ኣመሪካ ዳግማይ ንኔቶ ነቒፋ፡ ህላወኣ ኣብ ኤውሮጳ ክትግምግም ምዃና ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ንሓያሎ መሻርኽቲ ሃገራት ኔቶ ብትሪ ብምንቃፍ፡ ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳ ብዛዕባ ዘለዋ ወተሃደራዊ ሓይሊ መንፈቓዊ ገምጋም ከም እትገብር ኣፍሊጡ።
ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ምኒስተራት ምክልኻል ኔቶ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ "እዚ፡ ገለ ሃገራት ዘይሓልፍኦ፡ ገለን ድማ ብሉጽ ውጽኢት ዘመዝግባሉ ገምጋም እዩ፡" ብምባል፡ ነተን ኣብ ኔቶ ብናጻ ክጥቀማ ዝጸንሓ መሻርኽቲ ሃገራት ፈልዩ ብምጥቃስ ነቒፉ።
ሄግሰት ብተወሳኺ፡ ነተን ኣብ እዋን ውግእ ኢራን፡ ንሰራዊት ኣመሪካ ንምሕጋዝ ገደብ ዘንበራ ኣባል ሃገራት ኔቶ ብትሪ ነቒፉ።
ዕላማ ናይቲ ሄግሰት "ኔቶ 3.0" (Nato 3.0) ኢሉ ዝሰመዮ ገምጋም፡ ኤውሮጳ ባዕላ ኣብ ጸጥታ እታ ኣህጉር መሪሕነት እትሕዘሉ ኣንፈት ንምትሓዝ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓደ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝተወሰነ ነገር የሎን።
ኣመሪካ፡ ኣባላት ኔቶ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝግበር ናይ ምክልኻል ወጻኢታት ብዝዓዘዘ ክሳተፋ ትደሊ እያ፤ ገለ ሃገራት ከኣ ነቲ 5% ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ቍጠባዊ ፍርያት (GDP) - እዚ ከኣ 3.5% ንቐንዲ ጽላት ምክልኻልን 1.5% ድማ ምስኡ ዝተሓሓዝ መሰረተ-ልምዓትን ዘጠቓልል እዩ - ንምብጻሕ ዘለወን ውጥን ከም ዘየርኣያ ትገልጽ።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ብወገኑ፡ ወጻኢታት ምክልኻል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ103 ቢልዮን ዶላር ከም ዝወሰኸ ገሊጹ፤ ናይ 20% ወሰኽ ዘርኣየ ኰይኑ፡ ኤውሮጳውያን ነቲ ኣመሪካ እተጕድሎ ዘላ ወጻኢታት ድሮ ክሽፍኑዎ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
እዚ ሄግሰት ዘፍለጦ ገምጋም፡ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ እቲ ጥምረት "ሞደል ሓይሊ ኔቶ" (NFM) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያል ድልውነት ዘለዎ ሓይሊ ከም ተራኣ ክትወስዶ ዝኣተወቶ መብጽዓታት ከተጕድሎ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ ዝሰዓበ እዩ።
ኣመሪካ ኣትያቶ ዝነበረት መብጽዓታት ብኸመይ ከም እተጕድሎ ዝገልጽ ዝርዝር ነጥብታት ናብ ህዝቢ'ኳ እንተ ዘይወጽአ፡ እቲ ምጕዳል ግን ዓቕምታት ኣየርን ባሕርን ዘጠቓልል ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።
ሄግሰት ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣመሪካ ንኔቶ እትኸፍሎ ዓመታዊ ክፍሊት "ምስቲ ካልኦት ሃገራት ንምክልኻል ዘውጽእኦ ወጻኢታት ዝተኣሳሰረ እዩ። መሻርኽቲ ሃገራት ብህጹጽ ወጻኢታት እንተ ዘይገይረን፡ ዓመታዊ ክፍሊትና ክጐድል እዩ።"
"ገለ ካብቶም ዓበይቲ ቍጠባታት ኔቶ፡ ገለ ካብተን ዝሃብተማ ሃገራትና፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ስርዓትን ምጥርናፍ ማእከሎት ሓይልታትን ክዛረቡ ዝፈትዉ መሻርኽትና፡ ገና እቲ ብናጻ ናይ ምጕዓዝ ዘመን ዝቐጸለ ይመስሎም ኣሎ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ንኣየኖት ሃገራት ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።
ምኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ዳን ጃርቪስ፡ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጆን ሄሊ ነቲ ውጥን ምክልኻል፡ "ካብቲ ንዓባይ ብሪጣንያ ንምክልኻል ዘድሊ ኣዝዩ ዝተሓተ፡" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ካብ ስልጣኑ ብምልቃቑ፡ ብዘይወግዓዊ ውጥን ምክልኻል ሃገር እዩ ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፉ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኔቶ፡ እቲ ኣመሪካ እተውጽኦ ዘላ "ኵሉ ነገር ብፍጹም ክትካእ ከም ዘይክእል" እኳ እንተ ተሰማምዐ፡ ሩተ ግን ገለ ዕማማት ድሮ ከም ዝተጀመረን ተወሰኽቲ ጻዕርታት ይግበሩ ምህላዎምን ገሊጹ። እቲ ለውጥታት ንእለቱ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።
ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ብሰንኪ እቲ ምስ ኢራን ዝተወልዐ ውግእ ኣብ ግንቦት ድሕሪ ዘጋጠሞም ምስሕሓብ፡ 5,000 ወተሃደራት ካብ ጀርመን ንምውጻእ ስጕምቲ ከም እትወስድ ኣፍሊጣ ነይራ።
ንፖላንድ'ውን ኣብቲ ወርሒ፡ 4,000 ወተሃደራት ከም ዝዋጽኡላ ተነጊርዋ ነይሩ፤ ይዅን እምበር፡ ትራምፕ ጸኒሑ ነቲ ውጥን ብምቕያር 5,000 ወተሃደራት ክዋፈሩ ቃል ኣትዩ።
ፖላንድ ብተለዋዋጢ እብረ ክሳብ 10,000 ወተሃደራት ኣመሪካ ተአንግድ እያ። ምኒስተር ምክልኻል ቭላዲስላቭ ኮሲንያክ-ካሚሽ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ነቲ ዋርሶ ንወተሃደራት ኣመሪካ ቀዋሚ ስትራተጅያዊ መዓስከር ንምቕራብ ዘቕረበቶ ሓሳብ ክትርእዮ ፍቓደኛ ምዃና ገሊጹ።
እዚ፡ ፖላንድ ዘቕረበቶ ሓሳብ ኰይኑ፡ ናይ መወዳእታ ውሳነ ግን ኣብ ዝርዝር ኵነታት ናይቲ ዝግበር ዘተን ስምምዕን ዝምርኰስ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ትራምፕ ኣቐዲሙ ምስ ስጳኛ ዘሎ ኵሉ ንግዳዊ ርክብ ከም ዘቋርጽ ኣፈራሪሑ ነይሩ። እዚ ዝሰዓበ፡ መንግስቲ ማድሪድ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሓይሊ ኣየር ዋሽንግተን ንመጥቃዕቲ ኢራን ክጥቀመሎም ድሕሪ ምኽልካሉ እዩ። ኣመሪካ ኣብታ ሃገር "ናቫል ስተይሽን ሮታ"ን "ሞሮን ኤር በይስ"ን ዝተባህሉ ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለዋ።
ሩተ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ሃገራት ነቲ ናይ 5% ቃል ዝኣተውዎ ውሳነ ብኸመይ ከም ዘተግብሩዎ ከርእዩ ከም ዝጽበ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ቅድሚ እቲ ካብ 7 ክሳብ 8 ሓምለ ኣብ ኣንካራ ዝካየድ ዋዕላ፡ መሻርኽቲ ሃገራት ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሄግ ዝኣተውዎ መብጽዓ ብኸመይ ይትግብሩዎ ከም ዘለዉ ከብርሁ እዮም። እዚ ከኣ ክሳብ 2035፡ 5% ካብቲ ሓፈሻዊ ቍጠባዊ ፍርያት ኣብ ጽላት ምክልኻል ምውዓል እዩ፤ እዚ ድሮ ተሰማሚዕናሉ ዘለና እዩ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ክግበር ዝግባእ የሎን።"
"ሃገራት ነዚ ሸቶ'ዚ ንምውቃዕ ኣብ ዝገብርኦ ጕዕዞ፡ ንጹር፡ ጭቡጥን ተኣማንን ውጥናት ከቕርባ እጽበ። ዝበለጸ ከኣ ካብቲ ዝተወሰነ ግዜ ኣዝዩ ኣቐዲሙ ክትግበር እዩ። ሓያሎ ሃገራት ድሮ ነዚ ብተግባር ከርእያ ጀሚረን ኣለዋ።"









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
