እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሓይልታት ኢራን ነበርቲ ናብ ዒላማ ኣመሪካ ካብ ዝቐረቡ ከባቢታት ክወጽኡ ኣተሓሳሲቦም

    ሰራዊት ኢራን መሬቱ ናይ ምክልኻልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንረብሓታት ኣመሪካ ዒላማ ናይ ምግባርን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ክብል መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

    ወሃቢ ሓይልታት ኢራን ኮሎኔል ኢብራሂም ዙልፊቃሪ፡ ኢራን ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከቡ ሚሳይላት ኣመሪካ ዝኣትውሎም ወደባት ከምኡ'ውን "መሕብኢ" ወተሃደራት ኣመሪካ ዒላማ ናይ ምግባር ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዋ ይዛረብ።

    ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝነብሩ ኣስላም ምእንቲ ከይጕድኡ ክወጽኡ ድማ ጸዊዑ።

    ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለው ዓበይቲ መኽዘናት ነዳዲ ዝዀነ ወደብ ፉጃይራ፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዒላማ ድሕሪ ምዃኑ፡ ትኪ ክወጽእ ተራእዩ።

    እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከተማ ሲዶን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሃሬት ሳይዳ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ'ዉን ኣብ ህንጻ ኣፓርታማታት ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።

    ኢራን ኣብ መንበሪ ከባቢታት እስራኤል ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ጉድኣት በጺሑ እዩ።

    ኣብ ማእኸላይ እስራኤል ሾሃም ዝርከብ ናሕሲ ሓደ ህንጻ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ንእስራኤል ዒላማ ዝገበሩ ሚሳይላት ኢራን ከም ዘፍሸለ ገሊጹ።

  2. ኢራን ንጎረባብቲ ሃገራት ዒላማ ካብ ምግባር ክትቑጠብ ሓማስ ይላቦ

    ሓማስ፡ ኢራን ጎረባብቲ ሃገራት ዒላማ ከይትገብር ጸዊዑ።

    ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ንምባል ክሰርሑ እውን ጸዊዑ።

    እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዓሚቑ ስክፍታ ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ንሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባን ዓለምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

    ሓማስ ወሲኹ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዘሎ ወራር፡ ኣህጉራዊ ሕግን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ዝጥሕስ ምዃኑ አብቲ ብቴሌግራም ዘውጽኦ መግለጺ ወቒሱ።

    ስለዝኾነ ድማ፡ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ተሓባቢረን ነቲ ወራር ደው ከብላ ኣተሓሳሲቡ።

    ሓማስ፡ ብኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ እስራኤልን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ትካል ይቑጸር።

  3. ነበርቲ ዶሓ ካብታ ከተማ ይወጽኡ ኣለው

    ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ ቀጠር፡ ካብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት ንጥንቃቐ ብዝብል ነበርቲ የውጽእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

    ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ዘሎ ሓበሬታ፡ ዓቐን እቲ ስግኣት'ኳ እንተዘይተፈለጠ ቀጠር ትማሊ ለይትን ሎሚ ንጉሆ መጥቃዕቲታት ሚሳይል በጺሑዋ እዩ።

    ኢራን ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣመሪካ ዘአንግዳ ሃገራት ዒላማ ከም ዝዀና ድሕሪ ምግላጻ፡ ቀጠን ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ትወስድ ዘላ ትመስል።

    ነበርቲ ማእኸላይ ከተማ ዶሓ፡ ካብ ከባቢ ሙሼይርብ ብህጹጽ ክወጽኡ ከም ዘለዎም ዝሕብር ናይ ስልኪ መልእኽቲ በጺሑዎም ኣሎ።

    እቲ ኸባቢ፡ ቤት ጽሕፈት ጉግልን ኤክስፕረስን ዝርከበሉ እዩ።

    ኣካላት ጸጥታ፡ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ማይክሮሶፍት ከም ዝዋፈሩ'ዉን ተገሊጹ።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብወገኑ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ነበርቲ ሽዱሽተ ቀጽሪታት ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ካብ ዝርከቡሎም ከባቢታት ንገሊኡ ሸነኽ ገዲፎም ክወጽኡ ከም ዝገበሩ ጸብጺቡ።

    ብኻልእ ወገን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣመሪካ ሕጂ'ዉን ኣብ ስግኣት ይርከቡ።

    ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ'ሎ።

    ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ድማ፡ ኣድላዪ ዘይኰኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ዖማን ክወጽኡ ይገብር ኣሎ።

  4. ማዕከን ዜና ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ደሴት ኻርግ ዝበጽሐ ዕንወት የለን ኢሉ

    ትማሊ ብዓርቢ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ደሴት ኻርግ ኢራን ደብዳብ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።

    እቲ መጥቃዕቲ ንትሕተ ቕርጺ ነዳዲ ኢራን ዒላማ ከም ዘይገበረ'ዉን ሓቢሩ።

    ተንታንቲ ኣስታት 90% ካብ ሰደድ ነዳዲ ኢራን በታ ደሴት ከም ዝሓልፍ ይገልጹ።

    እታ ደሴት ድማ ንቑጠባ ቴህራን ኣገዳሲት እያ።

    ምስ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ምትእስሳር ዘለዎ ማዕከን ዜና ፋርስ፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብታ ደሴት ልዕሊ 15 ፍንጀራታት ከም ዝተሰምዐ ይገልጽ።

    እቲ መጥቃዕቲ ንመከላኸሊ ኣየር፣ መደበር ሓይሊ ባሕሪ፣ ግምቢ መቈጻጸሪ መዓርፎ ነፈርትን ሃንጋር ሄሊኮፕተርን ዒላማ ከም ዝገበረ እቲ ትካል ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓቢሩ።

    ኣብ ደሴት ካርግ ግን ኣብ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ዝዀነ ጉድኣት ከም ዘይበጽሐ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

  5. ማይ ኣብ ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ከም መሳርሒ ኲናት ውዒሉ ድዩ?

    እቲ ኲናት ብኸፊል ኣብ ዙርያ ነዳዲ ዘተኰረ ኰይኑ፡ እዚ ንነዊሕ እዋን ምስ ምትእትታው ምዕራባውያን ኣብቲ ዞባ ዝተኣሳሰር ሃብቲ እዩ።

    እዚ ኣብ ጐረባብቲ ወሽመጥ ዓረብ እናሰፍሐን እናሰሓበን ምስ ከደ ግን፡ ካልእ ተቓላዓይ ሃብቲ - ማይ - ማእከል እቲ ጐንጺ ኰይኑ ከም ዘሎ ገለ ተንተንቲ ይዛረቡ።

    ወሽመጥ ዓረብ ክልተ ሚእታዊት ጥራይ ካብ ተሓዳሲ ዓለማዊ ቀረብ ጽሩይ ማይ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ ምጽራይ ጨው መዓድናትን ይምርኰስ።

    ካብ 1950ታት ጀሚሩ ዕብየት ኢንዱስትሪ ነዳዲ ናብቲ ዞባ ጸቕጥታት ኣምጺኡ'ዩ።

    ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዕቑር ማይ ትሕተ-ምድሪ - ብንቡር ንመስኖ ዝውዕል - ማይ ስለ ዝወድአ፡ ንሕርሻን ምህርቲ መግብን ዝውዕል ማይ'ዉን ኣብቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ጨው ዝተኣልየ ማይ ይምርኰስ።

    እዚ ጽግዕተኛነት ድማ ስትራቴጂካዊ ተቓላዕነት መሰረተ ልምዓት ማይ የምጽእ፤ እዚ ድማ፡ ኣመሪካን ኢራንን ክምዝምዛኦ ፍቓደኛታት ዝዀና ይመስላ።

  6. ኢመራት ዓረብ፡ ምስልታት መጥቃዕቲ ሚሳይል ንዝስኣሉ ሰባት ኣሲራ

    ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ ናብታ ግዝኣት ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ከምክን ከሎ ዘርእዩ ምስልታት ዝስኣሉ 10 ሰባት ቀይዳ።

    ማዕከን ዜና ዩኤኤ ከም ዝገለጾ እንተዀይኑ፡ መጥቃዕትን ፍንጀራታትን ዘርእዩ ናይ ሓሶት ምስልታት ዝዘርግሑ ሰባት'ዉን ብተመሳሳሊ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

    እዞም ኣብ ቀይዲ ዝውዓሉ ውልቀሰባት፡ ትኽክለኛ ምስልታት እቲ መጥቃዕቲታትን ብሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝተመስርሑን ዝዘርግሑ እዮም።

    እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ እቶም ውልቀሰባት "ቅልጡፍ ፍትሒ፡" ክወሃቦም'ዩ ከም ዝተባህለ ይሕብር።

    ፖሊስ ኣቡዳቢ፡ 45 "ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡" ኣብታ ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ዘርእዩ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ብምስኣልን "ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕን፡" ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ'ዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ደሓ ወዲ 60 ዓመት ብሪጣኒያዊ ሚሳይላት ኢራን ኣብታ ከተማ ክውንጨፉ ከለው ዘርኢ ምስሊ ብምቕራጹ ብመሰረት ሕጊ ገበን ሳይበር ዱባይ ክሲ ተመስሪትሉ'ዩ።

    ብሕጊ ሳይበር ኢመራት ዓረብ፡ 21 ሰባት ክኽሰሱ ከለው፡ እዚ ድማ "ኣብ ቀረባ ምስ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብዝተሓሓዝ ብዝሰኣሉዎም ቪድዮታትን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዘጠቅዑዎ ሓበሬታን፡" ምዃኑ ተገሊጹ።

  7. ኣመሪካ፡ ንማእከል ሰደድ ነዳዲ ኢራን ኣጥቂዓ

    ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ እስራኤልን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝምልከት ዘለው እዋናዊ ምዕባለታት፡

    • ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ኣብ ደሴት ኻርግ ንዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደራዊ ዒላማ ኢራን "ምሉእ ብምሉእ ከም ዝደምሰሰቶ" ብምግላጽ፡ ንመሰረተ ልምዓት ነዳዲ ዒላማ ክገብር ከም ዝኽእል የጠንቅቕ
    • ከም ግብረ መልሲ፡ ቴህራን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ኢራን መጥቃዕቲ እንተበጺሑ፡ ትካላት ናይተን ምስ ኣመሪካ ዝተሓባበራ ዝውነን ትሕተ ቅርጺ ነዳድን ጸዓትን ክዓኑ ምዃኑ ኣጠንቂቓ
    • ኣስታት 90% ካብ ሰደድ ነዳዲ ኢራን ብደሴት ካርግ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ንቴህራን ወሳኒ መስመር ቁጠባዊ ህላውኣ እዩ
    • ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሚሳይል ከም ዝተሃርመ ሰበስልጣን ዒራቕ ገሊጾም
    • ቅድም ክብል ክልተ ሰበስልጣን ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ ኣሃዱ ባሕርን ተወሳኺ መራኽብ ውግእን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክትሰድድ ትጽቢት ይግበር ኢም። ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ጉጅለ ብጃፓን ዝመደበሩ ዩኤስኤስ ትሪፖሊ ክምራሕ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
  8. ትራምፕ፡ ኣብ ኣገዳሲት ደሴት ኢራን ዝርከብ "ነፍሲ ወከፍ ዒላማ" ከም ዝዓነወ ተዛሪቡ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ "ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝተፈጸሙ ኣዝዩ ዝዓበየ ደብዳብ ቦምባታት ዝዀነ እቲ ሓደ ፈጺሙ ኣሎ፡" ክብል ከቢድ ዕንወት ከም ዝበጽሐ ብሶሻል ትሩዝ ሓቢሩ።

    ማእኸላይ እዚ ኣመሪካ ኣካይዱዎ ኣብ ዝበሎ ከቢድ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ ንኢራን ኣገዳሲት ዝዀነት ኻርግ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደራዊ ዒላማ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝዓነወ እዩ ዝገልጽ።

    ኻርግ፡ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ ኢራን እያ ትርከብ። እዛ ንእሽቶ ደሴት "መስመር ነዳዲ ኢራን፡" ከም ዝዀነት ይእመን።

    ኣብታ ደሴት ሒደት ነበርቲ እኳ እንተሃለው፡ 90 ሚእታዊት ናብ ወጻእ ዝለኣኽ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኢራን በዛ ደሴት'ዩ ዝሓልፍ።

    ዓበይቲ መራኽብ ነዳዲ ናብታ ደሴ ትምስ ከዳ፡ ብወሽመጥ ፋርስ ከምኡ'ዉን ሆርሙዝ ገይረን ናብ ቻይናን ካልኦት ሃገተትን ይጉዓዛ።

    ናብታ ደሴት ዝወስድ መገዲ እንተተቛሪጹ፡ ቁጠባ ኢራን ብኸቢድ ክህሰ እዩ።

    "ኣብታ ደሴት ዘሎ ትሕተ ቕርጺ ነደዲ ንዘይምዕናው መሪጸ ኣለኹ። ግን ኢራን ወይ ካልእ ኣካል ብወሽመጥ ሆርዘዝ ዝሓልፋ መራኽብ ከተዓናቕፍ እንተፈቲኑ፡" ትሕተ ቕርጺ ነዳዲ ኢራን ዒላማ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ኢራን ዕጥቃ ከተውርድን ሰበ ስልጣን "ንሃገሮም ከድሕኑን፡" ኣለዎም ክብል'ዉን ትራምፕ ጽሒፉ።

    ትራምፕ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ነታ ደሴት ንምቁጽጻር ፍሉይ ሓይሊ ንምውፋር ውጥን ከም ዝነበሮ ኣክሲዮስ ጸብጺቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

  9. ሬሳ ብመጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝተቐትሉ 84 ኢራናውያን ባሕረኛታት ናብ ሃገሮም ይምለስ

    ሬሳ ናይቶም ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝተቐትሉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ናብ ሃገሮም ከምዝምለስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ስሪላንካ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓንቲ ኣብ ከባቢ ስሪላንካ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማያት ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ካብ ውስጠ-ማያዊት (ሳብማሪን) ኣመሪካ ብዝተተኮሰላ 'ቶርፐዶ' ተሃሪማ ከምዝጠሓለት ይዝከር።

    እታ ብ4 መጋቢት ዝጠሓለት 'ኣይሪስ ደና' ዝተባህለት መርከብ ኣስታት 130 ኣባላት ከምዝነበርዋ ይግመት።

    እቶም ብሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ካብ ሞት ዝደሓኑ 32 ኣባላታ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ምዃኖም ግን ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ'ሎ።

  10. ኣብ ኲናት ኢራን ትሳተፍ ዘላ ዓርሞሽ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙዋ?

    ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኲናት ኢራን ቅድሚ ምውልዑ ተወሰኽቲ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ወሽመጥ ተጸግዕ ምንባራ ይዝከር።

    ሓንቲ ካብአን እታ ሓያሎ ነፈርቲ ኲናት እትጽዕን ዓርሞሸሽ መርከብ ዩ-ኤስ-ኤስ ጀራልድ ፎርድ እያ።

    እዛ መርኣያ ሓይሊ ኣመሪካ ካብ ዝኾና መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ዝኾነት ተንቀሳቓሲት መዓርፎ ነፈርቲ፡ ኣብቲ ምስ ቴህራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተጸሚዳ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ግን፡ ኣብ ውሽጣ ባርዕ ሓዊ ከምዝተራእየ ይግለጽ ኣሎ።

    ነቲ ኲናት ብቐረባ ዝመርሖን ዝሳተፎን ዘሎ ኣብቲ ዞባ ዝዓስከረ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ከምዝበሎ እቲ ባርዕ ብተጻባኢ ወገን ዝተፈጥረ ኣይኮነን።

    ኣብ ትሕቲ ማእከላይ እዚ ዝጥርነፍ መበል 5ይ ጭፍራ ሓይልታት ባሕሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ብ12 መጋቢት ዩ-ኤስ-ኤስ ጀራልድ ፎርድ ካብ ናይ ሕጽቦ ቦታ ዝተበገሰ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዋ ነይሩ። ጠንቂ ናይቲ ሓዊ ምስ ውግእ ዝተተሓሓዘ ኣይኮነ፡ ኣብ ቀጽጽር'ውን ኣትዩ እዩ" ይብል።

    ክልተ ካብ ባሕረኛታታ ብዝወረዶም ጉድኣት ኣብ ሕክምና ይእለዩ ከምዘለዉን፡ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዝርከቡን'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    "ኣብ ኣንቃሳቓሲ ኣካል ናይታ መርከብ ዝበጽሐ ጉድኣት የለን፡ ስለዚ እታ ተሰካሚት ነፈርቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስራሕ ትርከብ"።

    መዘና ናይ ጀራልድ ፎርድ ዝኾነት ዩ-ኤስ-ኤስ ኣብራሃም ሊንከን'ውን ናብቲ ዞባ ብምውፋር ኣብ "ስርሒት ዘየዳግም ቁጠዐ" ትሳተፍ ምህላዋ ይፍለጥ።

    እታ ኣብ ባሕሪ ዓረብ እትርከብ ኣብቲ ኲናት ትሳተፍ ዘላ ካልኣይቲ ዓርሞሸሽ መርከብ፡ ብሚሳይላት ተሃሪማ ጥሒላ ዝብል ወረ ብወገን ኢራን ተናፊሱ ከምዝነበረን፡ ሓሶት ምዃኑን ካብታ መርከብ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።

    ኣመሪካ፡ ብቀዋምነት ዝተዋፈረ ገዚፍ ሓይሊ ኣብቲ ዞባ ጸኒሑዋ'ዩ።

    እዚ ሓይልታት ባሕሪ፡ ኣየር፡ ምድርን ማሪንን ዘጠቓለለ ሓይሊ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝሰፈረ እዩ።

    ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ዘንጸርጸረት ቴህራን ብወገና፡ ናብተን ሃገራት ሚኣይላትን ድሮናትን ብቐጻሊ ትድርቢ ኣላ።

    እቲ ደብዳባት ኣብታ ጥቓኣ ዘላ ኲዌት፡ ቀጺለን ዝርከባ ባሕሬን፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ከምኡ'ውን እታ ምስኣ ድሓን ዝምድና ኣለዋ ትብሃል ዖማን ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።

  11. ኩሎም ኣባላት ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኣመሪካ ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ

    ኣብታ ትማሊ ዝተሓምሸሸት ነዳዲ እትጽዕን ወተሃደራዊት ነፋሪት ሓይሊ ኣመሪካ ዝነበሩ ኣባላት ብምልኦም ከምዝተቐትሉ ሰራዊት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

    ማእከላይ እዚ ናይቲ ሰራዊት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ኣብረርቲ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ኣባላት ኣብቲ ፍጻመ ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

    ኣርባዕተ ካብኦም ከምዝሞቱ'ኳ ተፈሊጡ እንተነበረ፡ ሃለዋት ናይቶም ዝተረፉ ክልተ ኣይተረጋገጸን ነይሩ።

    እታ ነፋሪት ኣብቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናተሳተፈት እንከላ'ያ ኣብ ምዕራባዊ ዒራቕ ወዲቓ።

    ብተጻባኢ ወይ ናይ ወገን ግጭት ከምዘይተሓምሸሸት ዝገለጸ እቲ እዚ፡ ኣብቲ ፍጻመ ዝተሳተፈት ካልእ ነፋሪት ብሰላም ክትዓልብ ከምዝኸኣለት ሓቢሩ'ሎ።

    እታ ከይ-ሲ-135 ዝተባህለት ዓባይ ነፋሪት ንካልኦት ነፈርቲ ውግእ ኣብ ሰማይ እንከለዋ ነዳዲ ብምቕባል ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ሰማያት ክጸንሓ እተኽእል እያ። እንተኾነ ዛጊት ብዘይተነጸረ ኩነታት ክትወድቕ ተገዲዳ ኣላ።

  12. ኲባ ብዙሓት እሱራት ክትፈትሕ ምዃና ኣፍሊጣ

    ኲባ፡ 51 እሱራት ክትፈትሕ ከምዝወሰነት መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    እቲ መርኣያ "ሰናይ ድሌት" ምዃኑ ዝተገልጸ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ሃቫናን ቫቲካንን ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ'ዩ ተወሲኑ ዘሎ።

    እሱራት ፖለቲካ ዝርከብዎም ምዃኖም'ኳ ዛጊት እንተዘይተረጋገጸ "ዝበዝሐ ካብቲ ዝተበየነሎም ማእሰርቲ ዝዛዘሙን ኣብ ማእሰርቲ ጽቡቕ ስነምግባር ዘርኣዩን" ምዃኖም መግለጺ መንግስቲ የመልክት።

    ኲባ ብዙሓት እሱራት ፖለቲካ ዘለዋ ሃገር ምዃና ተሓለቕቲ መሰላት ክጉስጉስሉ ዝጸንሑ ጉዳይ እዩ።

    ምፍታሕ ናይቶም እሱራት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኲባን ኣመሪካን ልዝብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። ነቲ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ሃቫናን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ዘረጋገጸ ፕረዚደንት እታ ደሴት ሚገል ዲያዝ-ካነል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ነዳዲ ፈጺሙ ናብታ ሃገር ከምዘይኣተወ ሓቢሩ።

    ቀንዲ ምንጪ ነዳዲ ኲባ እታ በቲ ብወተሃደራዊ ስርሒት ኣመሪካ ዝተወስደ ኒኮላስ ማዱሮን ቅድሚኡ ዝነበረ ሂዩጎ ቻቨዝን ትምራሕ ዝነበረት ቨነዙዌላ እያ ነይራ። ቅድሚን ድሕሪን እቲ ስርሒት ኣመሪካ ብዘንበረቶ እገዳ ግን ሃቫና ግዳይ ዓቢ ስእነት ነዳዲ ኮይና ትርከብ።

    ኲባ'ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ከምዝገጥማ ከፈራርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እታ "ኣብ ዓሚቚ ጸገም" ኣላ ዝበላ ደሴት "ንምሕዝነታዊ ጐበጣ" ቅርብቲ ክትከውን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ተማሕጺኑ ነይሩ።

    ካርካስ መዓልታዊ 35,000 በርሚል ነዳዲ ናብ ኲባ ትሰድድ ምንባራ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣምሳያ ናይዚ ድማ ሃቫና ጸጥታዊን ወተሃደራዊን ደገፍ ትህባ ነይራ።

  13. ፐንታጐን፡ እዋናዊ መብርሂ መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ

    ሓይልታት ኣየር፡ ጸረ-ኣየር፡ ባሕርን ኢራን ፍጹም ከምዝተደምሰሰ ጸሓፊ (ሚኒስተር) ኲናት ኣመሪካ ገሊጹ።

    ፒት ሄግሰት ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መጠን ሚሳይላት ኢራን ብ90% ከምዝነከየን፡ ንመጥቃዕቲ ተወንጪፈን ዘይምለሳ ድሮናት ድማ ብ95% ከምዝጐደላ ጠቒሱ።

    "ኢራን ሓይሊ ኣየራ ጥራይ ኣይኮነን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ፡ ሓይሊ ባሕራ'ውን ብምልኡ ኣብ ከርሲ ወሽመጥ ፋርስ ጥሒሉ ኣሎ" ዝበለ እቲ ጸሓፊ ኲናት "ሓይሊ ሚሳይላታ'ውን መዓልታዊ ይጭበጥ'ዩ ዘሎ" ክብል ተዛሪቡ።

    ሓድሽ ኣያቶላህ ሙጅታባ ኻመኒ ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ከምዝቖሰለ'ውን ሄግሰት ጠቒሱ።

    ሎሚ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድዎ ደብዳባት "ዝለዓለ" ምዃኑ እቲ ኣመሪካዊ ብዓልስልጣን ኣፍሊጡ'ሎ።

    ነቶም ምስታ ትማሊ ዝተሓምሸሸት ነዳዲ እትመልእ ዓባይ ነፋሪት ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ "ኩሎም ጀጋኑ እዮም" ክብል ገሊጽዎም።

    ኣብቲ ኣብ ፐንታጎን (ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ኲናት) ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መብርሂ ዝተረኽበ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ብወገኑ፡ ነቶም ምስታ ነፋሪት ዝተቐትሉ ወተሃደራት ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ'ሎ።

    ኣቦመንበር ሓለቓታት-ስታፍ ሓይልታት ኣመሪካ ዝኾነ ጀነራል ዳን ኬን፡ ሰራዊቱ ጥራይ ልዕሊ 6000 ዒላማታት ኢራን ከምዘጥቅዐ ተዛሪቡ።

    ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ድማ "እቲ ዝጸዓቐ" ከምዝኸውን እቲ ኣዛዚ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

    ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዋጋታት ነዳዲን ምስኡ ዝተኣሳሰር ቀረባትን እናነሃረ ብምምጽኡ ዝተላዕለ ህዝባዊ ጸቕጢ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን'ዮም እቶም መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ዓወታቶም ንምጉላሕ ዝፍትኑ ዘለዉ።

  14. ኣብታ ዝወደቐት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ካብ ዝነበሩ እቶም ኣርባዕተ ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ

    ኣብታ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ዝወደቐት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ካብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣባላት ሓይሊ ኣየር እቶም ኣርባዕተ ከም ዝሞቱ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

    መንነት ናይቶም ዝሞቱ ግን መቕርቦም ክሳብ ዝርድኡ ንዝመጽእ 24 ሰዓታት ከም ዘይግለጽ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ሎሚ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ጥንቂ ምውዳቕ እታ ነፋሪት የጻርዮ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ተሃሪማ ከም ዘይወደቐት ግን ገሊጹ።

  15. ትራምፕ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ተሃሪሙ’ዩ ግን ብህይወት ክህሉ ይኽእል’ዩ ኢሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓዲሽ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ “ተሃሪሙ’ዩ፡ ብህይወት ግን ክህሉ ይኽእል’ዩ፡” ኢሉ።

    ማጅታባ ኻመኒ ነቲ ኣብ ገዛኡ ብደብዳብ ዝተቐተለ ኣቡኡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ ተኪኡ ናብ ሰልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ትማሊ ንመጀመርታ ግዜ ብተለቪዥን ሃገሩ መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፉ’ዩ ትራምፕ ነዚ ዝበለ።

    ሮይተርስ ንሓደ ሽሙ ዘይጠቐሶ ብዓል መዚ ኢራን ከም ምንጪ ብምጥቓም፡ ሞጅታባ በቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብልፍንቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጽመኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ መጠናዊ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞ ገሊጹ ነይሩ።ዝተዋህበ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ግን የለን።

    ትራምፕ ምስ ፎክስ ኒውስ ቃለ መሕተት ኣካይዱ።

    ሎሚ ኣብ ዝተቓለሐ ድምጺ፡ ሞጅታባ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻው ከም ዝቅጽሎ ምሕባሩ ኣብ ዝምልከት’ውን ካብ ጋዜጠኛ ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።

    ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻው፡ ኣብ ልዕሊ በታ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ ከተጥቕዕ ካብ እትጅምር መዓልታት ኣቁጺራ ኣላ።

    ብሰንኪ እዚ ከኣ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ 100 ዶላርን ልዕሊኡን በጺሑ ኣሎ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ዓለምና ካብ እተህልኾ ነዳዲ እቲ ሓደ ሕምሲት ዝሓልፈሉ መስመር’ዩ።

    ትራምፕ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ “ብዙሕ’ዮም ዝዛረቡ፡ ንሱ’ውን ከምኡ’ዩ ዝዛረብ ዘሎ፡ ነህልቘም ኢና ዘለና። ድሕሪ ካልኣይ ዓለም ከምዚ ሕጂ ገይርና ንቅጥቕጦም ዘለና ዓይነት ዝተሃረመት ሃገር የላን፡” ኢሉ።

  16. ዖማን፡ ምስ ኢራን ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ካብ ደብዳብ ኢራን ኣየድሓናን

    ኣቐድም ኣቢልና ኣብ ዖማን ክልተ ዜጋታት ወጻኢ ብደብዳብ ድሮን ኢራን ከም ዝተቐተሉ ሓቢርና ኣለና።

    ዖማን ሓንቲ ካብተን ምስ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዝውንና ሃገር’ያ።

    ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ክሳብ ዝጅመር ከኣ ምስ ኢራንን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ጽቡቕ ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት’ዩ ጸኒሕዋ።

    መንግስቲ ዖማን ነቲ ኢራን ምስ ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ዘለዎ ፍሕፍሕ ንምፍታሕ ከም ሞንጎኛ ኰይኑ ክዋሳእ ጸኒሑ’ዩ።

    ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ግን ድሮናት ኢራን ኣብ ልዕሊ ሓደ መኽዘን ነዳዲ ዖማን ብዝፈጸመኦ መጥቃዕቲ፡ ዖማን ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ሰዓታት ወሲዱላ።

    ኢራን፡ ድሕሪ ሞት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንሞጅታባ ኻመኒ ሓዲሽ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒኣ ገይራ ምስ መረጸቶ፡ ዖማን ኣብ ናብ ሞጅታባ ኣብ ዝልኣኸቶ ደብዳባ፡ ዖማን ሕጂ’ውን ምስ ኢራን ምሕዝነት ክህልዋ ከም እትደሊ ገሊጻ።

    እዚ ግን ንኢራን ልባ ኣየረስረሳን፤ ክንዲ ብቃል ከኣ ንዖማን ብዳርባ ድሮን መልሲ ሂባታ።

    ኣብ ዱባይ’ውን ሎሚ ረፋድ ሓንቲ ድሮና ኢራን ኣብ ሰማይ እንከላ ተሃሪማ፡ ስብርባራ ከኣ ኣብ ሓደ ህንጻ ዓሊቡ፡ ኣብ ሰብ ግን ዝወረደ ጉድኣት የለን።

    ዱባይ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ 48 ሰዓታት ዝዀነ ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝሰዓበ ሞት ኣየጋጠማን።

    እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ግን ኣብ መላእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብመጥቃዕቲ ኢራን ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 130 ሰባት ፎኲስን ከቢድን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም።

  17. ኣብ ዖማን ክልተ ሰባት ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተቐቲሎም

    ኣብ ዖማን፡ ሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተሃሪማ ብምውዳቓ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

    እታ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ሶሃር ኣብ ዝርከብ ማእከል ኢንዳስትሪ ከባቢ ኣል-ኣዋሂ ብምውዳቓ ክልተ ዜጋታት ወጻእ ከም ዝሞቱን ካልኦት ሓያሎ ከም ዝቘሰሉን ሓደ ምንጪ ጸጥታ ንኣገልግሎት ዜና ዖማን ሓቢሩ።

    እታ ካልአይቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እውን ኣብ ሶሃር ኣብ ክፉት ቦታ ተሓምሺሻ፤ ዝዀነ ዝበጽሐ መጉዳእቲ ከም ዘየለ ኸኣ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    ሰበስልጣን ዖማን ንኽልቲኡ ጉዳያት ይምርምሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

  18. ክሳብ ሕጂ ዘሎ ምዕባለታት ኣሕጽር ኣቢልና ክንሕብረኩም

    • ሓንቲ ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ውግእ ምስ ካልእ ነፋሪት ብዘጋጠማ ሓደጋ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ከም ዝወደቐት ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ይካየድ ምህላዉ’ውን ሰብ መዚ ኣመሪካ ኣፍሊጦም
    • ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማነኤል ማክሮን፡ ሓደ ፈረንሳዊ ወተሃደር ኣብ ኢራቕ ዞባ ኢርቢል ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዝተቐተለን ካልኦት ሓያለ ፎኵስን ከቢድን መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ገሊጹ። ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ካብ ዝጀመር ኣብቲ ዞባ ፈረንሳዊ ወተሃደር ክቅተል እዚ ናይ ፈለማ’ዩ
    • እስራኤል ኣብ ልዕሊ ታህራን ሓዲሽ ከቢድ ማዕበላዊ ደብዳብ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዝውግሐ ለይቲ’ውን ኣብ ደቡብ ሊባኖስን በይሩትን ኣብ ልዕሊ መአዘዚ ነቑጣታት ሕዝቦላህ ደብዳብ ምፍጻማ ገሊጻ
    • ሓዲሽ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምልኳት ከም እትቅጽሎ ንፈለማ እዋን ኣብ ተለቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። ሞጅታባ ኣቡኡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ካብ ዝቐተል ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣይተራኣየን ዘሎ፡ ጥዕንኡ ጽቡቕ ከም ዘየሎ’ውን ጽንጽንታታት ኣሎ
    • ሞጅታባ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እተን መዓስከራት ኣመሪካ ዘለወን ጎረባብቱ ሃገራት መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም ኣጠንቂቑ
    • ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሄሊ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ኣብ ኢራቕ ዘሎ መደበራ ብምዃን ክልተ ድሮናት ኢራን ከም ዘውደቐት ኣፍሊጡ
  19. ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዕርግርግር ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን።

    እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።

    እዘን 'ካሚካዘ' ዝበሃላ ድሮናት፡ ኣብ ኣፍንጫአን ዝሕዝኦ ቦምባ፡ ምስ ዒላማአን ክጋጨዋ ከለዋ፡ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ይኽእል። እዘን ድሮናት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ብዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ፡ ሽዱሽተ ወተሃደራት ተቐቲሎም።

  20. ኣመሪካ፡ ሃገራት ንግዜኡ ካብ ሩስያ ነዳዲ ክሽምታ ኣፍቒዳ

    ኣመሪካ፡ ሃገራት ንግዜኡ ካብታ እገዳ ኣንቢራትላ ዝጸንሓት ሩስያ ነዳዲ ክሽምታ ኣፍቒዳ።

    ጸሓፊ ቤት ግምጃ ኣመሪካ ስኮት በሰንት፡ እቲ ውሳነ ነቲ ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ንምቅላል፡ ሃገራት ክሳብ 11 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ሩስያ ነዳዲ ክሽምታ ከም ዝኽእላ ሓቢሩ።

    ስኮት በሰንት “እዚ ካብተን ድሮ ካብ ሩስያ ነዳዲ ጽዒነን ዘለዋ መራኽብ ክዕድጋ ከም ዝኽእላ’ዩ ተፈቒዱ ኣሎ፡ ንመንግስቲ ሩስያ ከኣ ብፋይናንስያዊ መዳይ ክንድቲ ዘርብሕ ኣይኮነን” ኢሉ።

    ትማሊ ሓሙስ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር’ዩ ውዒሊ፡ እዚ ከኣ ድሕሪ ምጅማር ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻዋ ዝሰዓበ’ዩ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ሰሜን ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ደቡብ ካብ ኢራን ዝርከብ ጸቢብ መተሓላለፊ መስመር ኰይኑ፡ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ነዳድን ካልእን ዝጸዓና መራኽብ በዚ መስመር እዚ’የን ዝሓልፋ።

    ሓደ ሕምሲት ካብቲ ዓለምና ትጥቐመሉ ነዳዲ ኸኣ በዚ መጻብቦ’ዩ ዝሓልፍ።

    ኢራን ነዚ መጻብቦ ብምዕጻው ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም እትፍጽም ምስ ሓበረትን ከተጥቕዕ ምስ ጀመረትን ከኣ ዋጋ ነዳዲ ብቅጽበት ክውስኽ ጀሚሩ።

    ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ፡ ነተን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓለፍ መራኽብ ከለላ ሂባ ከተሕልፈን ምዃና’ኳ ሓቢራ እንተነበረት ኣብ ባይታ ግን ክትግበር ኣይከኣለን ዘሎ።

    እታ ካብ 2022 ጀሚራ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኵናት ምጅማራ ነዳዲ ከይትሸይጥ እገዳ ተነቢርዋ ዝጸንሐ ሩስያ ከኣ ዝተነብረላ ልጓም ክፍትሓላ ዝጀመረ ይመስል።