እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንኣምላኽ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ከእትውዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ስለምንታይ’ዩ?
ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓደስቲ መስመራት ሃይማኖታዊ ተጋድሎ ይሰምሩ ኣለዉ - እዚ የማናዊ ክርስትያናዊ ምንቅስቓስ፡ ፖለቲካዊ ሓይሊ ተጠቒሙ ከም መለኮታዊ ተልእኾኡ ዝርእዮም እምነታትን መልእኽታትን ንምዝርጋሕ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ክርስትያናዊ ሃገርነት እንታይ እዩ? ኣብዚ ሕጂ እዋን’ከ ስለ ምንታይ ይስስን ኣሎ?
ተመኵሮ ኣምላኽ ዝበሃጉን ካብ ኣጋንንቶም ነጻ ክወጹ ዝናፍቝን ኣሽሓት ሰባት ኣገልግሎት ቅዳሴ ድሕነት ክረኽቡ ኣብ ሓደ ዓቢ ዳስ ተኣኪቦም።
ገሊኦም ኣብ መሬት ወዲቘም ተወዝ ኣይብሉን፣ ገሊኦም ድማ እቲ ፓስተር ነቲ ጸሊም መንፈሶም ብስም እየሱስ ክወጹ ክእዝዝ ከሎ ኣውያት የስምዑ።
ገሊኦም እውን እፎይታን ምፍታሕን ዝረኸቡ ብዝመስል ንሓድሕዶም ተተሓሒዞም። ብድሕሪኡ፡ ኣስታት 20 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ማይ ዝመልአ መስተይ ማይ እንስሳታት ተጠሚቘም።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ጥቓ ናሽቪል ተነሲ ኣብ እትርከብ ብፓስተር ግሬግ ሎክ እትምራሕ ግሎባል ቪዥን ቤተክርስትያን እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ኣሜሪካ ንነዊሕ እዋን ዝነበረ ትውፊት ጴንጠቆስጠ ከተንስእ ዝጽዕር ዘሎ ማራኺን ኣካታዕን ሰብ እዩ፤ እዚ ድማ ንዕብየት ሓድሽ ክርስትያናዊ መሰል ህያው ዝገብር ዘሎ ኣፖካሊፕቲካዊ መንፈስ እዩ።
እግዚኣብሄርን ሃገርን ካብቶም ንፖለቲካ ኣሜሪካ ክጸለዉ ዝጸንሑ ሓሳባት እዮም።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዓቃባውያን ክርስትያናት ብቍጽሪ ህዝቢን ባህላውን ለውጢታት ይብለጹ ከም ዘለዉ ይስምዖም ስለ ዘሎ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዑል ዋሕዚ ትርከብ። እዚ ድማ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ መንግስቲ ኣታሊሉና ዝብል ነቐፌታ'ውን ዝደረኾ እዩ።
"ኣብ መንጎ ኣይሁድ-ክርስትያናዊ ክብርታት ዘለዎ ኣይሁድ-ክርስትያን ህዝቢ ክንነብር ንደሊ" ይብል 'ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ክኣቱ ይግባእ' ኢሉ ዝሰብኽ ኬን ፒተርስ ዝተባህለ ፓስተር።
እዚ ኣንጻር ለውጢ ሞራላዊ ክብርታት ዝግበር ቃልሲ ግን፡ ከም ውግእ ኣንጻር እቲ ንኣጋንንቲ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ዝገብር ክፍኣት ተባሂሉ ይቕረጽ ኣሎ፡ ይብል ፕረዚደንት ትካል ምርምር ህዝባዊ ሃይማኖት (PRRI) ሮበርት ጆንስ።
እዚ፡ ንምድምማጽ ቦታ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት፡ ንዲሞክራሲ መሰረታዊ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ይኣምን።
ባንዴራታት ክርስትና ኣብ ናዕቢ ካፒቶል ኣሜሪካ
መብዛሕትኦም ኣሜሪካውያን፡ ክሳዕ ቀረባ እዋን ዝርግሐን ሓይልን ናይዚ ሓያል ክርስትና ኣይተረድኦምን ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ህንጻ ካፒቶል መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ግን ተጋሂዱ።
መረጻ 2020 ዶናልድ ትራምፕ [ድምጺ] ተሰሪቝ ብዝብል፡ ናዕበኛታት መስቀልን ክርስትያናዊ ባንዴራን ተሰኪሞም ብሓባር ክጽልዩ ምርኣይ፡ ኣብ የማን ክሳብ ክንደይ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መንነታት ክወሃሃዱ ከም ዝጀመሩ ኣቃሊዑ።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ካፒቶል ፓስተራት እውን ዝተሳተፉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም መልእኽቲ ይሰብኩ ነይሮም።
ኬን ፒተርስ ሓደ ካብኣቶም እዩ። ነቲ ዓመጽ ኮኒንዎ'ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ከም ሃገራዊ ተልእኾ ዝርእዮ ግን ክሳዕ ሕጂ ይድግፎ እዩ።
ንሱ፡ ኣምላኽ "ንዛ ሃገር ፍሉይ መደብ ኣለዎ" ይብል፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ስዕረት ትራምፕ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ኰይኑ ከም ዝተሰምዖ ይገልጽ።
ናይ ፒተርስ ሓርበኛ ቤተክርስትያን፡ ሓንቲ ካብቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን ነታ ሃገር ናብ ኣምላኽ ክንመልሳ ንደሊ ኢና ዝብሉን ርእሰ-ምትእስሳር ዘይብሎም ጀመርቲ ጉባኤታት እያ።
ፍልሰት ኣብ ሓደጋ ዘውደቘም ኮይኑ ይስምዖም፤ ተቐባልነት ዝተፈላለዩ ጾታዊ መንነታትን ጾታዊ ዝንባለታትን እናወሰኸ ምምጽኡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ቅቡል ኣይኮነን ኢሎም ይኣምኑ።
ፒተርስ ካብ ተሳተፍቲ ስብከቱ ንዝመጹ ፖለቲካዊ ሕጹያት ይድግፍ፤ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘሎ መስመራት ዘደብዝዝ እዩ።
"እግዚኣብሄር ንሮይ ኣንጻር ዋይድ (ንመሰል ምንጻል ጥንሲ) ክግልብጦ እንተኽኢሉ . . . ክገብሮ ዘይክእሎ ነገር የለን" ክብል ኣብ ቀረባ እዋን ምዝዛም መሰላት ምንጻል ጥንሲ ተግባር ኣምላኽ እዩ ኢሎም ንዘብዕሉ ዝነበሩ ጉባኤኡ ተዛሪቡ።
መንግስቲ መርዓ ሕደ-ጾታ ክእግድ ዝደሊ ፒተርስ፡ "ሃገርና ብዝተኻእለ መጠን ክርስትያን ክትከውን ናይ መወዳእታ ጻዕሪ ይገብር ኣለኹ" ይብል።
ፍርሒ ለውጢ ብኸመይ ምንቅስቓስ ኣለዓዒሉ
ፕረዚደንት ትካል ምርምር ህዝባዊ ሃይማኖት ሮበርት ጆንስ፡ እዚ እታ ሃገር ብባህሊ ጸጋማውያን ትዕብለል ኣላ ካብ ዝብል ፍርሒ ኣብ መሰረት ክርስትያናዊ ሃገራውነት ዝተሃንጸ ምዃኑ ይዛረብ።
በዚ መሰረት፡ ኣሜሪካ ከም ክርስትያናዊት ሃገር እያ ተመስሪታ፡ መንግስቲ ድማ ክርስትያናዊት ሃገር ኮይና ክትቅጽል ክገብር ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ።
ንሱ ዘካየዶ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣስታት ሓደ ሲሶ ኣሜሪካውያንን ፍርቂ ሪፓብሊካንን፡ ኣሜሪካ ንኣውሮጳውያን ክርስትያናት "መብጽዓ መሬት" ክትከውን ብኣምላኽ ከም ዝተነድፈት ይገልጹ።
"ስለዚ ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሃገራውነት ክዛረብ ከለኹ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ናይ ጸዓዱ ክርስትያናዊ ሃገራውነት እየ ዝዛረብ" ይብል።
ወንጌላውያን ትዅረቶም ኣብ ምንጻል ጥንሲ ብምግባር፡ ተኸታተልቲ ሪፓብሊካን ፕረዚደንታት ንኽምረጹ ሓጊዞም እዮም። እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ 2016 ዝተመርጸ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሞራላዊ ባህርያቱ ሰፊሕ ነቐፌታ እንተሃለዎ፡ ንመሰል ክርስትና ዝጣበቕ ዶናልድ ትራምፕ ዘጠቓልል እዩ።
ሕጂ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ክርስትያናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈት ዝተፈልየ ነገር እንተሃልዩ፡ እታ ሃገር ድሕሪ ሕጂ ዝበዝሑ ጸዓዱን ክርስትያንን ዝነብሩላ ዘይምዃና እዩ ዝብል ጆንስ፡ ኣብ እዋን እቲ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ-ኣሜሪካዊ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፡ እቶም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ህዝቢታት ትኹረት ክረኽቡ ከም ዝጀመሩ የዘኻኽር።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ጾታ ኣብ ዝግበር መውስቦ ዝነበረ ኣረኣእያ ተቐይሩ፤ ኣብ 2008 መብዛሕትኦም ተቓወምቲ ዝነበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝበዝሑ ደገፍቲ ዝዀኑሉ ሱር በተኻዊ ለውጢ ተራእዩ እዩ።
"እቲ ስግኣት - ጸዓዱ ክርስትያናት ድሕሪ ደጊም ብማሕበራዊ፡ ብባህላዊ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ሓይሊ ቁጽጽር ከምዘይብሎም ዘይምፍላጦም - ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ብገለ መልክዑ ብግሁድ ንርእዮ ዘለና እመስለኒ" ይብል ጆንስ።
ብዙሓት ነቲ ክርስትያናዊ ሃገራዊ ስያመ ከም ጸጋማዊ ጸለመ ይነጽግዎ።
ከም ክልተ ኣኽረርቲ ሪፓብሊካንን መሓዙት ትራምፕን ዝዀኑ ማርጆሪ ቴይለር ግሪንን ሎረን ቦበርትን ዝኣመሰሉ ውሑዳት የማናውያን ፖለቲከኛታት ግን ነቲ ቅዱስ ስነ-ቓላታ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ።
"ሰልፊ ናይቲ ሃገራውነት ክንከውን ኣለና፣ ክርስትያን ሃገራውያን ክንከውን ይግባእ" ትብል ማርጆሪ ቴይለር ግሪን።
ኣብ ኢንተርነት ድማ፡ ኣኽረርቲ ዝያዳ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ።
"ንሕና ክርስትያን ጣሊባን ኢና" ይብል ብጸዓዱ ሃገራዊነት ዝኣምን ቪንሰንት ጀምስ ፎክስ ድሕሪ ምቐያር መሰላት ኣብ ዝዘርገሖ ዌብካስት (ብኢንተርኔት ብድምጺ ዝዝርጋሕ መደብ)።
እቲ ‘ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ጨቋኒ፡ ምልካዊ፡ ሃይማኖታዊ መንግስታት ኣብ ኣሜሪካ ክፍጠር ኣይክእልን'ዩ’ ዝብል ጽውጽዋይ "ክውን ክሳዕ ዝኸውን ድማ ደው ኣይንብልን ኢና።”
ቃልሲ ኣንጻር ኣጋንንቲ
ኬን ፒተርስ፡ ክርስትያናት ጽንኩር ፖለቲካዊ መርገጺ ክሕዙ ዝገበሮ ዘሎ ጻውዒት ዝስማዕ ዘሎ ይመስል፣ ሃገራውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ናብ ሓያሎ ቦታታት ይሰፍሓ ኣለዋ።
በቲ ኣብ ልዕሊ ዕጽዋ ኮቪድ ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ ዝተደፋፍአ ዓርኩ ግሬግ ሎክ፡ መንግስቲ ኣብያተ ክርስትያናት ክዕጸዋ ብምግዳዱ ዝተቘጥዑ ሰዓብቲ ኣፍርዩ እዩ።
ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ‘እምነት፡ ስድራቤትን ፖለቲካን’ ዝብል ዌብካስት ዝቐርጸሉ እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ስቱድዮ ኣለዎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኩባንያ ሚድያ ኣቝሙ’ሎ።
ኣብ ምሸት በዓል ሃሎዊን፡ ካቶሊካዊ መቍጸርያ ጸሎትን መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተርን ሓዊሱ "ናይ ጥንቆላ ኣቝሑት" ኣቃጺሉ። ኣብ ሓደ ብዙሕ ዝተረኣየሉ ቪድዮ ስብከት፡ ንኣባላት ጉባኤኡ፡ ክርስትያን ክዀኑን ንዲሞክራት ክመርጹን ከምዘይክእሉ ብምንጋር፡ ንዲሞክራትስ "ኣምላኽ ዝኸሓዱ ኣጋንንቲ" ክብል ጸዊዕዎም።
ንኣሜሪካውያን ብጾቱ ከምኡ ብምባል ዓመጽ ከለዓዕል ዝኽእል ሓደጋ የብሉን ድዩ ተባሂሉ ብጸቐጢ ክሕትት እንከሎ፡ ንሱ ናቱ ሓላፍነቱ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
"ዓመጽ ኣይኮንኩን ዘለዓዕል ዘለኹ። መጽሓፍ ቅዱስ እየ ዝሰብኽ ዘለኹ።"
ባህልን ኲናት ሓድሕድን
ካልእ ኬቪን ሪግስ ዝተበሃለ ፓስተር ግን ኣንፈት እታ ቤተክርስትያን ክከታተል ጸኒሑ እዩ።
ዓቃባዊ ወንጌላዊ ኰይኑ ዝዓበየ ኬቪን፡ ፓስተር ሜጋ ቤተክርስትያን ናይ ምዃን ሕልሚ ነይርዎ።
ድሕሪኡ፡ ምስ ኣህጉራውያንን ኣብ ውሽጢ ከተማን ዝርከቡ ተማሃሮ ምርኻቡ፡ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘለዎ ሓልዮት ብዝያዳ ብንጹር ክርኢ ሓጊዝዎ።
ሕጂ ኣብ ሓደ ካብ ናሽቪል ንደቡብ ሸነኽ ኣብ ዝርከብ ፍራንክሊን ምስ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ገለልተኛ ማሕበረሰብ ይሰርሕ ኣሎ።
ንሱ፡ ኣንጻር ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ወይ ሃይማኖታዊ መሰል ብምዝራቦም ካብ ኣብያተ ክርስትያናቶም ዝተባረሩ ኣዕሩኽ ከም ዘለዉዎ ይዛረብ፡ "ኣብታ ቤተክርስትያን [ቅድሚ ሕጂ] ዘይረኣኹዎ ምፍልላይ ኣሎ" ይብል።