ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ‘ውሑስ ቦታ’ የለን ኢሎም
ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ግን፡ ምቍራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ወሽመጥ ቓዛ ከቢድ ሓደጋ ህዝባዊ ጥዕና ከጋጥማ’ዩ- ውድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ብደብዳባት እስራኤል ትዓኑ ዘላ ቓዛ “ከቢድ ጥፍኣት ህዝባዊ ጥዕና” ከጋጥም ተቓሪቡ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።
ብሰንኪ እስራኤል ዝኣወጀቶ ዕጽዋ፡ ኣብታ ዞባ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ማይ፡ መግቢን ነዳዲን እንዳኸፍአ ከይዱ’ሎ። ሆስፒታላት’ውን፡ ቀረባት ሕክምናን ጸዓትን ይውድኣ ኣለዋ።
ኣፈኛ ናይቲ ውድብ ክርስትያን ሊንድመይር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ብሰንኪ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጽቕጥቅጥን ምዕናው ትሕተ-ቅርጺታት ማይን ጽሬትን ከቢድ ሓደጋ ህዝባዊ ጥዕና ኣንጸላልዩ ኣሎ” ኢሉ።
ነቲ ማይ ጨው ዘጻሪ ትካል ዝውዕል ነዳዲ ክኣቱ’ውን ጸዊዑ’ሎ።
ድሮ ሓያለ ሆስፒታላት ቓዛ ብምውታትን ቁሱላትን ኣዕለቕሊቐን ምህላወንን፡ ሰብሞያ ጥዕና ልዕሊ ዓቕሞም ከምዝኾኖምን ይግለጽ ኣሎ።
ዝጠመዩ ቃዛውያን ንመኻዚኖታት ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ዘሚቶም
ሓማስ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ከምዝቐተለ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓይልታት እስራኤል ንሓማስ “ስጉምቲ ብስጉምቲ” ንምድምሳስ ናብ ቓዛ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ሓማስ ብወገኑ ጸረ መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎ ይገልጽ ኣሎ።
ብሓማስን እስላማዊ ጂሃድ ፍልስጤምን ዝካየዱ መርበባት ተለግራም ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓበሬታ ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ሎሚ ሓደ ወተሃደር ከምዝቐተሉን፡ ናብ ሰሜን ቓዛ ክኣትዋ ዝፈተና ክልተ ተሽከርከርት ከምዘዕነዉን ሓቢሮም።
ሓንቲ ብጸረ-ታንኪ ዝሃረምዋ ታንኪ ሰራዊት እስራኤል ከምዘቃጸሉ’ውን ጠቒሶም ኣለዉ።
ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ቓዛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ’ውን፡ ንክልተ ጉጅለታት ሓይልታት እሰራኤል ከምዘጥቅዑ ብርጌደት ኣል-ቁድስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ወተሃደራዊ ክንፊ እስላማዊ ጂሃድ ኣፍሊጦም።
እንተኾነ ግን፡ ቢቢሲ ኣብ ዓውደ-ውግእ ንዝካየድ ዘሎ ተቐያያሪ ኩነታት ብቕልጡፍ ከረጋግጽ ዝክኣል ኣይኮነን።
ብወገን እስራኤል ዛጊት ብዘዕባ ምቕታል ወተሃደራ ዝተዋህበ ግብረመልሲ ይኹን መግለጺ የለን።
ሰራዊት እታ ሃገር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ “ሸበርቲ” ከምዝቐተለን፡ ጸረ-ታንክ ተወንጨፍቲ ከምዘበርዓነን ሓቢሩ። ዝተፈላለየ ብረታት ከምዝመንዘዐ’ውን እቲ ሰራዊት ገሊጹ’ሎ።
ሓይልታት እስራኤል “ኣብ ውሽጢ” ወሽመጥ ቓዛ “ሓያል” ውግእ የካይዱ ከምዘለዉ እቲ መግለጺ የመልክት።
ምስ ሕዝቦላህ ስግረ-ዶባዊ ተዅሲ ኣብ ዝተጋደደሉ፡ ኣሸሓት ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ይሃድሙ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ወሃቢ ቓል ሰራዊት እስራኤል፡ ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ሊባኖስ፡ ምስቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሓይልታት ሕዝቦላህ ግጭት ይጋደድ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ንሱ፡ ነፈርቲ ውግእ ብለይቲ ብዝተፈጸመ "መጥቃዕቲ ትሕተ ቅርጺ ናይቲ ግብረሽበራዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ" ከምዘዕነዋ ገሊጹ። ሃጋሪ ወሲኹ፡ ብሰንኪ'ዚ ኣሽሓት ሲቪላት "ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ" ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ይሃድሙ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ዳንኤል ሃጋሪ፡ ብዛዕባ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ "ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ምድርን ኣየርን" ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ዒላማታት ሓማስ 'ውን ኣብሪሁ።
እስራኤል ምስ ሓማስ ‘ከቢድ ልውውጥ’ ተዅሲ ክካየድ ሓዲሩ ኢላ

ምንጪ ስእሊ, IDF
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቓዛ ስርሒት ዘካይዱ ዘለዉ ወታሃደራት እስራኤል ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ፒተር ለርነር ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት እስራኤልን ሓማስን "ከቢድ ልውውጥ" ተዅሲ ክካየድ ከምዝሓደረ ገሊጹ።
ለርነር ምስ ቢቢሲ ብሬክፋስት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል “ደረጃ ብደረጃን እናሸራረፈን ንሓማስ ይድምስሶ ኣሎ” ኢሉ።
ዕላማኡ ድማ ምስ ሓማስ ምግጣምን “ትሕተ ቅርጺታቱ ምዕናውን” ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።
ለርነር፡ ሓማስ ኣብ መሳጊድን ህንጻታት ሲቪላትን ኰይኑ ይዋጋእ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ሓማስ ሰላማውያንን ትካላትን ከም ድፋዕ ይጥቀም ኣሎ ንዝብል ክሲ እስራኤል ብተደጋጋሚ ይነጽግ።
ብኻልእ ዜና ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ እትርከብ ከተማ ኢይላት፡ ነፋሪት ክሊ ኣየር ጥሒሳ ምእታዋ ስዒቡ ደወል ሓደጋ ተሰሚዑ።
ነዚ ኣመልኪቱ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ናብ ዝርከብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ዝተጸገዐ “ዒላማ ኣየር” ከም ዝነበረን ንሰላማውያን ሓደጋ ከም ዘይኰነን ኣፍሊጡ።
ሰራሕተኛ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሸሞንተ ቈልዑን ተቐቲሉ- ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኤጀንሲ ሕቡራት ሃገራት ስደተኛታት ፍልስጤም ዝዀነ ትካል (UNRWA) ኣብ ኲናት እስራኤል-ቓዛ 64 ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
ትማሊ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ገዛኡ እንከሎ ምስ ስድራቤቱ - ሸሞንተ ቈልዑን በዓልቲ ቤቱን - ከም ዝተቐትለ ወሃቢት ቃል ጁልየት ቱማ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘመሓድርዎም 450 መዕቈቢ ቦታታት ኣዝዮም ከም ዝተጨናነቑ ገሊጻ። ኣብዞም መሳለጥያታት 670 ሽሕ ሰባት ከም ዝነብሩ ይግለጽ።
“ከም ሕኸኽን ውጽኣትን ዝኣመሰሉ ሕማማት ይዝርግሑ ከም ዘለው ጸብጻባት ክበጽሑና ጀሚሮም ኣለው። ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር ኣለዎ።
"ሓለዋ ክግበረሎም ዝግብኦም ቦታታት - ኣብያተ ክርስቲያን፡ መሳጊድን መሳለጥያታት ሕቡራት ሃገራትን -ተሃሪሞም’ዮም። ሕጂ ውሑስ ዝዀነ ቦታ የለን። ቓዛ ናብ ገሃነም’ያ ተቐይራ” ክትብል እቲ ኵነታት ዘሰክፍ ምዃኑ ኣብሪሃ።
ሓማስ ‘ሰላማውያን ሰባት ከም ድፋዕ ይጥቀም’ ኣሎ ክትብል እስራኤል ከሲሳ

ምንጪ ስእሊ, IDF
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ፒተር ለርበር፡ “ሓማስ ብድሕሪ ፍልስጤማውያን ይሕባእ ኣሎ” ክብል ከሲሱ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ “ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ትራጄዲ’ዩ። እዚ ክኣ ሓደ ካብቲ ሓማስ ክጠፍእ ዘለዎ ምኽንያታት እዩ። ኵሉ ሰብ በዚ ጉጅለ ይሳቐ'ዩ ዘሎ” ኢሉ።
ሓማስ፡ “ድሮናት እንከይተረፈ ኣብ ናሕሲ ኣባይቲ፣ ዝውንጨፉ ሮኬታት ድማ ኣብ መሳለጢያታት ሕቡራት ሃገራት ብምቕማጥ ኵሉ ዓቕምታቱ ኣብ ናይ ሲቪላውያን ከባቢ’ዩ ዘቐምጦም ዘሎ” ክብል ከሲሱ።
ካብ 7ጥቅምቲ ኣትሒዙ ድማ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ሮኬታት ካብ ጋዛ ከም ዝተወንጨፈ ወሲኹ ገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ሌርነር ሓማስ ኣብ ጋዛ ንዝርከባ ሆስፒታላት ከም ትእዛዝ ዝወሃበሎም ቦታታትን ድፋዕን ይጥቀመሎም ኣሎ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር።
ሓማስ፡ ኣድብዩ ኣብ ልዕሊ ተሽከርከርቲ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺመ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓይልታት እስራኤል፡ ኣብ ቓዛዛ ብደብዳብ ነፈርትን ብመሬትን ብዝወስዱዎ ዘለው መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ኣስታት 300 ዒላማታት ከም ዝሃረሙ ገሊጾም።
ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ዝዀነ ብርጌድ ኣል-ቓሲም ድማ፡ ኣብ ሰሜን ጋዛ ንሰለስተ ተሽከርከርቲ እስራኤል ኣድቢዩ ከም ዘጥቅዐ ብቴሌግራም ገሊጹ።
እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ከባቢ ኣል-ታዋም ናብ ቓዛ ዘሊቐን ክኣትዋ ዝፍትና ዝነበራ ተሽከርከርቲ፡ ጸረ-ታንኪ ከም ዝተኰሰ ይገልጽ።
ቅድም ኢሉ፡ ሓማስ ናብ ደቡብ ቓዛ ዝሰግሩ ዝነበሩ ወተሃደራት እስራኤል ብሞርታር ከም ዘጥቅዖም ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ እስራኤል ከተማ ኢይላት፡ "ተጻባኢ ምትእትታው ነፈርቲ" ዝሕብር ሳይረን መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተሰምዐ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ብዛዕባ ዓይነት እታ ነፋሪትን ካበይ ከም ዝመጽአትን ኣይገለጸን።
ከተማ ኢይላት፡ ካብ ቓዛ 200 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ ጥቓ ቀይሕ ባሕሪ ጥቓ ዶባት ዮርዳኖስን ግብጽን እትርከብ ከተማ እያ።
እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወራር እንታይ ዝዓለመ እዩ?
እስራኤል-ቓዛ፡ ኣመሪካ ንዓለማዊ ጻውዒት ተዅሲ ደው ምባል ነጺጋ
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ጋዛ ብኹሉ ኣንፈት የጥቅዕ ከም ዘሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Israel Defense Forces
ሓይልታት እስራኤል፡ ኣብ ጋዛ ብደብዳብ ነፈርትን ብመሬትን ብዝወስዱዎ ዘለው መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ኣስታት 300 ዒላማታት ከም ዝሃረሙ ገሊጾም።
ብተወሳኺ፡ ወተሃደራት እስራኤል ምስ “ጸረ-ታንኪ ሚሳይላትን መዳፍዕን ዝትኩሱ ዝነበሩ ዋህዮታት ግበረ-ሽበራውያን” ተዋጊኦም “ብርክት ዝበሉ ኣሸበርቲ ሓማስ’ውን ተቐቲሎም’ዮም” ኢሎም።
ጸረ-ታንኪ ሚሳይላት፣ ኣብ ትሕቲ ገለርያ ዝርከቡ መወንጨፊ ሮኬታትትን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ገለርያታት ወተሃደራዊ ቀጽሪታትን ካብ ሞንጐ እቶም ዒላማ ዝዀኑ ቦታታት ምዃኖም ሓቢሮም።
“ብኹሉ ሸነኻት ወሽመጥ ጋዛ ነጥቅዕ ኢና ዘለና” ዝበለ ወሃቢ ቃል ሌተናል ኮሎኔል ጆናታን ኮንሪከስ “ምንቅስቓሳትና ኣብ ማእከል ስሕበት ሓማስ ዝዀነ ሰሜን ጋዛ ትኹረት ዝገበረ ክኸውን’ዩ። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ጋዛ’ውን ግን ከነጥቅዕ ኢና።
“ኮማንደራቶም ንሃድኖም ኣለና፣ ትሕተ ቅርጺታቶምን ዝዀነ ኣገዳሲ ዒላማን ነጥቅዕ ኣለና” ክብል ተዛሪቡ።
ሓማስ፡ ቀንዲ ሆስፒታል ከተማ ጋዛ ዝዀነ ኣል ሺፋ “እቶም ኣሸበርቲ ንምሕባእ” ይጥቀመሉ ኣሎ ዝብል ክሲ ዘቕረበ እቲ ወሃቢ ቃል፡ እስራኤል፡ ስቪላውያን ከይቕተሉ ኩሉ ዝክኣላ ትገብር እያ ዘላ ኢሉ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብታ ኣብ ዕጽዋ ዘእተወታ ወሽመጥ ጋዛ ዝርከቡ ነበርቲ ንድሕነቶም ብዝብል ናብ ደቡባዊ ጋዛ ሩባ ዋዲ ጋዛ ክኸዱ ኣተሓሳሲባ ነይራ።
ሓይልታት እስራኤል፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሮም ናብ ሰሜን ጋዛ ክኣትው እንከለው፡ ነቶም ሕጂ’ውን ኣብ ህድማ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት መገዲታቶም ዘተዓናቕፋ ታንክታት ከም ዝኣተዋ መሰኻኽር ዓይኒ ፍልስጤም ገሊጾም።
ሰራዊት እስራኤል ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣትዩ
እስራኤል፡ ምልውዋጥ እሱራትን እቶም ጅሆ ዝተትሓዙን ክትቅበል’ዶ ትኸውን?
ሓማስ፡ ገለ ካብቶም ጅሆ ዝሓዞም ሰባት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ብዝርከቡ እሱራት ክልውጦም ከም ዝደሊ ተገሊጹ ነይሩ።
እዞም እሱራት ግን በዓል መን’ዮም?
እቶም ኣብ እስራኤል ተኣሲሮም ዝርከቡ እሱራት ጸጥታ ተባሂሎም’ዮም ዝጽውዑ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ 5192 እሱራት ነይሮም።
እዚኦም፡ 2410 ዝተፈርዶም፣ 1463 ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዝርከቡ፣ 1319 ድማ ብዘይፍርዲ ዝተትሓዙ ምምሕዳራዊ እሱራት ከም ዝዀኑ ሃሞክድ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል እስራኤል ዝኣከቦ መረዳእታ ኣገልግሎት ማእሰርቲ እስራኤል የመልክት።
እንተዀነ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ሓይልታት እስራኤል ዝገፈፉዎም ብዙሓት ፍልስጤማውያን ኣለው።
ማሕበር እሱራት ፍልስጤም ከም ዝብሎ፡ ካብቲ ዝተጐብጠ ዌስት ባንክን ምብራቕ እየሩሳሌምን ኣስታት 1680 ሰባት ተኣሲሮም’ዮም።
ብተወሳኺ፡ ካልኦት ኣብ እስራኤል ክሰርሑ ፍቓድ ዝረኸቡ ነበርቲ ወሽመጥ ጋዛ ዝዀኑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ተኣሲሮም ይርከቡ ይብል።
ብጠቕላላ፡ 11 ሽሕ ዝዀኑ እሱራት ፍልስጤማውያን ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰኑይ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ 700 ኣባላት ሓማስ ካብ ዌስት ባንክ ከም ዝተኣስሩ ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ሕሉፍ፡ እስራኤል ምስ ዕጡቓት ፍልስጤምን ሊባኖሳዊ ጉጅለ ሒዝቦላህን ስምምዕ ምልውዋጥ እሱራት ገይራ ነይራ እያ።
ኣብቲ እዋን፡ ብኣቈጻጽራ ኤውሮጳ ካብ 2006 ክሳብ 2011 ዓ.ም ኣብ ጋዛ ተታሒዙ ዝነበረ ጊላድ ሻሊት ንምፍታሕ መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን ዝዀኑ 1027 እሱራት ፈቲሓ።
እዚ ስምምዕ ኣብ ዝተገብረሉ ግዜ፡ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ቀዳማይ ሚኒስትር ነይሩ።
ኵሎም እቶም ዝተፈትሑ ብሓባር ንሞት 600 እስራኤላውያን ተሓተትቲ ብምንባሮም፡ እዚ ምልውዋጥ እሱራት ኣዝዩ ኣካታዒ ኰይኑ ነይሩ።
መብዛሕትኦም እቶም ቅድሚ 12 ዓመት ዝተፈትሑ እሱራት፡ ድሒሩ ብሓይልታት እስራኤል ተኣሲሮም’ዮም።
ኔታንያሁ 'እዚ እዋን ኲናት'ዩ' ብምባል ተኹሲ ደው ምባል ነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ እስራኤል ኣብ ምቁራጽ ተኹሲ ዘለዋ መርገጺ ንጹር ክገብሮ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ።
“ከምቲ ኣሜሪካ ድሕሪ ምድብዳብ ፐርል ሃርበር ወይ ድሕሪ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ተኹሲ ደው ምባል ዘይትሰማማዓሉ፡ እስራኤል’ውን ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ምስ ሓማስ ተጻብኦ ደው ከተብል ኣይትሰማማዕን እያ” ኢሉ።
"ጻውዒታት ምቁራጽ ተኹሲ ማለት፡ እስራኤል ንሓማስ ኢዳ ክትህብ፡ ንግብረ-ሽበራውያን ኢዳ ክትህብ ዝቐርብ ጻውዒት'ዩ" ይብል።
ኣስዒቡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ግዜ ሰላም ኣሎ፡ ግዜ ውግእ’ውን ኣሎ’ ዝበሎ “እዚ እዋን እዚ ንውግእ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
“ንመጻኢ ህላወና ዝውሕስ ኲናት እዩ። ሎሚ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ስልጣነን ሓይልታት ኣረመንነት መስመር ንሕንጽጽ ኣለና።”
ኣሜሪካ፡ ዓለምለኻዊ ጻውዒት ምቁራጽ ተጻብኦታት ነጺጋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሜሪካ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስን ተኹሲ ደው ክብል ዝቐረበ ዓለማዊ ጻውዒት “ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅኑዕ መልሲ” ኣይኰነን ብምባል ነጺጋቶ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ውሽጢ ጋዛ ሓገዝ ንኽበጽሕ “ዕረፍቲ” ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ወሃቢ ቃል ኪርቢ ኣብ መግለጺኡ ተወሳኺ ናይ ረድኤት መካይን ብግብጺ ኣቢለን ናብ ጋዛ ክኣትዋ ከም ዝኽእላ ርግጸኛታት ኢና ክብል ተዛሪቡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን 2.2 ሚልዮን ነበርቲ ጋዛ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ቀረብ መግቢ፣ ማይ፣ ነዳዲን መድሃኒትን ይርከቡ።
እስራኤል ግን ሓማስ ክሳብ ዝፈርስ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዘይህሉ ተሓንያ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ “ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ዝቐርቡ ዘለው ጻውዒታት እስራኤል ንሓማስ ኢዳ ክትህብ፡ ንሽበራ ኢዳ ክትህብ ዝቐርብ ጻውዒት'ዩ . . . እዚ ኣይኸውንን'ዩ” ኢሉ።
እስራኤል ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ጋዛ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ትፍጽም ዘላ ኰይና፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 8300 ሰባት ከም ዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ኣፍሊጡ።
በቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ 1400 ሰባት ክሞቱ እንከለው 229 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም ተወሲዶም።
ኣብ ጕዳይ እስራኤል-ቓዛ ርእይቶ ዝሃበ ኣባል ባይቶ ተኣጊዱ፤ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ድማ ተባሪሩ

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብዛዕባ ኵነታት እስራኤል-ቓዛ ርእይቶ ብምሃቡ ካብ ስርሑ ክባረር እንከሎ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ተኣጊዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓጋዚ ሚኒስተራት ፖል ብሪስቶው ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ “ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦ” ምግባር፡ “ህይወት ሰባት ከድሕንን ሓገዝ ኣመና ናብ ዘድልዮም ሰባት ክበጽሕ ዘኽእልን'ዩ” ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን እቲ ርእይቶታት "ምስ መትከላት ሓባራዊ ሓላፍነት ዝሰማማዕ ኣይኰነን" ኢሉ።
ኣባል ባይቶ ዕዮ ኣንዲ ማክዶናልድ ድማ ኣብ ሰልፊ ደገፍቲ ፍልስጤም ተረኺቡ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ።
ኣብዚ፡ “ኣብ መንጐ ሩባን ባሕርን" ዝብል ሓረግ ብምጥቃሙ ካብ ኣባልነት ተኣጊዱ።
ነቐፍቲ እቲ ኣበሃህላ፡ ግልጺ ብዘይኰ መገዲ ንጥፍኣት እስራኤል ዝጽውዕ ምዃኑ ይምጕቱ።
ሰልፊ ዕዮ ድማ እቲ ርእይቶታት "ኣዝዩ ኣጸያፊ" እዩ ኢሉ።
ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን 31 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም - ሲፒጄ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ዝሽፍኑ ዝነበሩ ብውሕዱ 31 ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ኮሚቴ ሓለዋ ጋዜጠኛታት (ሲፒጄ) ገሊጹ።
ካብዚኦም እቶም 26 ፍልስጤማውያን ክዀኑ እንከለው 4 እስራኤላውያን 1 ሊባኖሳውን እውን ይርከቡዎም።
ካልኦት ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ድማ ጉድኣት ከም ዝበጽሖምብምግላጽ፡ትሸዓተ ድማ ከም ዝጠፍኡ ወይ ከም ዝተኣስሩ ይግመት ክብል እቲ ኮሚቴ ኣመልኪቱ።
እቲ ትካል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብፍላይ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት እስራኤል ብመሬት እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፣ ኣዕናዊ ደብዳባት ነፈርቲ፣ ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምቁራጽ ኮምዩኒኬሽንን ኣብ ዘለወሉ ነቲ ግጭት ክሽፍኑ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ልዑል ሓደጋታት የጋጥሞም ኣሎ” ኢሉ።
ሮሽዲ ሳራጅ ዝተባህለ ፍሉጥ ፍልስጤማዊ ኣፍራዪ ፊልም ሓደ ካብቶም ግዳያት ኰይኑ ኣብ ከባቢ ዶብ ሊባኖስ ካብ ኣንፈት እስራኤል ብዝመጽአ ደብዳብ ዝተቐትለ ኣብ ቤይሩት መደብሩ ፍሉጥ ፍልስጤማዊ ሰኣሊ ሮይተርስ (ቪድዮግራፈር) ኢስማን ዓብደላን ይርከብዎም።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ክሲ ይምርምሮ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ጋዛ ንዝንቀሳቐሱ ጋዜጠኛታት ውሕስነት ክህብ ከም ዘይክእል፡ንማዕከናት ዜና ሮይተርስን ኤኤፍፒን ገሊጹ።
ትካላት ጸጥታ እስራኤል ተጨውያ ንዝነበረት ወተሃደር ናጻ ኣውጺኦም

ምንጪ ስእሊ, ISA
ሓይልታት ምክልኻልን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን እስራኤል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ሓንቲ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዛ ዝጸንሐት ወተሃደር ከምዘድሓኑ ኣፍሊጦም።
ወተሃደር ኦሪ መግዲሽ፡ ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ለይቲ ናብ ውሽጢ እታ ወሽመጥ ብምእታው ኣብ ዘካየዶ ስርሒታት’ያ ናጻ ወጺኣ።
“እታ ወተሃደር ሕክምናዊ መርመራ ተኻዪዱላ ኣብ ድሓን ኩነታት ትርከብ። ምስ ስድራቤታ ተረኺባ’ላ። ሓይልታት ምክልኻልን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምውጻእ ኩሉ ዘድሊ ክገብሩ እዮም” ይብል እቲ ዝወጸ መግለጺ።
ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት ብዛዕባ ኩነታት እታ ወተሃደር ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።
“ዝነገረትና ነገራት ኣብ መንጎኣን እቲ ዝተዛረባ ኣካልን ዝተርፍ’ዩ። ዝርዝራቱ ድማ ብሓቂ ብኸምዚ ተሰቲሩ ክዕቀብ ዘለዎ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ኣብ ኢዶም ጅሆ ዝተታሕዙ ስለዘለዉ” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ’ውን “እንቋዕ ናብ ገዛኺ ተመለስኪ” ክብል ሓጎሱ ገሊጹ’ሎ።
ሓማስ ዘውጽኦ ቪድዮ ግዳያት ጅሆ ‘ጨካን ስነኣእምሮኣዊ ፕሮፖጋንዳ’ዩ’

ምንጪ ስእሊ, Al Qassam
ምስ እስራኤል ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ዝጨወየን ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዘርኢ ቪድዮ ኣውጺኡ።
ዋላ’ኳ ኩነታት ኣተሓሕዘአን ብንጹር ክፍለጥ ዘይክእል እንተኾነ፡ እተን ኣብቲ ቪድዮ ዝራኣያ ግዳያት ጅሆ ኣብ ድሓን ኩነታት ዘለዋ ይመስላ። ኣብ ገጸን ይኹን ቅሉዕ ክፋል ኣካላተን ዝኾነ ዝርአ መጉዳእቲ የብለንን።
ሓንቲ ካብአን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ዘለዋ ነቐፌታ ብምግላጽ፡ ኩሎም ግዳያት ጅሆ ክፍትሑ ክትጽውዕ ትስማዕ።
እቲ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሓማስ ሓያል ነቐፌታ ክቐርበሉ ጀሚሩ ዘሎ ነታንያሁ፡ ኣስማት ናይተን ግዳያት ብምጥቃስ፡ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምፍታሕ ዝክኣሎ ይገብር ከምዘሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቃል ኣትዩ።
“ናብተን በቲ ገበናት ኲናት ዝፈጸመ ሓማስ ዝተጨውያ ኢለና ትሩፓኖቭ፡ ዳኒኤል ኣሎኒ ከምኡ’ውን ሪሞን ኪርሽት ክምለስ። እሓቚፈክን” ክብል ጓሂኡ ገሊጹ።
“ልብና ምሳኽንን ምስቶም ካልኦት ግዳያት ጅሆን እዩ ዘሎ። ንኹሎም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን ንምምላስ ዝከኣለና ኩሉ ንገብር ኣለና”።
ቢቢሲ፡ ዝህብዎ መግለጺ ብኣስገዳድ ዝግበር ክኸውን ስለዝኽእል ንቪድዮታት ምሩኻት ኲናትን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባትን ኣይሓትምን’ዩ።
