ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ‘ውሑስ ቦታ’ የለን ኢሎም
ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ግን፡ ምቍራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
እስራኤል ዓሰርተታት ዕጡቓት ሓማስ ቀቲለ ኢላ
ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣጋር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ሓማስ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።
“ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ምስ ግብረሽበራውያን ኣብ ዝተኻየደ ጎንጺ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ህንጻታትን መትረባትን ዓሪዶም ከጥቅዕዎ ንዝፈተኑ ዓሰርተታት ግብረሽበራውያን ቀቲሉ” ይብል ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ።
ኣብቲ መግለጺ፡ ነፋሪት እስራኤል ኣብ ባይታ ብዝነበሩ ወታሃደራት ተሓጊዛ “ኣብ ውሽጡ ልዕሊ 20 ግብረሽበራውያን ሓማስ” ንዝነበርዎ ሓደ ህንጻ ኣጥቂዓ ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ጥቓ ኣል-ኣዝሃር ዩኒቨርሲቲ ጸረ ታንኪ ዝትኮሰሉ ዝነበረ ወታሃደራዊ ማእከል ሓማስ ብነፋሪት ከምዝተወቕዐ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
እስራኤል መንነት ክልተ ብሓማስ ዝተጨወዩ ታንዛንያውያን ዕላዊ ገይራ

ምንጪ ስእሊ, MASHAV Israel
መግለጺ ስእሊ, ጆሽዋ ሞለልን ፈሊክን ምተንጋን መንግስቲ እስራኤል፡ መንነት ናይቶም ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብሓማስ ተጭውዮም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዝኣመነሎም ክልተ ታንዛንያውያን ዕላዊ ገይሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ብሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ጆሽዋ ሎይቱ ሞለልን ክለመንስ ፈሊክስ ምተንጋን ሕርሻዊ ስልጠና ንምውሳድ ኣብ እስራኤል ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
“ብግብረሽበራዊ ጕጅለ ሓማስ ተጨውዮም ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ። ብሰላምን ብቕልጡፍን ክምለሱ ብጸሎት ሓግዙና” ይብል እቲ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ዝተዘርገሐ መግለጺ።
እቲ ሚነስትሪ ናይቶም ክልተ ግዳያት ስእሊ ጠቂዑ ኣሎ።
ወላዲ ጆሽዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ታንዛንያ ደዊሉ፡ ሃገሩ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ትከታተሎ ከምዘላ ከምዝሓበሮ ተዛሪቡ።
ስድራ ክለንስ ግን ዛጊድ ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።
ኣብ እስራኤል ኣስታት 350 ዜጋታት ታንዛንያ ከምዘለዉን ካብዚኦም እቶም 260 ተምሃሮ ከምዝዀኑን ጸብጻባት ኤምባሲ ታንዛንያ ኣብ እስራኤል የመልክቱ።
ካልእ መንነቱ ዘይተገለጸ ደቡብ ኣፍሪቃዊ እውን ካብቶም ብሓማስ ተጨውዮም ኣብ ቓዛ ጁሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣስታት 224 ሰባት ከምዝዀነ መንግስቲ እስራኤል ይገልጽ።
እስራኤል ብሰንበት 600 ዒላማታት ሓማስ ከምዝደብደበት ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብሰንበት ጥራይ 600 ዒላማታት ሓማስ ከምዝደብደበት ኣፍሊጦም። ብተመሳሳሊ ብቐዳም ኣስታት 450 ዒላማታት ከምዘጥቅዑ ገሊጾም ነይሮም።
ብኻልእ ዜና ኣብ ሩስያ ግዝኣት ዳጊስታን ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ማክችካላ ደገፍቲ ፍልስጤም ድሕሪ ዘካየድዎ ናዕቢ 60 ሰባት ተኣሲሮም።
በቲ ግጭት ትሸዓተ ፖሊስ ጉድኣት ወሪድዎም።
እቶም ናዕበኛታት ካብ ተልኣቪቭ ንዝመጹ ተጓዓዝቲ ንምጥቃዕ ናብቲ ኤርፖርት ከምዝመጽኡን፡ ገሊኦም ናብቲ መስመር ነፋሪት ብምእታው ነታ ነፋሪት ከምዝኸበብዋን ማዕከናት ዜና ሩስያ ጸብጺበን።
እቲ ክስተት ነቶም ኣብ 1890ታት ኣብ ሩስያ ከበድቲ ግፍዒታት ዝወረዶም ኣይሁድ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላው ቓዛ ክዘራረብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም መሬታዊ ወፍሪ ድሕሪ ምጅማራ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላው ወሽመጥ ቓዛ ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተሓተተ ኣኼባ፡ ባይቶ ጸጥታ በቲ ንፍልስጤማውያን ሓገዝ ዝህብ ትካል ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ሓበሬታ ክቐርበሉ እዩ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እስራኤል ብማሕበረሰብ ዓለም ዝድገፍ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ምፍቃድ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣሐይላ ምቕጻላ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ቓዛ መንበሪ ኣባይቲ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ይዓኑ ከምዘሎ መርትዖታት ከምዝረኸበ ይገልጽ።
እዋናዊ ምዕባለታት እስራኤልን ቓዛን

ምንጪ ስእሊ, re
- ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ኣል-ቝድስ ከተማ ቓዛ መጥቃዕቲ ኣየር ትቕጽል ከምዘላን፡ እስራኤል ንሓካይም ካብቲ ቦታ ክወጹ ከምዝነገረቶምን ገሊጹ።
- ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ሕሙማት ሒዝካ ምውጻእ ከምዘይከኣል ኣጠንቂቘም ኣለዉ።
- ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 600 ዒላማታት ሓማስ ከምዝሃረመ ሎሚ ንግሆ ገሊጹ።
- ልዕሊ 30 መካይን ረድኤት ትማሊ ሰንበት ናብ ቓዛ ኣትየን፤ እዚ ኸኣ ቀረብ ዳግማይ ክኣቱ ካብ ዝጅምር ንደሓር እቲ ዝዓበየ እዩ።
- ብኻልእ ወገን፡ ካብ ተልኣቪቭ ዝነቐለት ነፋሪት ኣብ ዳግስታን - ሩስያ - ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምዕላባ፡ ገለ ጸረ-ሴማውያን ጭርሖታት ዘቃልሑ ዝነበሩ ኣኩባት ሰባት ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወሪሮም። በዚ ድማ እስራኤል “ንዅሎም ዜጋታታን ንዅሎም ኣይሁዳውያንን” ክትከላኸል ንሩስያ ኣተሓሳሲባ ኣላ። 60 ካብቶም ኣብቲ ናዕቢ ተሳተፍቲ ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና ሩስያ ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢረን።
ሓድሽ ሓበሬታን ትንታነን ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና ምሳና ጽንሑ
ሕዝቦላህ፡ ንሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እስራኤል ከምዘውደቐ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝመደበሩ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ፡ ንሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እስራኤል ከምዘውደቐ ኣፍሊጡ።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ኪያም ካብ ዶብ እስራኤል ኣስታት 5 ኪ.ሜ ርሒቑ እዩ ኣጋጢሙ።
እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ መሬት እስራኤል ክትወድቕ ከምዝተራእየት ሕዝቦላህ ገሊጹ።
እቲ ብዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝተበየነ ጕጅለ፡ ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተጀመረ ግጭት፡ ሓማስ 46 ወተሃደራት ክሞቱዎ እንከለዉ 43 ቆሲሎም።
ብተወሳኺ ኣብቲi ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ሕዝቦላህ ኣብ ከባቢታት ዶብ ኣብ 42 ስፍራታት መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ።
እስራኤል ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 7 ወተሃደራታ ከምዝተቐትሉዋ ትገልጽ።
