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ንማዕበል ሚሳይላት ምላሽ ትህብ ከምዘላ፣ ባሕረይን ድማ ነበርቲ ውሑስ መዕቘቢ ክደልዩ ኣጠንቂቓ።

    ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላትን መደበራት ኣመሪካን ከም ዘጥቀዐት ክትገልጽ እንከላ ክልቲአን ሃገራት ግን ነቲ ኵነታት ኣየረጋገጻን።

    ኣመሪካ፡ ኢራናውያን ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ነታጒ ከይቀብሩ ስክፍታ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ወሳኒ መሕለፊ ማይ ንዝነበራ 16 ነተጉቲ ዘንጽፋ መራኽብ ኣጥቂዓ ኣላ።

  18. ኣመሪካ 16 ነተጉቲ [ፈንጂ] ዘንፅፋ መራኽብ ኢራን ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ [ሴንትኮም] ፡ ሓያሎ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ብመጥቃዕቲ ዝዓነዋሉ ዝበሎ ምስሊ ዘርእይ ቪድዮ ዘርጊሑ።

    ሴንትኮም እተን ብሰሉስ ዓንየን ዝበለን መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ነተጉቲ ዘንፅፋ 16 መራኽብ ይርከበአን።

    ሓለቓ ስታፍ ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬይን፡ ብሰኑይ ኣብ ፔንታጎን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምድምሳስ ሓይል ባሕሪ ኢራን ካብቶም ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ስርሒት ‘ኦፒክ ፉሪ’ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቁልፊ ዓለማዊ መስመር ዝዀነ - መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ነታጒ ንምቕባር ዝፍትና መራኽብ ኢራን ከዕኑ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    እቲ እዚ፡ ኣብ ኤክስ ዝዘርገሖ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ዝተፈላለየ መጠን ዘለወን መራኽብ ብተወንጫፊ [ፕሮጀክታይል] ድሕሪ ምውቃዐን ክፈንጀራ እንተለዋ የርእይ።

  19. ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ሓሳባ ቀይራ ናብ ዓዳ ክትምለስ ወሲና

    መብዛሕትአን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ኤስያ ድሕሪ ምግላፈን ካብ ኣውስትራልያ ወጺአን እየን።

    እተን ደቀንስትዮ፡ ቅድሚ ጸወታ ኣብ ዝግበር ስርዓተ-መዝሙር ሃገራዊት ጋንታ ክዝምራ ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ንድሕነተን ስለ ዝሰግኣ፡ ንሓሙሽተ ካብኣተን ውሕስነተን ቪዛ “ሰብኣውነት” ኣብ ኣውስትራልያ ተዋሂቡወን ነይሩ።

    ክልተ ካልኦት ድማ ነቲ ዝቐረበለን ቪዛ ተቐቢለን ኣብቲ ዓዲ ክጸንሓ ወሲነን ነይረን።

    እንተዀነ ሕጂ፡ ሓንቲ ካብኣተን ነቲ ዝቐረበላ ቪዛ ነጺጋ ናብ ዓዳ ክትምለስ ወሲና’ላ።

    እታ ስፖርተኛ ግን መን ምዃና ኣይነጸረን ዘሎ። ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራልያ ቶኒ በርክ፡ ሎሚ ንግሆ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 10፡00 (23፡00 GMT) ብዛዕባ’ዚ ውሳነ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።

    ነዚ ኣመልኪቱ እቲ ምኒስተር፡ “ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ሓሳቦም ክቕይሩ ይኽእሉ እዮም፣ ሰባት ክጓዓዙ ይኽእሉ። ስለዚ፡ ነቲ ንሳ ነዚ ውሳነ ዝወሰደትሉ ኵነታት ነኽብሮ ኢና” ክብል ገሊጹ።

    እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ ቪዛ ዝተዋህበን ኢራናውያን ተጻወትቲ እውን ብሰንኪ እቲ ኵነታት ምቕያር ሓሳብ ናይታ ሓንቲ ቦታ ክቕይራ ከም ዝተገደዳ ምኒስተር በርክ የረድእ።

    “ነዚ ውሳነ ኣብ ምውሳን፡ ብደቂ ጋንታኣን ኣሰልጣኒኣን ምስ ኤምባሲ ኢራን ክትራኸብን ሓሳብ ቀሪቡላ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኤምባሲ ኢራን ኵለን ኣበይ ከምዝነበራ ክፈልጥ እዩ።”

  20. ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ዝኣወጀት ኣውሮጳዊት ሃገር

    መንእሰያት ሃገረ ክሮኦሽያ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ናብ መዓስከራት ይውሕዙ ኣለዉ።

    ዛጊት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኮተቴ እታ ሃገር ካብቶም ተዳልዮም ዘለዉ ሰለስተ መዓስከራት ስልጠና ናብ ዝቐረቦም ክኸዱ ተኣዚዞም ኣለዉ።

    ካብ 2008 ኣትሒዛ ነቲ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣቋሪጻቶ'ያ ጸኒሓ።

    እቲ ስጉምቲ ምስቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶን ተካይዶ ዘላን ኲናት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግለጽ።

    ንክሮኦሽያ ሓዊስካ፡ ዛጊት 10 ኣባል ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ሃገራዊ ኣግልግሎት ዳግማይ ኣዊጀን ኣለዋ።

    እተን ብወለንታ ክሳተፋ ዝኽእላ ደቂኣንስትዮ'ውን ድሮ ናብቲ መዓስከራት ይኣትዋ ምህላወን ሰብዘሚ ሓቢሮም።