እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

መጥቃዕቲ ኢራን ይገድድ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ይነድድ፡ ትራምፕ ተስፋን መጠንቀቕታን ይሰድድ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኢራን ብወገና መጥቃዕትታታ ቀጺላቶ'ላ፡ መጻረዪ ነዳዲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ይንገር ኣሎ። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣመሪካ ኣብ ኢራን ክንድ’ቲ ዝድለ ራሕቒ ክትከይድ ምዃና ሓቢራ

    ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሄዝ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኵናት ኢራን “ክሳብ እቲ ንኽንዕወት ዘድልየና ርሕቐት ክንከይድ ኢና” ኢሉ።

    እዚ ሓላፊ ምስ መላፍንቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ “ንጸላኢኻ ኣይትነግሮን ኢኻ፡ ወይ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ 'እዚ ክገብር' እየ ኢልካ ኣይዝረብን’ዩ፡ ኣብዚ ስርሒት ዝህልወካ ሕጽረታት ንዝዀነ ኣካል ኣይንገርን’ዩ” ኢሉ።

    ፔት፡ ኣመሪካ “ንኽትዕወት’ያ ትዋጋእ ዘላ” ድሕሪ ምባል፡ ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ኢራን ኢዳ ትህበሉ ግዜ ክውስኖ’ዩ ኢሉ።

    ብምስዓብ “ንሶም [ኢራናውያን] ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ፡ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ከምዘይህልዎም ገይርናዮም ኢና፡ ኢዶም ክህቡ’ዮም” ኢሉ።

    "ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከምዘየሎ ኢና ገይርናዮ፡ ገና’ውን ከነዕንዎ ኢና፡ እዚ ከኣ እቲ መጀመርታ ጥራይ’ዩ” ኢሉ

  2. ብሰንኪ ኲናት ኢራን: ዋጋ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ልዕሊ 110 ዶላር በጺሑ

    ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ልዕሊ 110 ዶላር ክበፅሕ እንከሎ፡ ዕዳጋታት ብርኪ ድማ ወሪዱ ተባሂሉ።

    ብሰንኪ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝግበር ምትሕልላፍ ንግዲ ክዕንቀፍ ከምዝኽእል ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።

    ኢራን ትማሊ ሰንበት ንሞጅታባ ካሜነይ ንኣቡኡ ዓሊ ካሜነይ ተኪኡ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ክኸውን ድሕሪ ምሻማ፡ ሕዚ'ውን እቲ 'ኣኽራሪ ዝበሃል ሓይሊ፡ ኣብ ምቍፅፃር ስልጣን ከመዘሎ ዘመልክት እዩ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ መላእ ኢራን ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዘካየዳ ዀይነን፡ ንመኽዘናት ነዳዲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዒላማታት ወቒዐን።

    ካብቲ ዞባ ዝነቐለ ዓቢ ምዝንባዕ ቀረብ ነዳዲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተጠቀምትን ትካላት ንግድን ዋጋታት ከይውስኽ ስግኣት ኣሎ።

    ኣስታትሓደ ሕምሲት ናይቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ቀረብ ነዳዲ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢሉ እዩ ዝመሓላለፍ።

    ቅድሚሓደ ሰሙን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ግን፡ በቲ መፃብቦ ዝግበር ንግዳዊ መንቅስቓስ ዳርጋ ደው ኢሉ ኣሎ።

    ገለተንተንቲ፡ ናይዚ መጻብቦ ምዕጻው፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት እንተቐፂሉ፡ ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ክሳብልዕሊ 150 ዶላር ንሓደ በርሚል ክበፅሕ ከምዝኽእል ይግምቱ።

  3. መራሕቲ ሃይማኖት ኢራን ኣብ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም፤ ቴህራን ብጸሊም ትኪ ተሸፊና

    ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ናብ ካልኣይ ሰሙኑ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።

    መራሕቲ ሃይማኖት ኢራን፡ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኣብ ምምራጽ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም - እንተኾነ ቅድሚ እቲ ስምምስ ገለ "ዕንቅፋታት" ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

    እስራኤል ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብመጥቃዕቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ዝተቐትለ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜኒ "ዝትክእ" ዕላማ ክትገብሮ ምዃና'ውን ኣፈራሪሓ ኣላ።

    እስራኤል ኣብ ከተማ ቴህራን ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ዒላማ ብምግባራ፡ እታ ከተማ ብጸሊም ትኪ ተሸፊና ትርከብ። ነበርቲ "ጸሓይ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኣ" ይብሉ።

    መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኢራን ኣብ ልዑል ህንጻ ህዝባዊ ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ኩዌት ብምውቃዑ ዓቢ ባርዕ ኣስዒቡ - ሰብመዚ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተውዎ ይገልጹ።

    መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብናህሪ ይቕጽል ኣሎ - ብመሰረት ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እስራኤል ብዝተፈጸመ ደብዳብ 394 ሰባት ተቐቲሎም።

  4. እስራኤል፡ ሬሳ ናይ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተቐትለ ወተሃደራ ንምርካብ ዝዓለመ ስርሒት, ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም

    እስራኤል፡ ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ተካይዶ ዘላ ናይ ምድርን ኣየርን ኲናት፡ ኣብ ሊባኖስ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ ኣብ ምብራቓዊ ወሽመጥ ቤካ፡ ብሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ለይቲ ስርሒት ብውሕዱ 41 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 40 ድማ ቆሲሎም ተባሂሉ።

    ሰለስተ ወተሃደራት ሊባኖስ ካብቶም ዝሞቱ ክኾኑ እንከለዉ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ህጻናት ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።

    እቲ ኣብ ናቢ ቺት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ ሊባኖስ ዝጠፍአ ኣባል ሓይሊ ኣየር እስራኤል ሬሳ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።

  5. ኤምባሲ ኣመሪካ-ኣብ ኦስሎ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀሞ ፖሊስ ሓቢሩ

    ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣጋ ወጋሕታ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ከምዝተሃርመ ፖሊስ ኖርወይ ሓቢሩ።

    "ፖሊስ ምስቲ ኤምባሲ ኣብ ዝርርብ ይርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበፅሐ መጉዳእቲ ከምዘየለ ነረጋግፅ" ይብል እቲ መግለጺ።

    ወሲኹ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ "ብልክዕ እንታይ ከም ዘጋጠመ ወይ መን ፈፂሙዎ ክኸውን ከምዝኽእል ዛጊድ ዝኾነ ሓበሬታ የለን" ኢሉ።

    እቲ ካብታ ከተማ ንእሽቶ ውፅእ ኢሉ ዝርከብ ኤምባሲ፡ ቀሊል ጉድኣት ከምዝበጽሖ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ይሕብሩ።

    ሰራሕተኛታት እቲ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ዛጊድ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃቡን።

  6. ዒላማ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳየልን ዝዀኑ ህንፃታትን ማእከላት ነዳድን, ብስእሊ

    ኣብ ከተማ ኩዌት ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ዝዀነ ዓቢ ህንፃ ብሰንኪ ዝበፅሖ መጥቃዕቲ እንትባረዕ፡ ኣብ ቴህራን ድማ ሓደ ዓብይ ማእከል ነዳዲ ዒላማ ዀይኑ ሓዲሩ።

    እቲ ብቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት ዝውነን መንግስታዊ ህንፃ ኩዌት፡ ክበራዕ ዝሓደረ ዀይኑ፡ ሕዚ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተወ ይመስል።

    እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝገለፆ፡ እቲ ብንውሓቱን ግዝፈቱን ዝፍለጥ ህንፃ፡ ዒላማ ከምዝተገብረን፡ "ንዋታዊ ዕንወት ከም ዝበፅሖን" ምፍላጥ ተኻኢሉ።

    ብዛዕባ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳላትን ዝተፈፀሙ መጥቃዕታት፡ ገለ ሓበሬታ ዝሓዙ ምስልታት ሒዝናልኩም መፂእና ኣለና።

  7. ሓደሽቲ ምዕባለታት ኲናት ማእከላይ ምብራቕ, እስራኤል፣ ኢራን፣ ኩዌትን ኣመሪካን እንግሊዝን

    ኢራን

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ቴህራን ዝርከቡ መኽዘናት ነዳዲ ኣብ ሓደ ለይቲ ድሕሪ ምውቃዖም፡ ንመሰረተ ልምዓት ኢራን ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ይገልጽ።

    ኩዌት፡

    ሰራዊት ኩዌት፡ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት፡ ኣብ ልዕሊ ታንከራት ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓዊሱ፡ "ማዕበል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ" ፀላእቲ ንምፍሻል ይቃለስ ከምዘሎ ይገልጽ።

    ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ፡ ስብርባር ዝተዓግተ ኣፅዋር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መኪና ብምውዳቑ፡ ሓደ ነባሪ ዱባይ ከምዝሞተ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ዱባይ ሓቢሩ።

    እስራኤል፡

    ኣብ እስራኤል ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ያየር ላፒድ፡ ቁጠባ መንግስቲ ኢራን ንምድኻም፡ "ኩሉ ዕደና ነዳዲ ኢራን ክዓኑ" ተማሕጺኑ።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ካብ ኢራን ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ንምዕጋት ይሰርሕ ከምዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ክንፊ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝኾነ፡ ሓይሊ ቁድስ [ኣብ ሊባኖስ] መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓቢሩ።

    ሊባኖስ፡

    ሰበስልጣን ሊባኖስ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዙሕ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣፍለጦም። ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆቴል ዝተፈፀመ ዀይኑ፡ ኣርባዕተ ሰባት ቀቲሉ። ክሳብ ሕጂ በቲ ጐንፂ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሮም።

    ኣመሪካ-እንግሊዝ

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ደጊም ምስ ተዓወትና ናብ ውግኣት ዝጽንበሩ ሰባት ኣየድልዩናን’ዮም” ክብል፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመር ነቚፍዎ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ዓባይ ብሪጣንያ - 'ኤችኤምኤስ ፕሪንስ ኦፍ ዌልስ' - ንወፍሪ ተዳልያ ከምዘላ ምስ ተሓበረ እዩ።

    ካልኦት ተዛመድቲ ምዕባለታት እዚ መዓልቲ ክነስዕበልኩም ኢና፡ ሰናይ ሰንበት!

  8. ትራምፕ ኣብ ምምራጽ ሓድሽ መራሒ ኢራን ኢዱ ከእቱ ይደሊ፡ ቴህራንከ ትሰማማዕዶ?

    እቲ ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ኣብ ኢራን ዘለዎ መደባት ናብ ግምታት ዘውድቖም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድሌቱ ይዛረብ ኣሎ።

    እቲ ፕረዚደንት፡ ንመንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒንን ሓያሎ ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝትን ምስ ተቐትሉ፡ ንኢራን መን ክመርሓ ከም ዝደሊ ኣብ ምግላጽ ይርከብ።

    እዞም ክልተ ዘይተኣማመኑ ኣካላት ክልተኦም ዝሰማምዕሉ ሕርያ ክኽሰት ንምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ።

    ብዙሓት ካብ ደገፍቲ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ክሑን ጽልኢ ኣሎ - “ዓባይ ሰይጣን” ክብሉ ድማ ይጸርሑዋ።

    መሪሕነት ኢራን ምስ ዋሽንግተን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክሰርሕ ዝኽእል ዝበሎ መንፈሳዊ መራሒ ክመርጽ ድዩ ንጹር ኣይኰነን።

    ኣብ ኢራን፡ ኣብ መንጎ ጽገናውያን፡ ክውንነታውያን (ፕራግማቲስትስ)ን ኣኽረርትን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ፍልልያት ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ ኵሎም፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖም ስርዓት ክቕጽል ይደልዩ።

    ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቶም ኣስታት 88 ዝዀኑ ንላዕለዋይ መራሒ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዝመርጹ ኣካላት፡ ኣብ ክንዲ ሓደ ሰብ ብብዙሓት ዝጓሰ ባይቶ መሪሕነት ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።

    እስራኤል መራሒ ኰይኑ ዝቕልቀል ዒላማ ከም ዝኸውን ብምግላጻ፡ ንኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝትክእ ክርቋሕ ድዩ ዝተፈልጠ የሎን። ብዛዕባ’ዚ ተኣፋፊ ጉዳይ ብግልጺ ዝዛረብ ዘሎ ትራምፕ ጥራሕ እዩ፣ “ብዙሓት ኣብ ሓሳብና ዝነበሩ መይቶም እዮም፡” ኢሉ።

  9. ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ከካይዶ ዝጸንሐ ‘ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት’ ከም ዝዛዘመ ገሊጹ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ናብ ትሕተ-ቕርጺ ስርዓት ኢራን ዒላማ ዝገበረ ተወሳኺ “ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት” ከም ዝዛዘመ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ስርሒት፡ ልዕሊ 80 ነፍርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ከም ዝተሳተፋ ገሊጹ።

    ከም ኣካል ናይቲ መጥቃዕቲታት፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንቐንዲ ወተሃደራዊ ዩኒቨርሲቲ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን መኮንናት ዝምልመልሉን ዩኒቨርሲቲ ኢማም ሑሴን ዘጠቓለለ ኣብ ልዕሊ "ሓያሎ ወተሃደራዊ ቦታታት” መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ኣብሪሁ።

    ብተወሳኺ፡ “መኽዘን ኣሃዱ ሚሳይል ኢራን” ከምኡ’ውን “ኣማኢት ኣባላት እቲ ስርዓት ዝዓዪሉ ዝነበሩ” ባሊስቲክ ሚሳይል ዝርከበሉ ኣብ ትሕቲ-መሬት ዝርከብ ቦታ ከም ዘጥቅዐ ይገልጽ።

  10. መንገዲ ኣየር ኢማራትስ ካብን ናብን ዱባይ ዝግበሩ ኵሎም በረራታት ደው ኣቢሉ

    መንገዲ ኣየር ኢማራትስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ተወሳኺ ምልክታ ክሳዕ ዝወሃብ ካብን ናብን ዱባይ ዝካየዱ ኵሎም በረራታት ደው ከም ዝበሉ ገሊጹ።

    "በጃኹም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣይትኺዱ፡" ክብል’ውን ተማሕጺኑ።

    እቲ መንገዲ ኣየር፡ ሓድሽ ሓበሬታ እንተ’ልዩ ክሕብር ምዃኑ፣ “ድሕነት ተጓዓዝትናን ሰራሕተኛታትናን ዝለዓለ ቀዳምነትና ምዃኑን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን፡” ክብል ኣስፊሩ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ቐጠር ኲናት ካብ ዝጅምር ንፈለማ ግዜ ካብ ዶሓ ዝነቅል በረራ ኣካዪዱ።

    ድሕሪ እታ ናብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝበረረት ቀዳመይቲ ነፋሪት፡ ሎሚ ናብ ፓሪስ፡ ማድሪድ፡ ሮማን ፍራንክፈርትን በረራታት ክካየድ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

    ንኣረጋውያን፡ ሰብ-ሓዳርን ከም ሕክምና ዝኣመሰለ ህጹጽ ኵነታት ዘለዎን ቀዳምነት ከም ዝህብ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።

  11. ቴህራን፡ ተቐማጦ ንኻልኣይ መዓልቲ ‘ተካል ለይቲ’ ከም ዝሓደሩ ገሊጾም

    "እቲ ፍንጀራምስ ሰማዕኩ ሰዓት 2፡00 ናይ ለይቲ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ። ንኻልኣይ ግዜ ብተኸታታሊ ተካል ለይቲ ዝሓደርናላ እያ፡" ትብል ኣብ ቴህራን እትርከብ ኣብ ኣርባዓታት ዕድመ እትርከብ ጓለንስተይቲ።

    ኣብዚ እዋን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቍራጹ ኣብ ውሽጢ ኢራን ምስ ዘለዉ ክትራኸብ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ገለኦም ግን ንሓጺር እዋን ይጥቀሙ ኣለዉ።

    ሓደ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጎንቸህ ሓቢብ ያዛድ ዝተራኸበ ሰብ፡ ሽማግለታት ወለዱ ኣብ ጥቓ እቲ ትማሊ ምሸት መጥቃዕቲ ዝተመጸሞ መዓርፎ ነፈርቲ መህራባድ ስለ ዝነብሩ ኣዝዩ ከም ዝተጨነቐ ገሊጹላ።

    ‘መሳዅቲ ናይቲ ህንጻ’ ከም ዝተሰባበረ መልእኽቲ በጺሑዎ። ወለዱ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ መካይን ክዕቀቡ ከም ዝነበሮም ድማ ይገልጽ።

    ካልእ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቴህራን ዝነብር ሰብ፡ ንግሆ ትኪ ክሽትት ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።

    ኣብ ዕስራታት ዝርከብ መንእሰይ፡ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 4 ወጋሕታ፡ “ገና ክድቅስ ኣይከኣልኩን፣ ሎሚ ለይቲ’ውን ንቴህራን ደብዲቦማ፡” ኢሉ።

  12. ኢራን ምሉእ ብምሉእ ኢዳ ከይሃበት ዘተ ዝብሃል የለን -ትራምፕ

    ምስታ ኢራን ዝኾነ ዝርርብ ከምዘይካየድ ዝገለጸ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቴህራን ክሳብ ጠቒሊላ ትሰዓር ዝጀመሮ ኲናት ደው ከምዘየብሎ ኣፍሊጡ’ሎ።

    እዚ ዘሎ ስርዓት ምስ ወረደ ንኢራን፡ ብቁጠባ ዓባይ፡ ብልጽትን ሓያልን ንምግባራ ሃገሩን መሻርኽታን ከይተሓለላ ክሰርሓ ምዃነን’ውን ትራምፕ ኣብቲ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዝተባህለ ናቱ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፉ።

    "ኢራን ብሩህ መጻኢ ክህልዋ እዩ። 'ንኢራን ዳግማይ ዓባይ ንግበራ" ክብል'ውን እቲ ኣብ ሃገሩ ዝደጋግሞ ጭርሖ ኣስፊሩ።

    ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ኢራን "ገለ ሃገራት ናይ ምትዕራቕ ጻዕርታት" ይገብራ ከምዘለዋ ኣሚቱ'ሎ።

    ማሶድ ፐዘሽኪያን ብመገዲ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንጹር ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብዚ ዞባ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ድሉዋት ኢና፡ ግና ንሃገርና ኣብ ምክልኻል ኣይንወላወልን ኢና" ኢሉ።

    "ዕርቂ ምስቶም ንህዝቢ ኢራን ብምንእኣስ ነዚ ግጭት ዝወልዑ ክውከስ ኣለዎ" ይብል እቲ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ዘሎ ፕረዚደንት ኢራን።

  13. ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንደቂኣንስትዮ ኣብ 'ባርነት ወሲብ' ሒዝወን ኣሎ -ኣምነስቲ

    ሰራዊት ሓርነት ኦሮሚ (ኦላ) ንደቂኣንስትዮ ኣብ "ባርነት ወሲብ" ብምሓዝ የሳቒ ኣሎ ክብል ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ።

    እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እተን ደቂኣንስትዮ "ብዕስለ ጾታዊ ዓመጽ" ይፍጸመን ከምዘሎ የመልክት።

    እቶም ዕጡቓት ኣብ ደቂኣንስትዮ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝፍጽምዎ ቅትለትን ምዕናው ንብረትን ምስ "ገበናት ኲናት ዝዳረግ" ምዃኑ'ውን ኣምነስቲ ይወቅስ።

    እቲ ሎሚ ዓርቢ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣብ ምዕራብ እቲ ክልል፡ ቄለም ወለጋ ዞን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢታት ብዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተዳለወ እዩ።

    ግዳይ ናይቲ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና 10 ደቂኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምንባሩ'ውን ተጠቒሱ'ሎ። ሸውዓተ ካብኣተን ትሕቲ 18 ዓመት ኣብ ዝነበራሉ እቲ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ይዛረባ።

    ሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሓ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ንሽዱሽተ ሰሙን ዝኣክል፡ 15 ኣወዳት ንዓይን ጓለይን ይዕምጹና ነይሮም" ትብል።

    እተን ግዳያት ኣንስቲ ወይ ቤተሰብ ኣባላት ጸጥታን ወተሃደራትን መንግስቲ ብምዃነን ነቲ በደል ከምዝበጽሐን'ዩ ኣምነስቲ ዘረድእ።

    እቲ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን እቶም ዕጡቓትን ክካየድ ዝጸንሐ ግጭት ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰባዊ ክሳራን፡ ዕንወት ትሕተ-ቅርጽን ከምዘስዓበ ይግለጽ።

    ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዛዕባ ጸብጻብ ኣምነስቲ ዝሃቦ ምላሽ'ኳ ዛጊት እንተዘየለ፡ መራሒ ናይ ጉጅለ ድሪባ ኩምሳ (ጃል መሮ) ኣባላቱ ንሲቪላውን ዒላማ ከምዘይገብሩ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምዝራቡ ኣስሼትድ ፕረስ ጸብጺቡ ነይሩ።

    መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ መስመራት መራኸቢታት ከምዝቋረጽ ምግባሩ'ውን እቲ ዓመጽ ክፍጸም ተራ ከምዝነበሮ ኣምነስቲ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

  14. ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን ፍጹም ንምድምሳስ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ እስራኤልን ኣመሪካን

    ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት ኣመሪካን እስራኤልን ንመደበራት ሚሳይላት፡ ኑክሌርን ሓይሊ ባሕሪን ኢራን ምዕናው እዩ።

    ብፍላይ እቲ ዒላማ መራኽብ ውግእ ኣመሪካ ኮይኑ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

    እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ብውሕዱ 11 ወተሃደራውያን መራኽብ ኢራን ዓንየን ኣለዋ።

    ኣብ ከባቢ እቲ ስትራተጂካዊ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ ደቡባዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር'ውን ኣይህዲ ደብዳብ ሚሳይላት ከምዝዘነቦን ኣብቲ ወደብ ዝርከባ መራኽብ ኲናት ብትኪ ተዓብሊኾን ከምዝተራእያን ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ የመልክት።

    ንሰለስተ ቀንዲ ሸቶታት መጥቃዕቶም ዝዘርዘረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣመሪካ "ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን ፈጺማ ትድምስሶ ኣላ" ክብል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ተዛሪቡ ነይሩ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ብረቡዕ ሳብማሪን ኣመሪካ ኣብ ህንዳዊ ውቅኖስ ንዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ሃሪሙ ከምዘጥሓለ ዋሽንግተን ኣረጋጊጻ ነይራ። ገለ ኣባላታ'ኳ ክድሕኑ እንተኸኣሉ 140 ዝኾኑ ግን ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

    ነቲ ኲናት ዝመርሕ ዘሎ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ዞባ ትንቀሳቐስ መርከብ ኲናት ኢራን ከምዘይትህሉ ገይሮም ምህላዎም ይገልጽ።

    "ንዓሰርተታት ዓመታት ስርዓት ኢራን ንዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ከሰራጢ ጸኒሑ'ዩ" ዝበለ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር፡ "ሎሚ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ወይ ወሽመጥ ዖማን ትንቀሳቐስ ዋላ ሓንቲ መርከብ ኢራን የላን" ኢሉ።

  15. ኢራን፡ ሓደ ቤት ትምህርትን ጥቓኡ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከርን ብኸመይ ብተደጋጋሚ ተሃሪሞም?

    ካብ ሳታላይት ዝተረኽቡ ምስልታት፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝተፈጸመ ብዙሕ መጥቃዕትን ምልክታት ዝተቓጸለ ህንጻን ከም ዘሎ፡ እዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ግዜ ከም ዝተሃርመን የመላኽት።

    ሰብመዚ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ 168 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሓቢሮም።

    ቢቢሲ ዘረጋገጾም ምስልታትን ኣሳእልን ሳተላይት፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ሚንዓብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሻጃረህ ታየበህን ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ቀጽሪ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዶም የርእዩ።

    ብተወሳኺ፡ እቲ ከባቢ "ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደ እዋን ወይ ዳርጋ ብሓንሳብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተሃርመ" ይሕብር ይብል ክኢላ ኣጽዋር ኤን ኣር ጀንዘን ጆንስ።

    ኣብቲ ምስሊ ክልተ ዝዓነው ህንጻታት ብንጹር ክረኣዩ ይኽእሉ፤ እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ መደበር ሓለዋ ሰውራ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ይርአ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ብኸፊል ፈሪሱ።

  16. ነበርቲ ቴህራን ብሰንኪ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ድቃስ ይስእኑ

    "እቲ ገዛን ሓሙሽተ ደቓይቕ ከየቋረጸ የንቀጥቅጥ ነይሩ። ትማሊ ምሸት እቲ ዝኸፍአ ምሸት እዩ ነይሩ፡" ይብል ሓደ ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ነባሪ ቴህራን።

    ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ድሕሪ ምብርባሩ ሰለም ከየበለ ከም ዝሓደረ ገሊጹ።

    ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቍራጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኢራን ካብ ዘለዉ ሰባት ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጎንቸህ ሓቢብያዛድ ንገለ ሰባት ንሓጺር እዋን ክትረኽቦም ክኢላ።

    ምእንቲ ድሕነቶም ክትብል ግን መንነቶም ኣይገለጸት።

    “ሰዓት 5 ንግሆ ብድምጺ ፍንጀራ ተበራቢረ ካብ ሽዑ ጀሚረ ክድቅስ ኣይከኣልኩን፡” ትብል ሓንቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እትነብር ሰበይቲ።

    "ኣዝዩ ዘስካሕክሕእዩ ነይሩ። ብብርቱዕ ይሃርሙ ስለ ዝነበሩ ኵሎም መሳዅቲ የንቀጥቀጡ ነይሮም። ድራጎን ድምጺ ዝገብር ዘሎ ይጥዕም ነይሩ፡" ትብል ካልእ ሰበይቲ።

  17. ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ በይሩት ሰፊሕ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ከም ዘካየደ ገሊጹ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ ልዕሊ በይሩት - ሊባኖስ መጠነ ሰፊሕ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ከም ዝኸፈተ ሓቢሩ።

    ኣብታ ርእሰ-ኸተማ ዳህየ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ “ማእከላይ እዚ ሕዞባላህ”ን ድሮናት ዝኽዘነሉ መሳለጥያን ከም ዝሃረመ ወሲኹ ገሊጹ።

    “ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝወርድ ዝዀነ ይዅን ጕድኣት ኣይጻወርን እዩ፡” ክብል ድማ ተሓንዩ።

    በቲ ካልእ ወገን፡ ካብ መረበቶም ክሃድሙ ዝተገደዱ ተቐማጦ በይሩት፡ “ብሓቂ ፈሪሕና ኣለና፡” ክብሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    ካብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰላማውያን ሰባት፡ ኣብ መዕቈቢታት፡ መካይን፡ መናፈሻታትን ኣባይቲ ኣዝማድን ሓዲሮም ኣለዉ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ሰባት ናብ ካልእ ቦታታት ክግዕዙ ኣቐዲሙ ትእዛዝ ሂቡ እዩ።

    ኣብ ጐደናታት ደቂሶም ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝኸውን ዘሎ ፍርሕን ምድንጋርን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም።

    "ከም ኮቦርታ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ጥራይ ኢና ተማሊእና፡" ትብል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዳህየ። "ብሓቂ ፈሪሕና እኳ እንተለና፡ ኲናት እንተ መጽአ’ውን እዚ እዩ መሬትና። ክንክእሎ ጥራሕ እዩ ዘለና፣ ክንገብሮ እንኽእል ነገር የሎን፡” ኢላ።

    ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ብመጥቃዕቲ እስራኤል 123 ሰባት ከም ዝመቱን 683 ከም ዝቘሰሉን ሓቢሩ።

  18. ምኒስተር ምክልኻል፡ ስርሒት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ‘ብወሳኒ መንገዲ ይግስግ ኣሎ’ ኢሉ

    ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተልእኾ ሃገሩ ኣብ ኢራን “ብወሳኒ መንገዲ ይግስግስ፡” ከም ዘሎ ሓቢሩ።

    "ኢራን [ነቲ መጥቃዕቲ] ብኸምዚ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ክንቅጽሎ ከም ዘይንኽእል እያ ተስፋ ትገብር ዘላ። እዚ ድማ ድኹም ቅማረ እዩ፡" ይብል።

    ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ "ሕጽረት ተተኰስቲ የብላን"፣ ከምኡ'ውን ነቲ ወፍሪ ክሳዕ እትደልዮ ከተቐጽሎ ከም እትኽእል ገሊጹ።

    “ዛጊት ጀሚርና ጥራሕ ኢና ዘለና፣ ብወሳኒ መንገዲ ድማ ክንቅጽሎ ኢና፡” ኢሉ።

    ሓደ ጋዜጠኛ ንሄግሰት፡ ትራምፕ ድሕሪ ሞት መንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንኢራን መን ከም ዝመርሓ ጽልዋ እንተለዎ ሓቲቱዎ።

    "እቲ ፕረዚደንት ነቲ ዘለና ቀጻሊ ስርሒት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኢራን መን የመሓድራ ኣብ ዝብል ርእይቶ ዘለዎ እመስለኒ፡" ክብል መሊሱ።

    "ኣብ ዕላማታትና ዝዀነ ጫሌዳታት የሎን። እንታይ ውጽኢት ክንጭብጥ ከም እንደሊ ብልክዕ ንፈልጥ ኢና።”

    ፒት ሄግሰት እዚ ሕቶ ዝቐረበሉ፡ ትራምፕ ኣቐዲሙ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኢራን ድሕሪ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ መን ይምርሓያ ኣብ ምውሳን ቀጥታዊ ግደ ክህልዎ ከም ዝደሊ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ።

  19. ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ እንተዓፅያቶ ኣብ ዓለም እንታይ ይፍጠር?

    ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ እትሓልፍ ዝኾነት መርከብ ከንድዳ እየ ምባላ ስዒቡ ዘሻቕል ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ሆርሙዝ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ጽዑቕ ምንቅስቓስ መራኸብ ዝረኣየሎም መስመራት'ዩ።

    ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና በዚ ጸቢብ መስመር ማይ'ዩ ዝሓልፍ።

    ኢራን ግና ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኣወጀ ኲናት ንጣብ ነዳዲ'ውን በቲ መስመር ከምዘይትሓልፍ ገሊጻ ኣላ።

    እዚ ኣገዳሲ መስመር ፀገም እንተጋጢምዎ፡ ዋጋታት ኣቑሑትን ነዳድን ዓለም ብዝለዓለ መጠን ወሰኽ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

  20. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርቀሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን

    ብቐዳም 28 ለካቲት 2026 ዝጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምስ ተቐተለ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተዘርጊሑ ኣሎ።

    ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላህ፡ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መደበራት ናብ እስራኤል ሮኬታት ብምውንጫፍ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሩ።

    እስራኤል ድማ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ትህብ ኣላ።

    ይዅን'ምበር፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ሃስያ ይወርድ ከም ዘሎ እዮም ጸብጻባት ዘመልክቱ።

    ኣብቲ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እውን ግዳያት እቲ ረጽሚ ይዀኑ ኣለዉ።

    ብፍላይ ኣብ ሊባኖስ፡ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደብዳብ ገለ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ህይወቶም ክሓልፍ ከሎ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ብሰንኪ ዝወረደ ስብርባር ሚሳይላት፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ሰባት መጕዳእቲ ወሪዱዎም ኣሎ።

    ኣብ ሊባኖስ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጀኑድ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ብርቱዕ ደብዳብ ሚሳይላት፡ ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓን ካብ መንበሪኦም ክስደዱ ከም ዘገደዶም ሓንቲ ካብቲ ቦታ ዝሃደመት ዜጋ ንቢቢሲ ገሊጻ።