ኣብ ኢትዮጵያ፡ 'ምትእትታው' ምዕራባውያን ዝኹንን ሰልፊ ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, EBC
ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ሓዊሱ፡ "ንኢትዮጵያ ደው ኢለ ድምፀይ ከስምዕ እየ" ብዝብል ጭርሖ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
እቲ ሰልፊ፡ ኣንጻር "ዘይተደለየ ምትእትታው" ምዕራባውያን ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ ዝጠቐሱ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ "ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ንማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ንምሕባርን፣ ልኣላውነት ንምድጋፍን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ንምባልን” ከምዝተኻየደ ይዛረቡ።
እዚ ሰልፊ እዚ፡ ኲናት ትግራይ ብዝተፈላለየ ግንባራት እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ ኣብ ዝበሃለለሉ፣ ቅትለትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝተጋደደሉን እዋን እዩ ተኻይዱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቑጠቡን ድሕነት ንጹሃት ክሕልዉን ንላቦ" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክትስሕብን፡ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብ ብቕልጡፍ ክጅመርን ጸዊዑ።
ኣብቶም ሰልፍታት፡ "ልኡላውነትና ይከበር"፣ "ህዝቢ ትግራይ ናትና እዩ"፣ "ብስም ሰብኣዊ ረድኤት ዝግበር ምትእትታው ደው ይበል"፣ "ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ክልተ ሰራዊት ኣይክህሉን" ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን ይርከብዎ።
ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሕብረት ኣፍሪካ፡ ኣብ መጻኢ ሰኑይ ዘተ ሰላም ከካይዱ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ምስ ፈረሰ፡ መሊሱ ውግእ ተላዒሉ።
እቲ ውግእ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ናይ ሰላም ዘተ ድሕሪ ምስግጋር ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ቀጺሉ።
መንግስቲ ፌደራል ንከተማታት ሽረን ኣላማጣን ምቁጽጻሩ ይዝረብ።
ዋላ እኳ መንግስቲ ንከተማ ኮረም ሒዘያ እንተበለ፤ መራሕቲ ትግራይ እታ ከተማ ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ምህላዋ ገሊፆም።
ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ከምዝተቐትሉን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይወጹ ኣለዉ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝጸንሐን ኲናት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ኮይኖም እዮም።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ሃገራትን ኲናት ሓድሕድ ደው ክብል፣ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ረድኤት ክግበርን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ትግራይ ክጅምርን ጻውዒት የስምዑ ኣለዉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
