ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ‘ውሑስ ቦታ’ የለን ኢሎም

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ግን፡ ምቍራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤል ብኸመይ ነቲ ኲናት ተካይዶ ኣገዳሲ’ዩ- ብሊንከን

    ምስ ሰበስልጣን እስራኤል ንምዝርራብ ናብ ተል ኣቪቭ ዝተመለሰ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እስራኤል ርእሳ ክትከላኸል ንዘለዋ መሰል ሃገሩ ከምእትድግፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

    እቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁን ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግን ዝተራኸበ ኣንቶኒ ብሊንከን እስራኤል በኸመይ ትከላኸል ግን ኣገዳስነት ኣለዎ ክብል ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መብርሂ ገሊጹ።

    “ኣብ ጎኒ እስራኤል ጸኒዕና ደው ኢልና ኣለና. . .ርእሳ ክትከላኸልን እቲ ናይ 7 ጥቅምቲ [መጥቃዕቲ ሓማስ] ደጊሙ ከይፍጸም ክትገብርን መሰልን ሓላፍነትን ኣለዋ”።

    እንተኾነ ግን፡ “እስራኤል ብኸመይ ነዚ ትገብሮ የገድስ’ዩ” ብምባል “ኣብቲ ሓማስ ዝፈጠሮ ሓዊ” ዝተቐርቀሩ ሲቪላውያን ውሕስነት ብዝህብ ክካየድ ኣለዎ ክብል ተማሕጺኑ።

    ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተኸርዲኖም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ዝበጽሓሉ ኩነታት ንምፍጣር ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ምዃነን እቲ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምቅላል ግዝያዊ “ሰብኣዊ” ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ከምዘድሊ ተዛሪቡ ነይሩ።

  2. ብሓሙሽተ ከባቢታት ዝቕጽል ዘሎ ውግእ እስራኤልን ሓማስን

    ሎሚ፡ ሓይልታት እስራኤል ብምድሪ መጥቃዕቲ ኣብ ዝወስድሉ ዘለው እዋን፡ ሎሚ ብሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ቓዛን ሰሜንን ውግእ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ምዕራብ ቓዛ እቲ ዝዓበየ ወራር ዝካየደሉ ዘሎ’ዩ።

    ሰራዊት እስራኤል ምስ ዕጡቓት ሓማስ፡ ብነፍርቲ፣ ባሕርን መሬትን ይዋጋእ ኣሎ።

    ሓማስ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ሓይልታቶም ጸረ-ሚሳይል ታንክታት ተጠቒሞም ይዋግኡ ከም ዘለው ገሊጹ።

    እስራኤል ኣብ ቓዛ ትወስዶ ዘላ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ትማሊ ለይቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሆስፒታል ኣል-ቑድስ መጥቃዕቲ ፈጺማ።

    ኣብዚ ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት ተዓቚቦም ይርከቡ።

    መብዛሕትኡ ጽርግያታት ስለ ዝተበላሸወ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ መሽን መድሕን ህይወት ኰይኖም ክሕከሙ ዝጸንሑ ሸሞንተ ሰባት ምንቅስቓስ ከም ዘይተኽኣለ እቲ ሆስፒታል ሓቢሩ።

    ካብቲ ሆስፒታል ኣስታት 500 ሜትሮ ርሒቑ ድማ ከቢድ ውግእ ይካየድ ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

    እስራኤል፡ ንቐንዲ ካብ ቓዛ ውጽኡ ክልተ መገዲታት ስለ እትቈጻጸሮም፡ ካብ ቓዛ ምውጻእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይርከብ። ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም’ዮም ናብ ደቡብ ዝግስግሱ ዘለው።

    ክልተ ሲሶ ህዝቢ፡ ገለ ዓይነት ሓገዝ ዝረክብ ዘሎ ኰይኑ፡ ሎሚ ኣስታት 300 ረድኤት ዝጽዓና መካይንን ካልኦት 100ን ክኣትዋ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ሰሜን ቓዛ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ኵነታት ከም ዘሎ ይግለጽ።

    ኣብ ቓዛ፡ ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ማይን ኢንተርነትን የብሎምን።

  3. ሕቡራት ሃገራት፡ ሓገዝ 1.2 ቢሊዮን ዶላር ክሓትት'ዩ

    ኣብ ዶብ ራፋህ ካብ መኪና ዝወደቐ ረድኤት ዳግም እንትጽዓን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሕቡራት ሃገራት፡ መጻኢ ሰኑይ 2.7 ሚሊዮን ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል ሓገዝ 1.2 ቢሊዮን ዶላር ክሓትት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    እዚ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ንመላእ 2.2 ሚሊዮን ህዝቢ ቓዛን ኣብ ዌስት ባንክ ዝርከቡ 500 ሽሕ ሰባትን ንምሕጋዝ ዝውዕል ምዃኑ ሓቢሩ።

    እዚ፡ ካብቲ ብ12 ጥቅምቲ ዘቕረቦ ሓገዝ 294 ሚሊዮን ዶላር ዝዛየደ ዘሰንብድ ወሰኽ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ “ዝያዳ ተስፋ ዘቑርጽ” ኢሉ ዝገለጾ ኵነታት ግን ዘንጸባርቕ እዩ።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ ሓገዝ ገንዘብ ዝረክብ እንተድኣዀይኑ፡ ማይ፣ መግቢ፣ ጥዕናን መዕቖብን ንምቕራብን ናብ ንቡር ንምምላስን ዝውዕል ክኸውን’ዩ።

    “ጠለባት 2.7 ሚሊዮን ህዝቢ ንምምላእ ዝወጽእ ወጻኢታት 1.2 ቢሊዮን ዶላር ክኸውን ይግመት” ይብል ኦቻ።

    ይኹን’ምበር፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ገንዘብ ጥራይ ዝምርኰስ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ “ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ውሑሱን ዘላቕን ኵነታት ምህላው፣ ኣብ እኹል ዋሕዚ ሰብኣዊ ቀረብ ብዓብይኡ ነዳዲ” ዝምርኰስ ምዃኑ ገሊጹ።

    እስራኤል፡ ሓማስ መጥቃዕታቱ ንምቕጻል ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ ብዝብል ክሳብ ሕጂ ናብ ቓዛ ነዳዲ ክኣቱ ኣየፍቀደትን።

  4. ብሊንከንን ኔታንያሁን ኣብ ቴልኣቪቭ ተራኺቦም

    ብሊንከን ምስ ኔታንያሁ ተራኺቡ

    ምንጪ ስእሊ, @IsraeliPM

    ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁን ሎሚ ኣብ ቴሌኣቪቭ ከም ዝተራኸቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

    እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጠቅዖም ምስልታት ክልቲኦም መራሕቲ፡ “ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሕጂ ምስ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቴልኣቪቭ ውልቃዊ ዝርርብ የካይድ ኣሎ። ምስ ካቢኔ ኲናት’ውን ክራኸቡ’ዮም” ኢሉ።

    ሓማስ፡ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽም ንድሓር፡ ብሊንከን ሎሚ ንሳልሳይ ግዜ’ዩ ናብ እስራኤል ዝበጽሕ ዘሎ።

    እቲ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ሳዕቤን ንምንካይ እስራኤል “ተሪር ስጉምቲ” እትወስደሉ መገዲ ንምንዳይ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ ነይሩ።

    ቀጻሊ ናብ ዮርዳኖስ ከም ዝጉዓዝ’ውን ትጽቢት ይግበር።

    ኣብዚ እዋን፡ እስራኤል ንቓዛ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝኸበበታን ምስ ዕጡቓት ሓማስ ትዋጋእ ከም ዘላን ኣፍሊጣ።

  5. መራሒ ሒዝቦላህ ሎሚ ዘረባ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር

    ስእሊ መራሒ ሒዝቦላህ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መራሒ ሒዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ፡ ኲናት እስራኤል-ሓማስ ካብ ዝጅመር ንድሓር ንፈለማ እዋን ሎሚ ዘረባ ከም ዘስምዕ ተገሊጹ።

    መራሒ ጉጅለ ሺዓ ሙስሊም ሊባኖስ ዝዀነ ናስራላህ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣደባባይ ንሰዓብቱ ዝበሎ ነገር የለን።

    ሒዝቦላህ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል፡ ክሕብር እዩ ተባሂሉ ድማ ትጽቢት ይግበር።

    ዕጡቓት ሒዝቦላህ ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ጐንጺ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።

    እቲ ከባቢ ካልእ ግንባር ኲናት ከይኽፈት ተሰጊኡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ጐንጺ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ኣይተራእየን።

    ኣሜሪካ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ሒዝቦላህ ጉጅለ ሽበራ ኢለን ኰኒነንኦ እየን።

    እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ሊባኖስ ቀንዲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይሊ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይፍለጥ መራሒ ሓሰን ናስላራህ፡ እቲ ዘስምዖ ዘረባ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሎም ከባቢታት ብቀጥታ ከም ዝመሓላለፍ ተገሊጹ ኣሎ።

    እቲ ጕጅለ፡ ሚሳይላት ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ዘለዎን ናብ እስራኤል ክኣቱ ዝኽእልን ኰይኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ግቡእ ስልጠና ዝወሰዱ ተዋጋእቲ ኣለውዎ።

  6. ካብ ስርሑ ዝተኣገደ ኣባል ባይቶ ብሪጣንያ እንታይ ኢሉ?

    ኣንዲ ማክዶናልድ

    ምንጪ ስእሊ, PA Media

    ኣባል ባይቶ ተቓዋሚ ሰልፊ እንግሊዝ ሌበር ኣንዲ ማክዶናልድ፡ ንፍልስጤም ኣብ ዝድግፍ ሰልፊ ተረኺቡ ኣዝሃቦ ርኢይቶ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

    ኣብቲ እዋን፡ “ኣብ ሞንጐ ሩባን ባሕን” ዝብል ርኢይቶ ክህብ እንከሎ፡ እዚ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ብሰላም ብሓባር ንክነብሩ መልእኽቲ ንምሕላፍ ብዝብል ዝተጠቐምኩሉ’ዩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    “ብፍጹም ንምትንዃይ ዘይኰነ ንጉዳይ ሰላም ንምስዓብ’ዩ። ማለት፡ ኵሉ ሰብ ነተን ዝተጠቐምኩወን ቃላት ክምልከት እምሕጸን። (ንሱ ድማ) እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ብሰላማዊ ሓርነት ብሓባር ንክነብሩ ዝጽውዕ’ዩ” ኢሉ።

    ብዙሓት ሰባት፡ እቲ “ኣብ ሞንጐ ሩባን ባሕርን” ዝብል ሓረግ ጸረ-ሴማውነት’ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

    ናይዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ኣይሁድ፡ ኣብ ናይ ኣይሁድ ሃገር ኣብ ሞንጐ ሩባ ዮርዳኖስን ባሕሪ ሜድትራንያንን ክነብር ኣይኽእልን ስለ ዝብል’ዩ።

    ኣባል ባይቶ ማክዶናልድ፡ ብ28 ጥቅምቲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝሃቦ ርኢይቶ ስዒቡ፡ ክልቲኡ ወገን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ከምጽኡ ዘለዎ ረብሓ ንምግላጽ ዝጥቀሞም ቃላት ተጠንቂቑ ክመርጽ ምተገብአ ብዝብል ካብ ኣባልነት ተኣጊዱ ይርከብ።

    “እቲ ናባይ ዝለገበ ቃላት ዘይኰነ ብዛዕቢ እቲ ዝተጠቐምኩሉ ቃላት ቅኑዓት ንኹን፤ ምኽንያቱ ፍትሒ ክሳብ ንረክብ፣ ኩሉ ሰብ፣ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን፣ ኣብ ሞንጐ ሩባን ባሕርን ብሰላማዊ ሓርነት ንክነብር ኣይነዕርፍ ኢና እየ ኢለ” ይብል።

    ህላወ ክልቲአን ሃገራት መፍትሒ ክኸውን’ዩ ኣብ ዝብል ትኣምን ዲኻ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣንዲ፡ “ካብዚ ራዕዲ ንክንወጽእ ዝሕግዘና መስርሕ ሰላም ኣድሂበ ናብ ኣምላኽ ዘብጻሕኩዎ ጸሎት፡ ሃገረ እስራኤልን ሃገረ ፍልስጤምን ብሓባር ዝነብራሉ ሰረት ክኸውን ኣለዎ ንምባል ዝተዛረብኩዎ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።

    ወሲኹ፡ “እስራኤል ክትዓኑ ወይ ክትጠፍእ ዝጽውዕ ሰብ ይኹንኖ፤ ወይ ንጥፍኣት ፍልስጤም ዝጽውዕ ሰብ ይኹንኖ። ስለዚ እቶም ዝተጠቐምኩሎም ቃላት ግልጺ’ዮም። ከምዚ ዓይነት ጉድኣት ዘብጽሕ ርኢይቶ ኣይህብን” ኢሉ።

    ሰልፊ ዕዮ፡ እቲ ማክዶናልድ ዝሃቦ ርኢይቶ ዝምልከት መርመራ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።

    ማክዶናልድ፡ ኣብቲ ንፍልስጤም ኣብ ዝድግፍ ሰልፊ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ “ፍትሒ ክሳብ እንረክብ ኣይነዕርፍን። ኩሎም ህዝብታት - እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን-- ኣብ ሞንጐ ሩባን ባሕርን ብሰላማዊ ሓርነት ክነብሩ ይኽእሉ’ዮም” ብምባል፡ “ሓራ፤ ናጻ ፍልስጤም” ክብል ተዛሪቡ።

  7. ድሕሪ ሕጂ ‘ካብ ቓዛ ዝመጽአ ፍልስጤማዊ ሰራሕተኛ ኣይክህሉን’

    ኣብ እስራኤል ክሰርሑ ዝጸንሑ ቓዛውያን ናብታ ኣብ ትሕቲ ዕጽዋን ክባን እስራኤል እትርከብ ወሽመጥ ቓዛ ክምለሱ ምዃኖም መንግስቲ እስራኤል ኣፍሊጡ።

    “እስራኤል ምስ ቓዛ ዘለዋ ኵሉ ርክብ ትበትኽ እያ ዘላ። ካብ ቓዛ ዝመጽአ ፍልስጤማዊ ሰራሕተኛ ኣይክህሉን’ዩ። እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ካብ ቓዛ ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ኵሎም ናብ ቓዛ ክምለሱ’ዮም” ክብል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።

    ካቢኔ ጸጥታ እስራኤል ብወገኑ፡ “ንወሽመጥ ቓዛ ተባሂሉ ንበዓል መዚ ፍልስጤም ዝተሰልዐ ገንዘብ ክጐድል” ተሰማሚዑ።

    በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ሓማስ ካብ ዘመሓድሮ ወሽመጥ ቓዛ ወጻኢ ንዘሎ ንከባቢታት ዌስት ባንክ ዝቈጻጸር ኣካል እዩ።

    ቅድሚ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተወልዐ ጐንጺ፡ ኣስታት 18,500 ፍልስጤማውያን ናብ እስራኤል ክኣትው ዘኽእሎም ፍቓድ ረኺቦም ከም ዝነበሩ ሓበሬታ ሲቪላዊ ጉዳያት ፍልስጤማውያን ዝከታተል ኣካል ምክልኻል እስራኤል ዝዀነ ኮጋት የመልክት።

    ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ክትፍጽም ጸኒሓ ኣላ።

    ነዚ ስዒቡ ልዕሊ ትሸዓተ ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ የመልክት።

  8. ኣንቶኒ ብሊንን እስራኤል ኣትዩ

    ኣንቶኒ ብሊንከን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ምስ ሰብ መዚ እስራኤል ክዘራረብ ትጽቢት ዝግበረሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቴልኣቪቭ ኣትዩ።

    ብሊንከን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ዘሎ ጕድኣት ኣብ ዝንክየሉ መዳይ ከም ዝዘራረብ ድማ ተገሊጹ።

    ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ብሊንከን ናብ እስራኤል ምብጻሕ ገይሩ ምንባሩ ይዝከር።

    እቲ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ሳዕቤን ንምንካይ እስራኤል “ተሪር ስጉምቲ” እትወስደሉ መገዲ ንምንዳይ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ ነይሩ።

    ቀጻሊ ናብ ዮርዳኖስ ከም ዝጉዓዝ’ውን ትጽቢት ይግበር።

    ኣብዚ እዋን፡ እስራኤል ንቓዛ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝኸበበታን ምስ ዕጡቓት ሓማስ ትዋጋእ ከም ዘላን ኣፍሊጣ።

  9. እስራኤል ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ስምረት ኣለዋ'ዶ?

  10. እቶም ቀንዲ ምዕባለታት

    ኣጽዋር እስራኤል

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    • ሰራዊት እስራኤል “ከበባ ከተማ ቓዛ ከምዝዛዘመ”ን ሓማስ ዝጥቀመሉ ቦታታት ከጥቅዕ ከምዝጀመረን ገሊጹ። እታ ከተማ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እታ ዝዓበየት ኰይና፡ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረላ ክፋል ናይቲ ግዝኣት እያ ነይራ።
    • ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ከም መዕቆቢ ዘገልግላ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቱ፡ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ከምዝተሃስያ ኣፍሊጡ። ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ዝምልከት ትካል ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ።
    • ውሱናት ዜጋታት ካብ ቓዛ ብናይ ኣፍደገ መሳገሪ ራፋ - ዶብ ግብጺ፡ ትማሊ ረቡዕ ክወጹ ክኢሎም። ሰበስልጣን ግብጺ፡ ብሓሙስ 21 ዝተጐድኡን ከምኡ’ውን 72 ህጻናት ዝርከብዎም ፍልስጤማውያን ናብ ግብጺ ከም ዝኣተዉ ኣፍሊጦም። ካልኦት 344 ፓስፖርት ወጻኢ ሃገራት ዝሓዙ ሰባት ከምዝተቐበሉ’ውን ብተወሳኺ ገሊጾም።
    • ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ቓዛ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ። እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዘካየዶ ሓደገኛ መጥቃዕቲን 1400 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን እዩ ተጀሚሩ። ካብ ሽዑ ጀሚራ እስራኤል "ንሓማስ ንምጥፋእ" ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ ቓዛ ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ቦምባታት ተናዊጻ።
    • ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሕዝቦላህ ብተወሳኺ ክልተ ነታጒ ዝሓዛ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሙ ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ንዝርከብ ኣካታዒ ከባቢ ሰራዊት እስራኤል ከምዘጥቅዐ ገሊጹ።
  11. ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ውግእ በጺሕና ናብ ቓዛ ንግስግስ ኣለና - ናታንያሁ

    ሓይልታት እስራኤል ናብ ውሽጢ ቓዛ ይግስግሱ ከምዘለዉ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ገሊጹ።

    ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ውግእ በጺሕና ኣለና” ኢሉ።

    “ዝድነቕ ዓወታት ኣመዝጊብና፡ ንወሰናስን ከተማ ቓዛ ሓሊፍናዮ ኣለና። ንግስግስ ኣለና” ይብል እቲ መግለጺ።

    እንተኾነ ግን ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃበና ሓበሬታ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሓሙሽተ ከባቢታት ምስ ሓይልታት ሓማስ ገጢሙ ነይሩ።

  12. ቁጽሪ ብደብዳብ ዝሞቱ ነበርቲ ቓዛ ልዕሊ 9000 በጺሑ

    ቓዛ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ደብዳብ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ ደብዳባት ብውሕዱ 9,061 ሰባት ተቐቲሎም።

    ብሓማስ ዝምራሕ ሚስትሪ ጥዕና እታ ዞባ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ቁጽሪ ግዳያት መዓልታዊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

    ሎሚ ኣብ ጥቓ ብሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ሓደ ቤት-ትምህርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ጥራይ 27 ሰባት ከምዝቐተለ እቶም ሰብመዚ ሓቢሮም።

    ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኣብ መዓስከር ጃባልያ ዝርከብ ቦታ መጥቃዕቲ ቁሱላት ሰባት ከምዝነበሩ ይገልጽ።

    ዓለምለኻዊ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤም-ኤስ-ኤፍ) ከምዝብሎ ድማ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ቁሱላት ቓዛ ኣብታ ዞባ ተቐርቂሮም ኣለዉ።

    ብረቡዕ ኣስታት 100 ዝኾኑ ቁሱላት ናብ ግብጺ ክወጹ ከምዝተፈቕደሎም ይዝከር።

    ኣብቲ ሓማስ ዘካየድዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ፡ 1400 ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 200 ተጨውዮም ዝተወስዱ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ።

  13. ክልተ ዶባተን ዝተነጸረ ሃገራት ምምስራት ለባም ፍታሕ እዩ - ኣቡነ ፍራንሲስ

    ኣቡነ ፍራንሲስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤልን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ክልተ ሃገራት ምምስራት ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

    ምስ ኢጣልያዊ ተለቪዥን ራይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለመሕትት “ክልተ ዶባተን ዝነጸረ ሃገራት” ተመስሪተን፡ ከተማ ዮሩሳሌም ድማ ፍሉይ ስምምዕ እንተ ተገይሩላ፡ ሰላምን ምርግጋእን ክፍጠር ከምዝኽእል ኣሚቶም።

    እቲ “ፍታሕ ክልተ ሃገራት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉጥ እማመ ሰላም፡ ፍልስጤማውያን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዋ ሃገር ክትህልዎምን፡ እስራኤል ድማ ጸጥታዊ ውሕስነታን ኣፍልጦ ፍልስጤማውያንን ክትረክብ ዝጠልብ’ዩ።

    “እቲ ኣብታ ቅድስቲ ምድሪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት የፍርሓኒ’ዩ” ዝበሉ ኣቡነ ፍራንሲስ “እዞም ሰባት ብኸመይ’ዮም ነዚ ዛንታ’ዚ ክቕይርዎ?” ክብሉ ተዛሪቦም።

    ነቲ ጎንጺ ምሕያሉ “መወዳእታ ብዙሕ ነገራትን ብዙሕ ህይወትን ክኸውን’ዩ” ድማ ኢሎም።

    ምስቶም ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘለዉ፡ ካህናትን ደናግልን እታ ቤተክርስትያን መዓልታዊ ብተሌፎን ከምዝራኸቡ እቶም መንፈሳዊ መራሒ ገሊጾም። ኣብተን ኣብያተክርስትያናት 560 ዝኾኑ ውሑዳት ኣስላም ዝርከብዎም ኣመንቲ ክርስትና ኣዕቊቦም ከምዘለዉ ይግለጽ።

    “ፈጣሪ ይመስገን፡ ንሕጂ ሓይልታት እስራኤል ነተን ኣብያተ ክርስትያናት ኣኽቢሮመን ኣለዉ።”

  14. ኣብ ቓዛ- እስራኤል ዝተኸሰቱ ቀንዲ ጕዳያት

    ግዳያት መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ዝዀኑ ቓዛውያን

    ምንጪ ስእሊ, Shutterstock

    እስራኤል ብደብዳብ ነፈርቲ፡ ብመሬትን ባሕርን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብዝተዋደደ መልክዑ እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ ቀጺሉ ኣሎ።

    ትማሊ ምሸት፡ ምስ ሓማስ ከቢድ ውግእ ከም ዝተኻየደ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ።

    ኣብ ቀረባ ካብ ዝተኸሰቱ ምዕባለታት ክንርኢ እንከለና፡

    • ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ሓደ ጐስጓስ መረጻ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንዘረባ እቲ ፕረዚደንት ብምዅላፍ ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበር ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪባ። ብድሕሪ'ዚ እቲ ፕረዚደንት ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕ ግዚያዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር መልእኽቲ ኣሕሊፉ። “ከም ናተይ ግምት ብግዝያውነት ደው ክብል ኣለዎ፤ ምግታእ ማለት እሱራት ንምውጻእ ግዜ ምሃብ ማለት’ዩ” ክብል ተዛሪቡ። እዚ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱን ብሓማስ ዝተወስዱ 240 ሰባት ንምፍታሕን ከም ዝሕግዝ ዋይት ሃውስ ይገልጽ።
    • ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ንፈለማ እዋን ልዕሊ 400 ዜጋታት ሃገራት ወጻእን ጕድኣት ዝወረዶም ፍልስጤማውያንን ንፈለማ እዋን ካብ ቓዛ ክወጽኡ ፍቓድ ረኺቦም። ካብዞም ዜጋታት እንግሊዝን ኣመሪካን ይርከቡዎም።
    • ብሸነኽ ግብጺ ዘሎ ዶብ ፋራ ተዓጽዩ'ኳ እንተጸንሐ ናብ ቓዛ ረድኤት ንምእታው ተኸፊቱ ነይሩ’ዩ
    • ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ መዕቘቢ ስደተኛታት ጃባሊያ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዝምልከት፡ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ጃባሊያ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ህንጻ መአዘዝን መቈጻጸርን ሓማስ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸማ ብምግላጽ፡ “በዚ ክልተ ኣሸበርቲ ሓማስ ተቐቲሎም” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
    • እስራኤል፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ጃባሊያ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ፈጺማ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጽለሊ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ፣ ከም ዝተጐድኡ ወይ ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።
    • ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ መዕቈቢ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምዅናን፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ብእስራኤል ዝተፈጸመ “ገበን ኲናት” ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሱ።
    • ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 162 ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ጀነራል ኢትዚክ ኮሀን ሰራዊቱ ናብ ቓዛ ይኣቱ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
  15. ኣውስትራሊያ፡ እስራኤል 'ልጓም' ክትገብር ዝቐርቡ ጻውዒታት ክትሰምዕ ኣለዋ ኢላ

    ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ፔኒ ዎንግ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ገለ ካብቶም ትማሊ ካብ ቓዛ ናብ ራፋ - ግብጺ ካብ ዝሰገሩ ሰባት ዜጋታት እታ ሃገር ከም ዝርከብዎም ኣፍሊጡ።

    ሚኒስተር ፔኒ ዎንግ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ክልተ ኣባላት ስድራን ቀዋሚ ተቐማጢን ዝርከቡዎም 20 ኣውስትራሊያውያን ትማሊ ናብ ግብጺ ከም ዝሰገሩ ገሊጻ።

    “እዚ ቀዳማይ ጕጅለ ክወጽእ ብምኽኣሉ ኣዝየ ተሓጒሰን ሩፍታ ተሰሚዑንን’ዩ” ኢላ።

    ንእስራኤል ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ድማ፡ “ማሕበረሰብ ዓለም ቀጻሊ ሞት ንጹሃን ሰባት ኣይቅበልን’ዩ። ስለዚ ፈተውቲ እስራኤል፡ እስራኤል ልጓም ክትገብር ክላበዋ እንከለዋ፡ ፈተውቲ እስራኤል፡ ህይወት ሲቪላት ክትሕሉ ንዘቕረባኦ ምሕጽንታ፡ እስራኤል ክትሰምዕ ወሳኒ’ዩ” ኢላ።

    ካብ ትማሊ ጀሚሩ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብራፋ ኣቢሎም ይወጽኡ ኣለው።

    ራፋ፡ ብሸነኽ ደቡብ ካብ ቓዛ እተውጽእ መገዲ ኰይና፡ ምስ ሲናይ ትዋሰን።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣትው ኰነ ሰባት ክወጽኡ እተኽእል እንኮ መገዲ እያ።

    ፓስፖርት ኣሜሪካ ዘለዋ ሱዛን በሳይሶ ፍልስጤማዊት ካብ ቓዛ ክትወጽእ ፍቓድ ትጽበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ፓስፖርት ኣሜሪካ ዘለዋ ሱዛን በሳይሶ ፍልስጤማዊት ካብ ቓዛ ክትወጽእ ፍቓድ ትጽበ

    ሕቡራት ሃገራት፡ 81 ዝቘሰሉ ፍልስጤማውያን ኣብ ሜዳ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ግብጺ ከም ዝተወስዱን 345 ፓስፖርት ወጻኢ ዝሓዙ ሰባት ካብ ቓዛ ከም ዝወጽኡን ይገልጽ።

    ሎሚ ድማ፡ ፓስፖርት ወጻእን ክልተ ዜግነትን ዘለዎም ኣስታት 600 ሰባት ካብ ቓዛ ክወጽኡ ተመዝጊቦም ኣለው። ካብዚኦም እቶም ኣስታት 400 ዜግነት ኣሜሪካ ዘለዎም’ዮም።

    እስራኤልን ግብጽን ኣዝዩ ጥቡቕ ክትትል ሓለዋ ዝገብራሉ ምዕቡል ኣገልግሎት ድሕነት እዩ ዘለወን።

    ስለዚ፡ ካብ ቓዛ መን ይወጽእ ከም ዘሎ ሓደ ብሓደ ክምርምራ እየን።

    እተን ጸለውቲ ዝበሃላ ሃገራት ዜጋታተን ንምውጻእ ይደፍኣ ኣለዋ።

    ኣመሪካ ድማ፡ ኣብዚ ዝርዝር ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ትኽእል።

    ገለ ሩስያውያን ኣብ ቓዛ ተዓጽዮም ከም ዘለው ዝገልጹ ጸብጻባት እስራኤል ኣለው። ምስ ሓማስ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎም ሩስያውያን ድማ ዜጋታቶም ናብ ቅድሚት ሪጋ ንምምጻእ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለው ይብሉ።

  16. ቻይና ኣብ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ዓራቒት ዶ ተበላጺት?

  17. ልዕሊ 20 ሽሕ ውጕኣት ሰባት ካብ ቓዛ ክወጽኡ ኣይክኣሉን- ዶብ ኣልቦ ሓካይም

    ኣምቡላንሳት ግብጺ ኣብ መሳገሪ ራፋሕ ብኸቢድ ዝተጐድኡ ፍልስጤማውያን ከሳግራ ተራእየን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣምቡላንሳት ግብጺ ኣብ መሳገሪ ራፋሕ ብኸቢድ ዝተጐድኡ ፍልስጤማውያን ከሳግራ ተራእየን

    ልዕሊ 20 ሽሕ ውጉኣት ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተዓጽዮም ከም ዘለዉ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ሓቢሩ።

    ሰበ ስልጣን ግብጺ ከም ዝበልዎ 335 ወጻእተኛታት ወይ ክልተ ዜግነት ዘለዎም ሰባትን ካልኦት 76 ብኸቢድ ዝቖሰሉን ዝሓመሙን ሰባት ትማሊ ረቡዕ ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ናብ መሳገሪዶብ ራፋሕ ከም ዝመጽኡ ሓቢሮም።

    ኣምቡላንሳት ንዝተጎድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታላት ግብጺ ክወስዳ ከም ዝተራእያ ድማ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

    ኤምኤሴፍ ግን ዝበዝሑ ሰባት ክግዕዙ ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ ዝያዳ ወሳኒ ሓገዛት ክኣቱን ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ሓቲቱ። ኣብ ቓዛ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋጥም ልዑል ስክፍታታት ኣሎ።

    እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ናብ ቓዛ ክኣቱ ዝተፈቕደሉ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ፊሊፕ ላዛሪኒ፡ “ኩሎም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት መግቢ ይሓቱ ነይሮም፤ ማይ ይሓቱ ምንባሮም ኣሰንቢዱኒ” ኢሉ።

  18. ሓይልታት እስራኤል ምስ ሓማስ ከቢድ ውግእ ኣካይዶም

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ሎሚ ለይቲ ምስ ሓማስ ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደን፡ ብወገን ሓማስ "ዓሰርተታት" ሞት ከምዘጋጠመን ሓቢሩ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ሓማስ ጸረ-ታንክ ሚሳይላት ከምዝተኮሰን፡ ነታጒ ከምዝፈንጀረን ከምኡ’ውን ቦምባታት ናብ ሓይልታት እስራኤል ከምዝደርበየን ኣመልኪቱ።

    ከም ግብረመልሲ፡ ሓይልታት እስራኤል መዳፍዕ፡ ታንክታት፡ ካብ ሄሊኮፕተርን ከምኡ’ውን ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ከምዘካየደዩ ተገሊጹ።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልን ሓማስን ፊት ንፊት ከምዝገጠሙ’ውን ተሓቢሩ።

  19. 120 ሽሕ እስራኤላውያን ፍቓድ ዋንነት ኣጽዋር ንምርካብ ኣመልኪቶም

    ሕጋዊ ኣጽዋር ንምውናን ዝግበር ጉያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ይረአ ኣሎ።

    መሰልጠኒ ማእከላት ተዅሲ፡ ክእለቶም ንምምሕያሽ ብዝመጽኡ ሰባት ኣዕለቕሊቐን።

    ነዊሕ ሪጋ ዝሓዙ ዜጋታት ኣጽዋር ኣብ ዝሽየጡሎም ድኳናት ተሰሪዖም ኣጽዋር ንምግዛእ ብትዕግስቲ ይጽበዩ።

    እስራኤል፡ ሕጊ ዋንነት ኣጽዋር ድሕሪ ምልሕላሑ፡ ኣብዚ እዋን ገበናዊ ድሕረ ባይታን ጸገም ጥዕናን ዘይብሎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ፍቓድ ዋንነት ኣጽዋር ይረኽቡ።

    ውልቀ ሰባት ክሳብ 100 ፍረ ጠያይቲ ክሕዙ እውን ተፈቒዱሎም ኣሎ።

    ኣብ ጥቓ እየሩሳሌም ዝነብር ወዲ 41 ዓመት ጠበቓ ኦምሪ ሽናይደር "ሕጂ፡ ነዞም ኵሎም ክልከላታት ስለዘልዓሉዎም፡ ሽጉጥ ንምርካብ ቀሊል እዩ” ይብል።

    እንተዀነ ሽናይደር እቲ ውሳነ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ኣሎ።

    እቶም ንዜጋታት ዝዕደሉ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣጽዋር እንታይ ረብሓ ከምዝህልዎን ኣጨኒቕዎ ኣሎ።

    “ረብሓታት ኣለዎ፤ ግን ድማ ጉድኣት እውን ዘስዕብ እዩ። እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጥም ንፈልጦ ኢና። ቀሊል ውሳነ ኣይኰነን። ህዝቢ እስራኤል ውሑስ ንምግባር ግን ነዚ ክገብሮ ከምዘለኒ ይስመዐኒ።"

    ንነዊሕ እዋን ንዋንነት ኣጽዋር ክድግፍ ዝጸንሐ ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር በን-ግቪር፡ ኣብታ ሃገር እናዞረ ኣጽዋር ክዕድል ቀንዩ።