ኢራን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መደበር ጋዝ ዒላማ መጥቃዕቲ ኮይኑ
ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ባህርያዊ ጋዝ 'ሳውዝ ፓርስ' (ደቡብ ፓርስ) ዒላማ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ታስኒም ሓቢሩ።
ብሰንኪ'ቲ ደብዳብ ኣብቲ ትካል ባርዕ ሓዊ ከምዝተወልዐ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ናብቲ ቦታ ከምዝተላእኩ ሓውሲ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ፋርስ ገሊጹ።
እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሎሚ ንጉሆ ከምዝተፈጸመ'ውን ታስኒም ጠቒሱ'ሎ።
እቲ መደበር ቐጠርን ኢራንን ዝጥቀማሉ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ኢራን መጥቃዕቲ ምክያድ "ሓደገኛን ሓላፍነት ዝጎደሎን እዩ" ክትብል ዶሓ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ነቒፋ'ላ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጂድ ኣል ኣንሳሪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ደብዳባት ምፍጻም "ንውሕስነት ጸዓት ዓለም ኣብ ስግኣት ዘውድቕ" ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
"ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ጸቒጥና ከምዝበልናዮ፡ ንወሰንቲ ትካላት ዒላማ ካብ ምግባር ምያብ ኣገዳሲ እዩ"።
"ኩሎም ወገናት" ንዓለምለኻዊ ሕጊ ከኽብሩን ነቲ ረጽሚ ንምህዳእ ክሰርሑ'ውን ቐጠር ተማሕጺና ኣላ።
እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ'ያ ዶሓ ከሲሳ ዘላ። ብወገን እስራኤል ግን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።