መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ ዝመጽእ ሰኑይ ዝካየድ ዘተ ሰላም ከም ዝሳተፉ ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሕቲ ትግራይ፡ መጻኢ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም (ግእዝ) ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ምዃኖም ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ (ኤኤፍፒ) ሓቢሩ።
ልኡኻት ትግራይ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምውዳእ ኣብቲ ዘተ ሰላም ከምዝሳተፍ ንኣመራርሓ ትግራይ ብምጥቃስ ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።
ሓደ ካብ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ብ11 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ናብ ኤኤፍፒ ኣብ ዝለኣኾ ፅሑፍ "ልኡኻትና ክሳተፉ እዮም" ክብል ኣረጋጊጹ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ቀጻሊ ሰኑይ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ዘተ ከምዝሳተፍ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን፡ እቲ ዘተ ሰላም ሰኑይ ክካየድ ምዃኑ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝሰምዑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ኣምባሳደር፡ "ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ዘለና ቃል ደጊምና ኣረጋጊጽና ኣለና" ክብል ኣብ ትዊተርገጹ ሓቢሩ።
እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ እቲ ኲናት ብዝተፈላለየ ግንባራት እናተጋደደ ኣብዝኸደሉን ቅትለትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ጎኒ ጎኒ እዚ ድማ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትን ብብሕቲ ከምዝዘራረብ ኣፍሊጡ’ሎ።
ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ‘ውን ትማሊ ኣኼባ ዘካየደ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ዘተ ክመርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ መግለጺ ሂቡ’ዩ።
15 ኣባላት ዝሓቖፈ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባ ዳግማይ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ፈላማይ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ዝተጋደደ ኲናት ስክፍታ ከምዘለዎ ምግላጹ ስዒቡ፡ መራሕቲ ትግራይ 5 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ብኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወጸ መግለፂ ብኣዎንታ ከምዝቕበልዎ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ምጽውዑ ስዒቡ ክልቲኦም ወገናት ክሳተፉ ድልውነት ከምዘለዎም ምግላጾም ይዝከር።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዘተ "ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ጸገማት" ብዝብል ዘይንጹር ምኽንያት ከምዝተናውሐ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ምስ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዶክተር ፉምዚለ ምላምቦ-ናግኩካን ኣብቲ ዘተ ክሳተፍ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኬንያታ ኣብ መወዳእታ፡ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኡሁሩ ኣብቲ ዘተ ክካየደሉ ተሓሲቡ ዝነበረ መዓልቲ ካልእ ትሑዝ መደብ ከምዘለዎን ክሳተፍ ከምዘይክእልን ብምግላጽ፡ ኣብ መጻኢ ግን "ኣብ ኣቃውማን ኣፈጻጽማን ናይቲ ኣኼባ ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቶም ዝተዓደሙ ኣደራደርቲ” መብርሂ ክወሃቦ ከምዝሓተተ ይዝከር።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ኲናት ዘለዉ ወገናት ተኹሲ ደው ኣቢሎም ናብቲ ዘተ ክምለሱ ይጽውዑ ኣለዉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
