'ኣመሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ኲናት ኢትዮጵያ ስጉምቲ ክትወስድ ድልውቲ እያ’: ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ

ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ትማሊ 21 ጥቅምቲ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትሕቲ “ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ኣፍሪካ” ዝብል ኣጀንዳ ንኹነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት፡ ኣኼባ ኣካይዱ።

ነዚ ዕጸው ኣኼባ ስዒቡ፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪታ መግለጺ ሂባ።

“እቲ ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣብ ምውጻእ ዘይምስምማዑ ተስፋ ዘቕብጽ’ዩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ’ዩ ድማ ሎሚ ኣብዚ ክወጽእ ኣገዳሲ ዝኾነኒ” ኢላ እታ ኣምባሳደር።

እቲ ኣኼባ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ሃገራት ኣፍሪቃ (A3- ጋቦን፣ ጋናን ኬንያን) ኣብ 17 ጥቅምቲ ዝተሓተተ'ዩ።

ኩሎም ወገናት ኣጽዋሮም ኣንቢሮም ናብ ሰላም ዝምለሱሉ ሰዓት ከምዝኣኸለ፡ ንባይቶ ጸጥታ ምግላጻ ዘመልከተት እታ ኣምባሳደር፡ ሓበራዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከብል አተሓሳሲባ።

ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽወጹ ክትሓትት ከምዝጸንሐት ድማ ተዛሪባ።

“ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም'ዚ ጎንጺ ኸይፍታሕ ዝዕንቅፉ ሰባት ግቡእ ስጉምቲ ክትወስድ ድልውቲ እያ። እቶም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽሙ ድማ ተሓተትቲ ንኽኾኑ ቆሪጽና ኣለና” ኢላ።

እታ ኣምባሰደር ወሲኻ፡ ኣሜሪካ ንጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ምሉእ ብምሉእን ብንጥፈትን ተዋፊራ ከምዘላ ሓቢራ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንኲናት ትግራይ ወተሃደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ዝገለጸት ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ “እቲ ዞባ ዝያዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኾን ክንከላኸል ኣለና። ዝባኽን ግዜ የለን” ኢላ።

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝበጽሕ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ኣሜሪካ ተወሳኺ ጃምላዊ ግፍዕታት ከየጋጥም ኣዝያ ከምዝተሻቐለትን ወሲኻ ገሊጻ።

ኣሜሪካ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብቲ ዘተ ሰላም ከምዝሳተፉ ቃል ምእታውም ዝሕብር ብኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህበ መግለጺ ከምእትድግፍ'ውን ትማሊ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢሉ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።

መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ መጻኢ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም (ግእዝ) ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ከምዝሳተፉ ድልውነቶም ገሊፆም ኣለው።

“ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ዘተ ንምእንጋድ ስለ ዝተሰማመዐት ነመስግን። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ከምኡ’ውን ኣባላት ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃና ፑምዚለ ማላምቦ ንግቹካን ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንድግፍ ኢና” ይብል እቲ መግለጺ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ'ውን፡ "ከምቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝበሎ፡ ኣባላት ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝበጽሕ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ከብሎ'ዩ" ኢሉ። ንኹሎም ዜጋታት ድማ ህድኣት ከምጽእ’ዩ" ይብል።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ" ብምባል እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።

ብተወሳኺ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእ" ጸዊዑ።

ሕብረት ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ፡ ንሚልዮናት ግዳያት ጥሜት ምምዝባልን ዝተፈላለዩ ኣስካሕካሕቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዘቃለዐ ዀይኑ፡ ዛጊድ ሰላማዊ ዕልባት ኣይተረኽቦን።