ዝሓመመት ደርሆ ናብ ሆስፒታል ብምውሳዱ ኣዘራራቢ ዝዀነ ቈልዓ፡ ህያብ ተበርኪትሉ

ማርቆስ ኣባየ

ምንጪ ስእሊ, Umer Chane

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ማርቆስ ኣባየ ዝተባህለ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓን ዝፈትዋ ደርሆኡን ምሉእ ሰሙን መዘራረቢ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኰይኖም ኣለዉ።

ማርቆስ ኣብ ገጠር እዩ ዓብዩ። ኣላዪኡ ዝዀነ ኣኮኡ ኣቶ ቀለመወርቅ ኣሞኘ፡ ኣብ ገጠር ዝርከቡ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽዮም ስለ ዝነበሩ፡ ናብታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጐጃም እትርከብ ደንበጫ እትበሃል ከተማ ወሲዱዎ።

ናብ ከተማ ክኸይድ ከሎ፡ ስድራቤቱ ዝሃቡዎ ደርሆ ሒዙ ነይሩ። እዛ ደርሆ ድማ ሃንደበት ሓመመቶ።

ከድሕና ዝገበሮ ኵሉ ጻዕሪ ምስ ዘይተዓወተሉ ድማ ኣብ መወዳእታ ሒዙዋ ናብ ሆስፒታል ከይዱ።

"ክትሕርንኽ ስለ ዝሓደረት፡ 'ናብ ሓኪም ውሰዳ' ምስ ተበሃልኩ ናብ ሆስፒታል ወሲደያ። ንሳቶም ግን 'እዚ ናይ ሰብ ሆስፒታል እዩ፡ ኣብዚ ንዓኣ ዝኸውን ሕክምና የሎን' ኢሎምኒ፡" ይብል ማርቆስ።

እቲ ቈልዓ ነታ ዝሓመመት ደርሆኡ ሓቚፉ ናብ ሆስፒታል ዘምርሐ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እዩ ነይሩ።

ኣብ ሆስፒታል ደንበጫ ዝሰርሕ ነርስ ዑመር ጫኔ ነቲ ቈልዓ ክርእዮ ከሎ፡ ቅድሚ ኵሉ ዝተራእዮ ጭውነት ናይቲ ቈልዓ ከም ዝዀነ የዘንቱ።

ነርስ ዑመር ካብ ስራሕ ናብ ገዛኡ ክኸይድ ክዳሎ ከሎ እዩ ንማርቆስ ርእዩዎ።

"እታ ደርሆ ሓሚማቶ ናብ ሆስፒታልና መጺኡ። ንሱ ሕክምና ምዃኑ ጥራይ እዩ ተረዲኡ። ናብ ሆስፒታል ምስ መጽአ ድማ ብዙሓት ሰባት ከላግጽሉ ይፍትኑ ነይሮም፡" ይብል።

ከም ነርስ መጠን፡ "ነቲ ናይቲ ቈልዓ ጭውነት ካብ ገጹ ከንብቦ ከም ዝኸኣለ፡" ይዛረብ።

በቲ ርህሩህ ተግባራቱ ስለ ዝተደረኸ ድማ ብዛዕባ እታ ደርሆ ገለ ሕቶታት እናሓተተ ቪድዮ ብምቕራጽ ኣብ ቲክቶክ (TikTok) ኣካፊሉዎ።

"ሰባት እውን ጭውነቱ ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዩ ፍቱው ኰይኑ።"

ነታ ደርሆ ብነጸላ ሓቚፉ፡ ብርህራሀን ብፍቕርን ሒዝዋ ክጥምት ከሎ፡ ብዛዕባ እታ ደርሆ ተጨኒቑ ከም ዘሎ ብምርዳእ ብትሕትና ኣቓልቦ ብምሃብ ከረጋግኡዎ ከም ዝፈተኑ ይገልጽ።

"ብምሕማማ ኣዝዩ ጕህዩ ነይሩ። ኣብ ገጹ ሻቕሎት ይንበብ ነይሩ። ኣብቲ ስምዒት'ቲ ኰይኑ እዩ ድማ ኣዘራሪቡኒ።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ነርስ ዑመር ብዛዕባ ሕማም እታ ደርሆ ንማርቆስ ክሓቶ ከሎ፡ ማርቆስ፡ "ክትሕርንኽ ሓዲራ። . . ኪድ እሞ ኣብኡ ኣሐክማ ስለ ዝበሉኒ እየ መጺአ። ... ሎሚ ጥራይ እያ ክትሕርንኽ ሓዲራ። ... ድቃስ'ውን ኣይወሰዳን፡" ኢሉ ይምልስ።

እቲ ነርስ፡ እቲ ሆስፒታል ንሰባት ጥራይ ሕክምና ዝህብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ናብ ሕክምና እንስሳታት ክኸይድ ከም ዘለዎ ነገሮ።

ማርቆስ'ውን ናብ ክልኒክ እንስሳታት ክወስዳ ከም ዝተነግሮ ይገልጽ። ሕጂ ግን እታ ደርሆ "ከም ዝሓሻ" ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣላዪኡ ዝዀነ ኣቶ ቀለመወርቅ፡ "እዚ ዝተፈጸመ ነገር ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ከም ሕልምን ከም ራእይን እዩ ዝስምዓኒ፡" ይብል።

ነቲ ቈልዓ ምእንቲ ክምሃር ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ገጠር ናብ ከተማ ከም ዘምጽኦ ይዛረብ። ንሱ ግን "ንደርሆይ ሒዘያ እየ ዝኸይድ፡" ከም ዝበለ ይገልጽ።

እታ ደርሆ ኣብ ገጠር ከላ እውን ሓሚማቶ ነይራ። ኣድሒኑዋ ናብ ከተማ ምስ መጽአ ድማ ዳግማይ ሓሚማቶ። ትምህርቱ ኣብኲሩ ድማ ነታ ደርሆ ክከናኸና ጀመረ።

ናብ ከተማ ወጺኡ ነታ ደርሆ ናብ ሰብ ሞያ እኳ እንተ ወሰዳ፡ ከም ዘይሓወየትሉ ይገልጽ።

"ደርሆይ ኣይሓወየትን ብምባል ጕህዩ፡ ትምህርቱን መግቢ ምብላዕን ኣቋሪጹ።"

ከም መፍትሒ ገይሩ ዝሓሰቦ ድማ ነታ ደርሆ ናብ ሆስፒታል ምውሳድ ነይሩ።

"ሆስፒታል ክበሃል ከሎ፡ ንሰባትን ንእንስሳታትን ብሓባር ዝሕክም ገይሩ እዩ ወሲዱዎ። ንዅሉ ክሕክሙን ከድሕኑን ዝኽእሉ እዩ መሲሉዎ፡" ይብል።

እዚ ክኸውን ከሎ፡ ስድራቤቱ ኣይፈለጡን ነይሮም።

"ንሕና'ውን ኣይሰማዕናን ነይርና። ክወስዳ ከሎ ናበይ ከም ዝኸደ ኣይፈለጥናን። ድሕሪ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት ኢና ካብ መራኸቢ ብዙሓን ሰሚዕናዮ፡" ይብል ኣቶ ቀለመወርቅ።

"ምስ ካልኦት ደራሁ ክትራኸብ ከላ ኵሉ ግዜ ዝነጽዩዋ እዩ ዝመስሎ። ኣዝዩ እዩ ዝፈትዋ።"

ማርቆስ ርህራሀኡ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ 100 ደርሁን ካልእን ህያባት ተበርኪትሉ

ምንጪ ስእሊ, Umer Chane

መግለጺ ስእሊ, ማርቆስ ርህራሀኡ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ 100 ደርሁን ካልእን ህያባት ተበርኪትሉ

ኣብ ገጠር ከሎ፡ ነታ ደርሆ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት እንስሳታት እውን ይንከባኸብ ነይሩ። ምስ መሰየ ድማ ናይ ጐረባብቲ ደርሁ እውን የዕቝብ ነይሩ።

ሓደ እዋን፡ ሓንቲ ደርሆ ጐረቤት ሓሚማ ምስ ወደቐት ናብ ገዛኦም ወሲዱ ከም ዝሃቦም የዘንቱ።

"ንሳቶም ሞይታ እያ ኢሎም እኳ እንተ ደረበዩዋ፡ ንሱ ግን ህይወት ስለ ዝረኸበላ እዩ መሊሱ ሂቡዎም።"

ነታ ናቱ ደርሆ'ውን፡ "ካብ መጠን ንላዕሊ እዩ ዝፈትዋ፡" ይብሉ።

ካብቲ ዝወሃቦ መግቢ ቀኒሱ፡ ፈትፊቱ፡ ብኢዱ ሒዙ ወይ ኣብ ኣቕሓ ገይሩ የብልዓ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣተኵሩ ይጥምታ። ናበይ ከም እትኸይድ ድማ ይከታተላ።

ከይትወድቕ ጐዳጕዲ ይደፍነላ። ኣርሒቓ ከይትኸይድ ይሕልዋ። ምስ ካልኦት ደርሁ ከይትራኸብ'ውን "ከም ዝኽልክላ፡" ይዛረቡ።

"ካብ ዓይኑ ኣይትፍለን እያ። ልቡ ኣብ ትምህርቱን ኣብታ ደርሆን እዩ። ኣብ ትምህርቱ ምእንቲ ከተኵር፡ 'ኣቓልቦኻ ካብዛ ደርሆ ኣልግሶ' እብሎ ነይረ።"

ወዲ 12 ዓመት ማርቆስ

ምንጪ ስእሊ, Umer Chane

ማርቆስ በታ ናብ ሆስፒታል ሒዙዋ ዝኸደ ደርሆ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ህቡብ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ 100 ደርሁ ምስ መግበን ክወሃቦ ቃል ተኣትይሉ።

እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብ ምርባሕ ደራሁ ዝነጥፍ 'ትረስት ኣግሮ ኮንሰልቲንግ ኤንድ ፋርሚንግ' 100 ደርሁ ከም ህያብ ክህቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መስራትን ምክትል ኣካያዲ ስራሕን እቲ ትካል ዝዀነ ዶ/ር ኣቡኑ ኣንዳርገ፡ ንሰለስተ መዓልታት ናይ መደቀስን መግብን ወጻኢታቱ ተሸፊንሉ ስልጠና ከም ዝረክብን ምስክር ወረቐት ከም ዝወሃቦን ገሊጹ።

ኣመጋግባን ባህርያትን ደርሁ ዘጠቓለለ፡ ብዛዕባ እቶም እንስሳታት ዝሓሸ ርድኢት ክህልዎ ምግባር ከም ዝደልዩ ተዛሪቦም።

ዶ/ር ኣቡኑ ንደርሁ፡ "ምስ ደቂ ሰባት ተሰማሚዐን ንምንባር ዝተፈጥራ እየን፡" ክብል ይገልጸን።

"እንተ ቀሪብናየን፡ ብዘገርም መንገዲ ከዘናግዓና ይኽእላ እየን፣ ዝበሃል ነገር ክሰምዓ ይኽእላ እየን። ምላሽ እውን ክህባ ይኽእላ። ቀሪብካ ብዝተንከባኸብካየን እንቋቝሖ ይህባ። ከም ደቂ ሰባት ምትንኻፍ ዝደልያ፡ ምስ ደቂ ሰባት ተሰማሚዐን ንምንባር ዝተፈጥራ እየን፡" ይብል።