እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኮንሶ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተመዛበልቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ኢሰመኮ ገሊጹ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብ ኮንሶ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዝፍጸም ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝኸፍአ ምዃኑ ገሊጹ።
ኢሰመኮ ነዚ ዝበለ ብዛዕባ ኣብ ዞባ ኮንሶን ሰለስተ ፍሉያት ወረዳታት ዞባ ደቡብን ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተመዛበልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ እዩ።
ኣብ ዞባ ኮንሶ፣ ፍሉይ ወረዳ ኣለ፣ ፍሉይ ወረዳ ደራሸን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮን ልዕሊ 145 ሽሕ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ’ውን እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
ወሲኹ፡ እቶም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኽቡን ኣብ ጽንኩር ኩነታት ከምዝነብሩን ገሊጹ።
ምክትል ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ራኬብ መሰለ፡ እቲ ትካል ክትትል ኣብ ዝገበረሎም ከባቢታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ "እኹል ሰብኣዊ ድጋፍ ብዘይምርካቦም ኣብ ከቢድ ኩነታት ይነብሩ ከምዘለዉን፡ ብሰንኪ ኣብዚ ከባቢ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘጋጥሙ ጎንጽታት ድማ ተወሳኺ መጉዳእትን ምዝንባልን ይበጽሖም ኣሎ” ክትብል ገሊጻ።
ስለዚ ዝምልከቶም ኣካላት ጠንቂ ምዝንባል ዝኾኑ ጎንፅታት ኣብ ምውጋድ፡ እኹል ሰብኣዊ ድጋፍ ኣብ ምሃብን ተመዛበልቲ ዳግም ንምጥያሽ ምቹእ ኩነታት ኣብ ምፍጣርን ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ አመልኪታ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ጸብጻብ ዘውጽኦ፡ ናብ ተመዛበልቲ ዝርከብሉ መዕቆቢ ቦታታትን ኣአንጋዲ ማሕበረሰብን ብምኻድ፡ ምስቶም ተመዛበልቲ፡ ሰበስልጣን መንግስትን ምስቲ ጉዳይ ዝቐረቡ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብምዝርራብን ሰነዳዊ መርትዖታት ድሕሪ ምእካቡ እዩ።
ካብቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ጎንጽታት ዝመርሑዎም ምኽንያታት፡ ዋንነት ሕርሻዊን ናይ መጓሰ መሬትን፡ ከምኡ'ውን ሃፍቲ ኣግራብ የጠቓልሉ። ካልኦት ጉዳያት ድማ ኣቃውማ ምሕደራ ዝጠልቡን ዝቃወሙን፡ ከምኡ’ውን ጎንጺ ዶባት ምሕደራን ይጥቀሱ።
ኢሰመኮ፡ ክልላውን ሃገራውን ኮሚሽን ምሕደራ ስግኣት ህጹጽ ሓደጋ ንዝተመዛበሉ ሰባት እኹልን እዋናውን ሰብኣዊ ደገፍ ክገብርን ከወሃህድን ሓቲቱ።
ጠንቂ ምምዝባል ዝኾኑ ጉዳያት ኣቃውማ ምሕደራን ምሕደራ ዶባትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዝሳተፍ መንገዲ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ከምዝግባእ'ውን ኣገንዚቡ።
ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከባቢ ኮንሶ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ጎንፂ ካብ ምምዝባል ብተወሳኺ፡ ብዙሕ ህይወት ኣጥፊኡን ብዙሕ ንብረት ድማ ዓንዩን እዩ።
ካብ መረበቶም ዝሃደሙ ዘለዉ ነበርቲ ምዕራብ ወለጋ
ብካልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዕጡቓት ዝተቐትሉላ ነበርቲ ቀበሌ ቶሌ፡ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ብምስጋእ ካብ ከባቢኦም ከምዝወጹ ይግለጽ ኣሎ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ፡ ቀበሌ ቶሌ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 400 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ጸብጺቡ ነይሩ።
ኣብዚ መጥቃዕቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ግዳያት ከምዝኾኑ ይዝከር።
እዚ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸም ድማ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ብዝብል ስክፍታ፡ ብሄረ ኣምሓራ ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ቀበሌ ቶሌ ከምዝወጹ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ንድሕነቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ነበርቲ እቲ ቀበሌ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፌደራል እዩ ክወጹ ተነጊርዎም።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ሰበስልጣን እቲ ዞባን ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ወረዳን ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።