ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን እንታይ ዝሓዘ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ተፈሪሙ ኣብ ግብሪ ከም ዝወዓለ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ዝዓለመ ስምምዕ፡ ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ኤቭያን-ለ-በን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ-7 እናተሳተፈ ከሎ ብወግዒ ፈሪምዎ።
እቲ ከም መዘክር ምርድዳእ ዝፍለጥን 14 ነጥብታት ዝሓዘን ስምምዕ፡ ኢራን ፈጺማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይትውንን ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ስምምዕ ንዳግመ ህንጸትን ቍጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ዝውዕል 300 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ግን ኣብዚ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብር ኣይግድዳን እዩ። እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን እስራኤልን ግጭት ካብ ዝወላዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ ነዚ ስምምዕ "ኣብ ኣፈጻጽማ ዝተመርኰሰ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ ኢራን ክትጥቀም እትኽእል ንዝኣተወቶም ግቡኣት ከተኽብር እንከላ ጥራይ እዩ።
ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ንሓያሎ ሕቶታት መልሲ ዘይሃበን ንብዙሓት ዓበይቲ ጉዳያት ከይፈትሐ ዝሓደገን እኳ እንተዀነ፡ ካብቶም ቀንዲ ነጥብታት እቲ ንፈልጦ እዚ ዝስዕብ እዩ።
ነጥቢ 1፡ ኣብ ኵሉ ግንባራት ግጭት ምብቃዕ
ቀዳማይ ሓረግ እቲ ስምምዕ ከም ዝሕብሮ፡ ኣመሪካ፡ ኢራንን መሻርኽታን፡ ኣብ "ኵሉ ግንባራት" - ሊባኖስ ሓዊሱ - ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት "ህጹጽን ቀዋምን" ብዝዀነ መንገዲ ከም ዘብቅዕ ክእውጁ እዮም።
ብወገን ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ነቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ስምምዕ ከበላሽዎ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናሓደሮ መጺኡ ኣሎ።
ቴህራን ብወገና፡ እቲ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ንሊባኖስ እውን ክሕውስ ከም እትጽበ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
ዝዀነ ይዅን ቀጻልነት ዘለዎ ወተሃደራዊ ስጕምቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ፡ "ነቲ ምርድዳእ ምግሃስ" ከም ዝቝጸርን "ኣድለይቲ ስጕምትታት ከም ዝውሰዱን"፡ ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብረቡዕ ገሊጹ።
እቲ ስምምዕ ከም ዝሕብሮ፡ "ካብ ሕጂ ንደሓር" ክልቲኦም ወገናት ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስዱ ወይ ንሓድሕዶም ክፈራርሑ ከም ዘይብሎምን፡ "ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን" ሊባኖስ ከም ዘረጋግጹን ይገልጽ።
እቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ናብ ቀዋሚ "ምብቃዕ" ግጭት ከም ዘምርሕ እቲ ሰነድ ይሕብር። እስራኤል ነዚ ነጥቢ እዚ ብኸመይ ክትቅበሎ ከም እትኽእል ግን ዛጊት ንጹር የሎን።
ነጥቢ 2፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ምኽባር
ትሕዝቶ እቲ ሰነድ - ብወግዒ ንጋዜጠኛታት ብተሌፎን ምስ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዝተገብረ ዘተ ቃል ብቓል ከም ዝተነበበሎም - ኣመሪካን ኢራንን "ሓድሕደን ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከም ዝሕልዋ" ከምኡ እውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓድሕደን ካብ ምትእትታው ከም ዝግታኣ ይገልጽ።
እዚ ነጥቢ እዚ ብተቓወምቲ ሓይልታት ኢራን ኣሉታዊ ግብረመልሲ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይግመት። ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ኣብ ከተማታት ኢራን ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝተጐሃሃረሉ እዋን፡ ትራምፕ ንሰላማውያን ሰልፈኛታት "ሓገዝ ኣብ መንገዲ እዩ ዘሎ" ክብል ቃል ኣትዩሎም ነይሩ።
ነጥቢ 3፡ ክናዋሕ ዝኽእል ናይ 60 መዓልታት ገደብ ግዜ
ብመሰረት እቲ ኣብቲ ሰነድ ዝሰፈረ ሳልሳይ ነጥቢ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ውሽጢ "ዝለዓለ" 60 መዓልታት ዘተ ብምክያድ ናብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ንምብጻሕ ክሰርሓ እየን። እንተዀነ እዚ ገደብ ግዜ ብስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ክናዋሕ ይኽእል እዩ።
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ነቲ መዘክር ምርድዳእ ብወግዒ ድሕሪ ምፍራሞም፡ እቲ ናይ 60 መዓልታት ቈጸራ ሕጂ ጀሚሩ ኣሎ።
ዋይት ሃውስ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ትራምፕ ነቲ ናይ ኢራን ሰነድ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ቨርሳይ፡ ድሕሪ ዋዕላ ጕጅለ-7 ኣብ ዝተዳለወ ድራር እዩ ፈሪምዎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ዋይት ሃውስ፡ እቲ ስምምዕ ብፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽኪያን እውን ተፈሪሙ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ክልቲኦም ትራምፕን ሰበ-ስልጣን ኢራንን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን እዚ ኣብ ጀነቫ ወግዓዊ ናይ ፊርማ ስነ-ስርዓት ከም ዝካየድ ኣመልኪቶም ነይሮም። እዚ ስነ-ስርዓት ክቕጽል ድዩ ግን ዛጊት ንጹር የሎን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ነጥቢ 4፡ ኣመሪካ ከበባ ማይ ከም እተልዕል
እቲ መዘክር ምርድዳእ ምስ ተፈረመ፡ ኣመሪካ ሓይሊ ባሕሪ ዝገበሮ ክባን ኣብ ወደባት ኢራን ተነቢሮም ዝነበሩ "ዝዀነ ይዅን ዕንቅፋታትን ተጻብኦታትን" ከተልዕል ከም እትጅምር ራብዓይ ነጥቢ ይሕብር።
ብመሰረት እቲ ስምምዕን መግለጺ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢራንን፡ እቲ ክባ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ምሉእ ብምሉእ ከብቅዕ እዩ። ኣብዚ እዋን፡ ኣመሪካ ብወደባት ኢራን ክሓልፉ እትፈቕደሎም ብዝሒ መራኽብ፡ ምስቲ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ እተካይዶ ናይ መራኽብ ምንቅስቓስ ተመጣጣኒ ክኸውን እዩ።
ናይ መወዳእታ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት፡ ኣመሪካ ንሓይልታታ ካብቲ "ንኢራን ዘዳውብ ከባቢታት" ከተውጽእ ቃል ኣትያ ኣላ።
እዚ ማለት ግን ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ናብቲ ቅድሚ መጥቃዕቲ 28 ለካቲት ዝነበሮ ናይ ምስፋርን ወተሃደራዊ ንብረትን ውደባ ክምለስ እዩ።
ነጥቢ 5፡ መጻብቦ ሆርሙዝ
ከፊል እቲ ስምምዕ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ምስ ተፈረመ፡ ኢራን ንግዳዊ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ብሰላም ንኽሓልፋ ብዘይ ክፍሊት "ዝከኣላ ኵሉ ክትገብር" እያ።
እዚ ጉዳይ እዚ፡ ኲናት ካብ ዝጅምርን መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ዝዕጾን ጀሚሩ፡ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዓለም ክውስኽ ብምግባሩ፡ ሓደ ከፊል ካብቶም ቀንዲ ዕላማታት ኣመሪካ እዩ ነይሩ።
እቲ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ ቴክኒካውን ወተሃደራውን "ዕንቅፋታት" ናይ ምእላይን ነተጕቲ ናይ ምኽሻንን ኣድላይነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምንቅስቓስ መራኽብ "ቀጥታ" ክጅምር እዩ።
ሰበ-ስልጣን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ከለዋ ምንም ዓይነት ክፍሊት ከም ዘይከፍላ ብተደጋጋሚ ከነጽሩ ፈቲኖም እዮም።
ኣብ ነዊሕ እዋን፡ ኢራን ምስ ዖማንን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን ብሓባር ብምስራሕ፡ ብዛዕባ ምሕደራ መጻብቦ ሆርሙዝ "ዝሰፍሐ" ስምምዕ ክትገብር ምዃና እቲ ሰነድ ይሕብር።
ኣመሪካ፡ ኢራን መሰላታ "ብትሪ" ክትጣበቕ ከም እትፈትን እኳ እንተ ኣመነት፡ ሃገራት ወሽመጥ ግን ኣብ መጻኢ ክፍሊት ዝሕተትሉ ኣሰራርሓ "ፈጺመን" ከም ዘይቅበላኦ እቲ ብዓል ስልጣን ገሊጹ።
ነጥቢ 6፡ ንዳግመ ህንጸት ኢራን ዝወሃብ ገንዘብ
ሻድሻይ ነጥቢ እቲ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ ኣመሪካን ዞባውያን መሻርኽታን ንዳግመ ህንጸትን ቍጠባዊ ምዕባለን ኢራን ዝውዕል ብውሑዱ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት "ናይ መወዳእታን ክልቲኦም ዝተሰማምዕሉን ውጥን" ከዳልዉ እዮም።
እቲ ናይ መወዳእታ ኣሰራርሓ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ዝውሰን ኰይኑ፡ ኵሉ ፍቓዳትን ናጻ ስጕምትታትን ብኣመሪካ ክወሃብ እዩ።
ኢራን ብሰንኪ እገዳታት ብብርቱዕ ተሃስያ እያ ጸኒሓ፡ "ወፍሪ ቍጠባዊ ቝጥዐ" (Operation Economic Fury) ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ ወፍሪ ድማ ንቴህራን ካብ ዓለምለኻዊ ስርዓት ፋይናንስ ንምንጻል ዝዓለመ ነይሩ እዩ።
ነጥቢ 8፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዘይምውናን
ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተጥሪ ወይ ንኸይትገዝእ ተሰማሚዓ ኣላ፡ ክልቲኦም ወገናት ድማ ነቲ ቴህራን ድሮ ዘበልጸገቶ ዩራኒዩም ንምፍታሕ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ነቲ ንብረት ንምምሕዳር ዘኽእል ኣገባብ ዛጊት ንጹር የሎን። እቲ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኣሰራርሓ ኣብ ዝቕጽሉ ናይ ዘተ መድረኻት "ብሓባር ዝውሰን" ክኸውን እዩ፡ እንተዀነ ግን ብውሑዱ እቲ ዝበልጸገ ዩራኒዩም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምውራድ ኣብቲ ቦታ ክትግበር እዩ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ነዚ ከም "ዝተሓተ ረቋሒ"ን ንኣመሪካ ድማ ከም "ዓቢ ዓወት" ገሊጽዎ።
ትራምፕ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተጥሪ ምኽልካል፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እዚ "ወፍሪ ኤፒክ ፊውሪ" ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ካብ ዝደልዮ ዝነበረ "99%" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ኣመሪካ ነዚ ስምምዕ ኣብ ኣፈጻጽማ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ስለ ዝገለጸቶ፡ እቲ ኣብ ነጥቢ 7 ተጠቒሱ ዘሎ ናይ እገዳታት ምልዓል፡ ምስቲ ኢራን ንነጥቢ 8 ከተኽብሮ ዝግብኣ ግቡእ ዝተኣሳሰረ እዩ።
ነጥብታት 9ን 10ን፡ ዘሎ ኵነታት ከም ዘለዎ ምቕጻል
እቶም ዝስዕቡ ክልተ ክፋላት እቲ ስምምዕ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣመሪካን ኢራንን እቲ ዝበልጸገ ዩራኒዩም መፍትሒ ክሳብ ዝረክብ፡ ንዩክለሳዊ መደባታ ብዝምልከት እቲ ዘሎ ኵነታት ከም ዘለዎ ክቕጽል ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ኣብ ግብሪ ክትርጐም ከሎ፡ እዚ ማለት ኣመሪካ ሓደስቲ እገዳታት ኣይክትጥቀምን እያ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ንሰደድ ነዳዲ፡ ፍርያት ነዳድን ካልኦት ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን ከም ባንካዊ ርክባትን መጓዓዝያን ፍቓድ ክትህብ እያ።
ነጥቢ 11፡ ዝተዓገተ ገንዘብ
እዚ ነጥቢ እዚ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ሓደ ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኢራን ነቲ ዝተዓገተ ሃብታ ንኽልቀቐላ ንነዊሕ እዋን ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ። እዚ ድማ ንሃገራ ሓድሽ ቍጠባዊ ህይወት ክህብ ዝኽእል እዩ።
መበል 11 ነጥቢ እቲ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ መዘክር ምርድዳእ ምስ ተፈረመ ኣመሪካ "ነቲ ዝተዓገተ ወይ ዝተገደበ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ክትሰዶ ቃል ትኣቱ"፡ እቲ ኣሰራርሓ ድማ ኣብ እዋን ዘተ ክሰማምዕሉ እዮም።
ሓደ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ከም ዝገለጾ፡ እቲ መዘክር ምርድዳእ ድሕሪ ምፍራሙ ዝካየድ ዘተ ኣብ ዝቕጽለሉ እዋን፡ ኢራን ንገለ ዓንቀጻት እቲ ስምምዕ ንምኽባር እትወስዶም ስጕምትታት (ንኣብነት ነቲ ዝበልጸገ ዩራኒዩም ንምፍታሕ እተካይዶ ምንቅስቓስ) ንምትብባዕ ገለ ሃብትታታ ክልቀቐላ እዩ።
ነጥብታት 12-14፡ ምክትታልን ናይ መወዳእታ ዘተን
እቶም ዝተረፉ ናይ መወዳእታ ነጥብታት እቲ ሰነድ፡ እቲ ስምምዕ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ዘርዚሮም ኣለዉ።
ኣመሪካን ኢራንን ነቲ መዘክር ምርድዳእ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ንመጻኢ ስምምዕ ዘለዎም ተገዛእነትን ንምክትታል ዘኽእል "ኣሰራርሓ" ከም ዝዘርግሓ ይገልጹ። እንተዀነ ግን እዚ ኣብ ግብሪ ብኸመይ ከም ዝትርጐም ዛጊት ንጹር የሎን።
ቀጺሉ፡ እቲ መዘክር ምርድዳእ ምስ ተፈረመን ኣብ ግብሪ ምውዓል ምስ ጀመረን፡ ኣመሪካን ኢራንን ናይ መወዳእታ ስምምዕ ንምብጻሕ ዘተ ክጅምራ እየን።
ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ሰነድ ምርድዳእ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ቀያዲ ውሳነ ክጸድቕ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
