ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ‘ውሑስ ቦታ’ የለን ኢሎም

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ግን፡ ምቍራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣጽዋር ደርቢያ

    ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ሰራዊት እስራኤል፡ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ከተማ ቓዛ ጥራይ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣጽዋር ከም ዝደርበየን፡ ንሓማስ ንምድምሳስ ዝተታሕዘ ሸቶ’ውን ጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎን ገሊጹ።

    ኣብ ቓዛ ተዓጽዮም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ሰባት፡ ገለ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝን ወጻእተኛታትን ዝርከብዎም፡ ናብ ግብጺ ሰጊሮም ኣለው።

    እቲ መሳገሪ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ዳግማይ ተኸፊቱ ካልኦት ካብ ቓዛ ክወጹ ትጽቢት ይግበር።

    ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  2. እስራኤል ንቀዳማይ መስመር ምክልኻል ሓማስ ከምዝሰበረት ገሊጻ

    ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ብኣየርን ብባሕር ዝድገፍ ዘሎ ኣጋር ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ንቀዳማይ መስመር ምክልኻል ሓማስ ከምዝሰበረ ሓቢሩ።

    ሓደ እስራኤላዊ ኣዛዚ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ “ኣፍደገ ከተማ ቓዛ” ከምዘለው ተዛሪቡ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም፡ ለይቲ፡ ኣብታ ከተማ ከቢድ ነትጕን ደብዳብን ክስማዕ እንከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ኣል-ቁድስ እዩ ዝሃርም ኔሩ።

    ሰበስልጣን እስራኤል ኣቐዲሞም ሰባት ካብቲ ሆስፒታል ብቕልጡፍ ክወጹ ኣጠንቂቖም ኔሮም። እንተኾነ፡ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት እዚ ንህይወት ብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ሓቢሮም።

  3. ፕረዚደንት ባይደን እቲ ኲናት ንግዚኡ ደው ክብል ጸዊዑ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንክፍትሑ እቲ ኲናት ንግዚኡ ደው ክብል ጸዊዑ።

    ንሱ፡ ኣብ ኣብ ሚነሶታ ኣብ ዝካይዶ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ መልሲ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን እዩ ከምኡ ተዛሪቡ።

    እታ ጓል ኣንስተይቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር ተማሕጺናቶ። "ንግዚኡ ጠጠው ክብል ኣለዎ እመስለኒ። ጠጠው ማለት ነቶም እሱራት ንምውጻእ ግዜ ምሃብ ማለት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

    ድሒሩ ዋይት ሃውስ፡ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓገዝን ነቶም ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ 240 ጅሆታት ይጠቅስ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

    እታ ሰበይቲ "ሕጂ ተዅሲ ደው ይበል" እናበለት ብኣባለት ጸጥታ ተዓጂባ ክትወጽእ ከላ፡ ባይደን ግን ኣስዒቡ እቲ ኵነታት ንእስራኤላውያን ይዅን ንኣስላም "ንምእማኑ ዘጸግም ዝተሓላለኸ" ምዃኑ ገሊጹ።

    "ካብ መጀመርታ ጀሚረ ህላወ ክልተ ሃገራት ደጊፈ’’ ክብል ወሲኹ ገሊጹ። "እቲ ሓቂ ናይቲ ጉዳይ ሓማስ ግብረሽበራዊ ውድብ ምዃኑ" እዩ።

    ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  4. 120 ሽሕ እስራኤላውያን ፍቓድ ዋንነት ኣጽዋር ንምርካብ ኣመልኪቶም

  5. ዮርዳኖስ ኣምባሳደራ ካብ እስራኤል ጸዊዓ

    ኣይማን ሳፋዲ

    ንግስነት ዮርዳኖስ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ደብዳብን ውግእን ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ኣምባሳደራ ጸዊዓ።

    እታ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ እስራኤል ዝመስረተት ፈላሚት ዓረባዊት ሃገር ዝኾነት ረርዳኖስ ንደብዳብ ሰራዊት እስራኤል ኮኒና’ላ።

    “ዮርዳኖስ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝግበር ዘሎ ጎነጽ ንምኹናን” ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን እታ ሃገር ኣይማን ሳፋዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ዮርዳኖስ፡ “ኣብ ዝጥዕም እዋን፡ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ይጠቅም’ዩ ዝበልናዮ ክንገብር ኢና” ክብል እቲ ሚኒስተር ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

  6. ቁጽሪ ኣብ ውግእ ዝሞቱ ወተሃደራት እስራኤል 15 በጺሑ

    ታንክታት እስራኤል ኣብ ኲናት ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብቲ ኣንጻር ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝሞቱ ወተሃደራት እስራኤል 15 ከምዝበጽሑ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ኣብ ናይ ሰሉስ ውግእ ጥራይ 11 ወተሃደራት እስራኤል ከምዝሞቱ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ሓይልታት እስራኤል ንጉጅለ ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ንምድምሳስ ብኹሉ ኣንፈታት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣትዉ ጀሚሮም ምህላዎም ይፍለጥ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ፡ ሞት ናይቶም ወተሃደራት “ዘቐንዙ ክሳራ” ምዃኑ ብምግላጽ “ወተሃደራትና ኣብ ፍትሓዊ ኲናት’ዮም ወዲቖም፡ ኲናት ዓድና [ንምክልኻል]” ኢሉ ነይሩ።

  7. ቀብሪ ኣብ ውግእ ቓዛ ዝተቐተለ ወተሃደር እስራኤል ተፈጺሙ

    ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ ሓደ ኣብ ውግእ ቓዛ ዝተቐተለ እስራኤላዊ ወተሃደር

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ስነስርዓት ቀብሪ ናይ ሓደ ኣብ ውግእ ቓዛ ዝተቐተለ እስራኤላዊ ወተሃደር ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ተፈጺሙ።

    ወዲ 20 ዓመት ላቪ ሊፕሺዝ፡ ሓይልታት እስራኤል ናብ ውሽጢ እታ ዞባ ብምእታው ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒታት’ዩ ተቐቲሉ።

    ኣብቲ ስነስርዓት ቤተሰብ እቲ ወተሃደርን ብጾቱ ኣባላት ሰራዊትን ተሳቲፎም ነይሮም።

    ኣብቲ ናይ ሰሉስ ውግእ 11 ወተሃደራት እስራኤል ከምዝሞቱ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    “ዘቐንዙ ክሳራ” ክብል ብምግላጽ “ወተሃደራትና ኣብ ፍትሓዊ ኲናት’ዮም ወዲቖም፡ ኲናት ዓድና [ንምክልኻል]” ኢሉ።

    ሰራዊት እታ ሃገር ብዝተፈላለየ ኣንፈት ናብ ቓዛ ንምእታው ገስጋስ የካይድ ከምዘሎ’ዮም ሰብመዚ እታ ሃገር ክገልጹ ጸኒሖም።

    ኣብ ልዕሊ’ታ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዋ ዞባ ቓዛ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ሓይሉ ቀጺሉ’ሎ።

    እሰራኤል ምቁራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ንዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት “እዋኑ ግዜ ኲናት’ዩ” ብምባል ነጺጋቶ እያ።

    ስነስርዓት ቀብሪ ናይ ሓደ ኣብ ውግእ ቓዛ ዝተቐተለ እስራኤላዊ ወተሃደር

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  8. ሱዳን፡ ጀነራል ቡርሃን ሰራዊቱ ድሕሪ ዘጋጠሞ ስዕረታት ንወተሃደራቱ ከተባብዕ ተራእዩ

  9. ዜግነት ወጻኢ ዘለዎምን ዝቖሰሉን ካብ ቓዛ ናብ ግብጺ ክወጹ ጀሚሮም

    ናብ ግብጺ ክኣቱ ዝጽበ ቁሱል

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣስታት 100 ዝኾኑ ከቢድ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ፍልስጤማውያን ናብ ግብጺ ክወጹ ኣብ ኣፍደገ ራፋሕ ይጽበዩ ኣለዉ።

    ካልኦት 500 ዝበጽሑ ዝተፈላለየ ዜግነት ወጻኢ ዘለዎም ሰባት ክወጹ ከምዝተፈቕደሎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

    ካብቶም ቆልዑ ዝርከብዎም 88 ብደብዳብ እስራኤል ዝቖሰሉ ፍልስጤማውያን፡ ድሮ 20 ዶብ ከምዝሰገሩ ጸብጻባት ይሕብሩ። ልዕሊ 100 ድርብ ዜግነት ዘለዎም ነበርቲ ቓዛ’ውን ሓሊፎም ኣለዉ።

    ኣቐዲሙ፡ 20 ዝኾና ሰብኣዊ ረዲኤት ዝሓዛ መካይን ናብታ ከቢድ ቅልውላዉ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዞባ ኣትየን ኣለዋ።

    እስራኤል፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊኣ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ፡ ንቓዛ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ብምእታው፡ ዝኾነ ሰብ ከይወጽእ ኣፍደገ ራፋሕ ከምዝርገጥ ገይራ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  10. ኣብ ቃዛ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 8,796 በጺሑ

    ኣብ ቃዛ ክሳዕ ሕጂ 8,796 ሰባት ከም ዝሞቱ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ 271 ሞይቶም ኣለዉ።

    እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ካብቶም ዝተቐትሉ እቶም 3,648 ህጻናት ምዃኖም ኣፍሊጡ።

    ሓማስ ብዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1400 ሰባት ምስ ተቐተሉን ልዕሊ 220 ጅሆ ምስ ተተሓዙን እዩ እስራኤል መጥቃዕታ ጀሚራ።

    ንዝሓለፉ ሰሙናት ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ልዕሊ ቃዛ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከተካይድ ዝጸንሐት እስራኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምድራዊ ሰራዊታ ናብ ቃዛ ኣዋፊራ’ያ።

  11. ነታንናያሁ፡ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ‘ፍትሓዊ ኲናት’ ሞይቶም

    በንያሚን ነታንያሁ

    ምንጪ ስእሊ, Prime Minister Benjamin Netanyahu / @netanyahu on X

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ እተካይዶ ዘላ ስርሒት፡ ብሰሉስ 11 ወተሃደራታ ምቕታሎም ስዒቡ፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ‘ፍትሓዊ ኲናት’ ሞይቶም ኢሉ።

    ነታንያሁ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኣብ ከቢድ ኲናት ኢና ዘለና። ነዊሕ ኲናት እዩ ክኸውን። ኣብኡ (ኣብቲ ኲናት) ኣገደስቲ ዓወታት ኣለዉና፤ ግን ድማ ዘቐንዙ ክሳራ ኣለዎ” ክብል ተዛሪቡ።

    “ሕድሕድ ወተሃደርና ሙሉእ ዓለምና ምዃኑ ንፈልጥ።

    “ወተሃደራትና ኣብ ፍትሓዊ ኲናት ወዲቖም፤ ንሃገርና ኣብ እንገብሮ ኲናት። ዜጋታት እስራኤል ቃል እኣትወልኩም፤ ተልእኾና ክሳብ እንፍጽም ክንቅጽል ኢና፤ ክሳብ እንዕወት ክንቅጽል ኢና” ኢሉ።

    ሰራዊት እስራኤል ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ናይ ዝሞቱ ወተሃደራት ዝርዝር ኣብ ድሕረ ገጹ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

    እቲ ድሕረ ገጽ ናይቶም ትማሊ ዝሞቱ 11 ወተሃደራት ሽምን ስእልን ዝዘርገሐ ኮይኑ፡ ካብ ክሊ ዕድመ 19 ክሳብ 24 ዝርከቡ እዮም።

    እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅመር 326 ወታሃደራት እስራኤል ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ መብዛሕተኦም ኣብታ ሓማስ ከቢድ መጥቃዕቲ ዝፈጸመላ 7 ጥቅምቲን ቅንያቱን ዝሞቱ እዮም።

  12. ኲናት ካብ ዝውላዕ ንደሓር 11,000 ዒላማታት ተሃሪሙ - ሰራዊት እስራኤል

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ምስ ሓማስ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ 11,000 ዒላማታት “እቲ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ” ከምዝሃረመ ገሊጹ።

    ኣብ ጃባልያ ኣብ ኣብ ጥቓ ቤት ትምህርቲ፡ ማእከል ጥዕናን መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈትን ዝርከብ ሓደ ህንጻ፡ ኣባላት ሓማስ ከምዝተርኣዩን፤ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ድሒሩ ዝወጸ መግለጺ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (ኣይዲኤፍ) ይሕብር።

    ኣይዲኤፍ ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኣብ ጃባልያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ከምዝተቐተለን ትሕተ-ቅርጺ ሓማስ ከምዘዕነወን እዩ ገሊጹ።

    ኣይዲኤፍ ኣብ ዝደሓረ መግለጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መኪና መጥቃዕቲ ኣየር ክፍጸም ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ።

    እታ መኪና ጸረ ታንክ ሚሳይል ጽዒና ናብ ሓይልታት እስራኤል ገጻ ትጓዓዝ ምንባራ ሓቢሩ።

  13. ክርስቲያን ቓዛ፡ ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ኣጽሊሎም ውሕስነት ይደልዩ

  14. እስራኤል ሚሳይል ዝዓጠቓ መራኽብ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ልኢኻ

    ትማሊ ኣብ የመን ዝመደበሩ ዕጡቕ ጕጅለ ሑቲ፡ ንእስራኤል ሰለስተ ግዜ ብሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዘጥቅዓን፤ መጥቃዕቱ ክቕጽል ምዃኑን ገሊጹ።

    "ሓያለ" ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከብ ዒላማታት ከምዝሃረመ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሶም።

    የመን፡ ካብ እስራኤል ንደቡብ ኣማኢት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ትርከብ።

    ሕጂ ድማ፡ ሰራዊት እስራኤል፡ ሚሳይላት ዝዓጠቓ መራኽብ ትማሊ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘዋፈረ ገሊጹ።

    እዚ ከኣ "ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ሓይሊ ምክልኻል" ንምድልዳል ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጽ።

    ረቡዕ ምሸት፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኤይላት ኣብ ዝርከብ ቀይሕ ባሕሪ "ካብ ኣየር ዝመጸ ሓደጋ ከምዝዓገተ" ገሊጹ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሓንቲ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ የመን ንዝተተኰሰ ሚሳይላት ሃሪማ ከም ዘውደቐት ሰበስልጣን ኣመሪካ ሓቢሮም ነይሮም።

    ኣፈኛ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ - ፐንታጎን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ብዕጡቓት ሑቲ ከም ዝተተኰሰ ዝተገልጸ ሚሳይላት፡ "ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ዒላማታት ንምህራም ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

    ሓያለ ሰብኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ዝበርዓና እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    እስራኤል ሚሳይል ዝዓጠቓ መራኽብ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ልኢኻ

    ምንጪ ስእሊ, IDF

  15. ቻይና ንእስራኤልን ሓማስን ንምዕራቕ ሚዛናዊት ዶ ትኸውን?

    ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተወልዐ ግጭት እናተጓሃሃረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ምዕባለታት ይርአ ኣሎ - ቻይና መንጐኛ ኰይና ትቕልቀል ኣላ።

    ቻይና ነቲ ምስታ ንሓማስ እትሕግዝ ኢራን ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ተጠቂማ፡ ነቲ ኵነታት ከተህድኦ ትኽእል እያ ዝብል ተስፋታት ኣሎ።

    እንተዀነ፡ ቻይና ንነዊሕ እዋን ብቕሉዕ ተደናጋጺት ፍልስጤማውያን ኰይና ብምጽንሓ፡ ሚዛናዊት ንምዃን ከም እትጽገም ይግለጽ።

    እቲ ዝምድና ንነዊሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ መስራቲ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ማኦ ዘቱንግ፡ ቃልሲ ፍልስጤማውያን ንምሕጋዝ ኣጽዋር ልኢኹ ምንባሩ ይፍለጥ።

    ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት፡ ቻይና ቍጠባዊ ማዕጾኣ ከተርሑ እንከላ ምስ እስራኤል ዝመድናኣ ኣመሓዪሻ። እንተዀነ ንፍልስጤማውያን ምድጋፍ ክትቅጽል ምዃና ብንጹር እያ ኣፍሊጣ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ዝርከቦም ሰብመዚ ቻይና፡ ምምስራት ነጻ ሃገረ ፍልስጤም ኣገዳሲ ምዃኑ ክዛረቡ ተሰሚዖም እዮም።

    እዚታት ተደማሚሩ እዩ እምበኣር፡ ቻይና ምስ መንግስቲ እስራኤል ንእትገብሮ ዝርርብ ብኣሉታ ክጸሉ ዝኽእል።

  16. ቻይና ካብ ኲናት እስራኤል - ሓማስ እንታይ እያ ትደሊ ዘላ?

  17. ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒና

    ስዑዲ ዓረብ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር "ኢሰብኣዊ" ክትብል ኮኒናቶ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ መጥቓዕቲ "ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ" ሓቢሩ።

    እስራኤል ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት መጥቃዕቲ ኣየር ምፍጻማ ክተረጋግጽ እንከላ፤ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ምቕታላን እቲ ጉጅለ ዝጥቀመሉ መርበብ ገለርያታት ምዕናዋን ትገልጽ።

    ብዝሒ በዚ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ 120 ከምዝበጽሕ ሓደ ሓኪም ካብቲ ቦታ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

  18. እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መራሒ ሓማስ ቀቲለ ኢላ

    እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻማ ዝተወስደ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻሙ፡ በቲ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ምቕታሉ ኣፍሊጡ።

    እቲ ዝተቐትለ ኣዛዚ ሓማስ ኢብራሂም ቢኣሪ ዝተባሃለ ምዃኑ ዝሓበረ መግለጺ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝነበረ ብርክት ዝበሉ ዘገለርያታት እውን ምዕናው ገሊጹ።

    እስራኤል ኣብቲ መዓስከር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ብዙሕ ነቐፌታት ይበጽሓ ኣሎ።

    ትካላት ጥዕና ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ዓቢይ መዕቘቢ ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይገልጹ።

    ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሓደ ሓኪም፡ ሆስፒታሉ 120 ኣስከሬናት ከምዝተቐበለ ተዛሪቡ።

  19. ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ኵነታቶም እንታይ ይመስል?

  20. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈመ ደብዳብ ብዙሓት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ

    ጃላብያ ድሕሪ ደብዳብ ህይወት ከድሕኑ ዝጓየዩ ነበርቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሓደ ኣብ ቓዛ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘካየዶ ደብዳብ ሓያለ ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ካብታ ዞባ ይሕብሩ ኣለዉ።

    ቅድሚ ኲናት ምውልዑ ኣብታ ጸቢብ ጎደናታት ዘለዋን 1.4 ትርቢዒት ኪሜ እትኸውንን መዓስከር ጃባልያ ኣስታት 116 ሽሕ ሰባት ይነብሩ ነይሮም።

    ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ፡ እታ መዓስከር ብቐጻሊ ክትድብደብ’ያ ጸኒሓ። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ነበርታ ተፈናቒሎም’ዮም።

    ድሕሪ’ቲ ናይ ሎሚ ደብዳብ ግን ብዙሓት ሰብ ከድሕኑ ኣብቲ ዝዓነወ ህንጻታት ላዕልን ታሕትን ክብሉ ምርኣዮም ኩሎም ከምዘይወጹ ዘመልክት’ዩ።

    ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ዘለዋ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ 1948 ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ፍልስጤማውያን ዝሓዛ ኮይነን ብደገፍ ፍሉይ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝናበራ እየን።

    ሰራዊት እስራኤል ይኹን ካልኦት ሰብመዚ እታ ሃገር ዛጊት ብዛዕባ መጥቃዕቲ እታ መዓስከር ዝሃብዎ መግለጺ የለን.