ሃገራት ኣፍሪቃ ተቓውሞአን ንምግላጽ ዲፕሎማሰኛታተን ካብ እስራኤል ይጽውዓ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ኩሎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታታ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣዚዛ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “በቲ ዝቕጽል ዘሎ ቅትለት ህጻናትን ንጹሃት ፍልስጤማውያንን ኣዚና ተሻቒልና ኣለና” ብምባል፡ ደብዳብ እሰራኤል ‘ናይ ኣልማማ መቕጻዕቲ’ዩ’ ክትብል ነቒፋ።
እቲ ስጉምቲ ድሕሪ’ቲ እስራኤል ብሰንበት ዘካየደቶ ካብ ዝጻዕጸዐ ደብዳብ’ዩ ተወሲዱ። ሰብመዚ እስራኤል ብወገኖም፡ ሲቪላውያን ንዘይምህራም ዝክኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ’ዮም ዝምጉቱ።
“ሻቕሎት ደቡብ ኣፍሪቃ ንምግላጽ ምልክት ክንህብ ኣገዳሲ ኮይኑ ተሰሚዑና’ሎ፡ ሓፈሻዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ንጽውዕ ኣለና” ትብል ሚኒስተር ፓንዶር።
ገረ ጫድ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ እሰራኤል ንዝርከብ ላዕለዋይ ወኪላ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከምእትጽውዕ ኣፍሊጣ’ላ።
ዲፕሎማሰኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምጽዋዕ፡ ዝምድና ምብታኽ ዘይኮነ መግለጺ ዲፕሎማስያዊ ተቓውሞ ምዃኑ ይፍለጥ።












