ኢራን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያ ነዳዲ ራስ ላፋን ቀጠር ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ርኡይ ጉድኣት ኣውሪዱ ኣሎ።
ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር፡ ቀጠር ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዓቕሚ ሰደድ ዝተጻረየ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ቀጠር ብ17% ክጐድል ምዃኑን፡ እዚ ድማ እታ ሃገር ዓመታዊ 20 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክትስእን ከም ዝገብራን ገሊጹ።
እቲ ዝተጻረየ ጋዝ፡ 'ባቡር' ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዓቢ ኢንዱስትርያዊ ኣሃዱ ብምጥቃም ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ናብ ኣዝዩ ትሑት ሙቐት ብምዝሓል እዩ ዝሪ።
እቲ ሚኒስተር፡ መጥቃዕቲ ኢራን ካብ 14 ባቡራት እቲ ትካል ክልተ ከም ዝሃሰየ ይገልጽ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ ራስ ላፋን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ብረቡዕ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ንሰሜን ርሒቑ ዝርከብ መፍረዪ ጋዝ ደቡብ ፓርስ ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝሃበቶ ምላሽ እዩ።
"ናይ ሓሙሽተ ዓመት ጽገና ጥራይ ኣይኰነን ዝጽበየና" ክብል ሓላፊ ንግዳዊ ርክባት ኣብ ሲንጋፖር ዝመደበሩ ሓበሬታታት ዕዳጋ ጽሩይ ነዳዲ ዝህብ ሃይሳይትስ ዝተባህለ ትካል ዝዀነ ሓላፊ ሲኣራን ሮይ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ምሉእ ዳግመ ህንጸት፡" ከም ዝጠልብ ሓቢሩ።
ኣብ ኤስያ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ድማ ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያ፣ ህንዲን ቻይናን ካብዚ ትካል ካብ ዝረኽብኦ ጋዝ ዝምርኰሳ እየን።
ኣብ ኤውሮጳ፡ ኢጣልያን ቤልጅየምን ድሮ ዓበይቲ ዓማዊል እየ። ኤውሮጳ ብሓፈሻ ድሕሪ ኲናት ዩክረይን ካብ ሩስያ ኣእትዎት ነዳዲ ስለ ዝተገደበ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝመጽእ ጋዝ ጽግዕተኛ ኰይና ትርከብ።
ቀጠር ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ካብተን ኣብ ዕዳጋ ጋዝ ዓለም መሪሕ ተራ ዘለወን እያ።
"ንዓመታት እንተዘይኰይኑ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ዕዳጋ ፍርሒ ክሰፍን እዩ፡" ክሰፍር ይኽእል'ዩ ይብል ሮ።
"እዚ መንግስታት ዝተረየ ጋዝ ኣታዊ ኣብ ምግባር ዝጸንሖም ኣተሓሳስባ ክቕይር'ዩ፡"።
እዚ ጋዝ፡ ሰባት ገዛውቲ ንምውዓይን መግቢ ንምብሳልን ክጥቀምሉ እንከለው፡ ንመራኽብን ፋብሪካታትን ሓይሊ ንምሃብ ዘድሊ ወሳኒ ምንጪ ጸዓት እዩ።
መግቢ ንምዕባይ ድኹዒ ንምስራሕ እውን የድሊ።