ሉላ ዳ ሲልቫ ዳግማይ ፕረዚደንት ብራዚል ኮይኑ ተመሪጹ

Published

ፕረዚደንት ነበር ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ኣብ ልዕሊ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ተዓዊቱ። 

ኣብቲ ሓያል ምውድዳር ዝተርኣየሉ መረጻ፡ ሉላ 50.9% ብምርካብ እዩ ነቲ ደገፍቱ ከምዝዕወት ርግጸኛታት ኮይኖም ዝዛረቡሉ ዝነበሩ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ስዒሩ። 

እቲ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ፖለቲካዊ ምፍንታት ግን ብቐሊሉ ክሃስስ ከምዘይኰነ ይግለጽ። 

ካብ 2003 ክሳዕ 2010 ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ መረጻ 2018 ተኣሲሩን ከይወዳደር ተኣጊዱን እዩ ነይሩ። 

ንሱ ካብ ሓደ ትካል ህንጻ ብራዚል ብላዕ ብምቕባል ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ነይሩ። 

ሉላ ን580 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ እቲ ፍርዲ ተሰሪዙሉ ዳግማይ ናብ ፖለቲካ ተመሊሱ። 

ንሱ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ብህይወተይ እንከለኹ ክቐብሩኒ ፈቲኖም፡ እነኹ፡” ኢሉ።

ሓሙሽተ ሓቅታት ብዛዕባ ሉላ 

  • ዕድመ 77
  • ጸጋማይ መርገጺ ዘለዎ
  • ሰራሕተኛ ትካል ሓጻውን ነበር
  • ፕረዚደንት 2003-2010 
  • ኣብ 2018 ክእሰርት እንከሎ ደሓር ግን እቲ ፍርዲ ተሰሪዙ

ኣቐዲሙ ኣብ ኢንተርነት ዝተገብረ ኣፈናዊ ዳህሳስ፡ ሉላ ብገፊሕ ከምዝዕወት ዝእንፍት እኳ እንተነበረ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ክወጽእ ምስ ጀመረ፡ ኣዝዩ ብጸቢብ ይመርሕ ብምንባሩ ብዙሓት ብራዚላውያን ነቲ ግምታት ክጠራጠርዎ ጀሚሮም ነይሮም። 

“እቲ ዝጸንሐ ስርዓት” ከምኡ’ውን መራኸቢ ብዙሃን ኣንጻሩ ተዓጢቘም ነቲ ዘለዎ ደገፍ የነኣእስዎ ኣለው ብዝብል ጠቐነታት ዝተተባብዑ ደገፍቲ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ፡ ከምዝዕወት ምሉእ እምነት እዩ ነይርዎም። 

ዓወት እቲ ጸጋማዊ መርገጺ ዘለዎ ፖለቲከኛ፡ ነዞም ንሉላ “ሰራቒ” ከምኡ’ውን ምስራዝ እቲ ፍርዲ ካብቲ ገበን ነጻ ዝገብሮ ኣይኮነን ብምባል ዝምጕቱ፡ ደገፍቲ ቦልሶናሮ ከቘጥዕ ምዃኑ ይግመት። 

ጀይል ቦልሶናሮ ንዝለዓለ ስልጣን እታ ሃገር'ኳ እንተዘይተዓወተ፡ ምስኡ ቅርበት ዘለዎም ኣባላት ባይቶ ዝበዝሐ መናብር ረኺቦም ኣሎው። እዚ ከኣ ሉላ ኣብ ፖሊሲታቱ ሓያል ተቓውሞ ናይቲ ሓጋጊ ኣካል ክገጥሞ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። 

እንተዀነ እቲ ካብ ጥሪ 2003 ክሳዕ ታሕሳስ 2010 ንኽልተ እብረ ነታ ሃገር ዝመርሐ ሉላ ልፍንቲ ናይ ምቛም ልምዲ ዘለዎ እዩ። 

ምኽትሉ ኰይኑ ኣብዚ መረጻ ክወዳደር ዝሓረዮ፡ ኣብ ዝቐደሙ መረጻታት ኣንጻሩ ንዝተወዳደረ ገራልዶ ኣልክሚን እዩ። 

እቲ “ሓድነት” ናይ ምፍጣር ውጥኑ፡ ድምጾም ንሰልፊ ዕዮ ክህቡ ንዘይደልዩ ብዙሓት ኣድመጽቲ ብምስሓቡ ዝተሳኽዓሉ ይመስል።  

መደረ ሉላ መንፈስ ዕርቂ ዝነበሮ ኰይኑ፡ ነቶም ዝመረጽዎ ጥራሕ ዘይኮነ ንዅሎም ብራዚላውያን ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። 

“እዛ ሃገር ሰላምን ሓድነትን የድልያ። እዚ ህዝቢ ዳግማይ ክቃለስ ኣይደልን እዩ፡” ኢሉ። 

እቲ ኣብቲ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ ድምጺ እምነት ከምዘይብሉ ክገልጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ንስዕረቱ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ “ዘጠራጥር ነገር የለን። እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ይዕወት። እዚ እዩ ዲሞክራሲ፡” ኢሉ ነይሩ። 

ሓሙሽተ ሓቅታት ብዛዕባ ቦልሶናሮ

  • ዕድመ 67
  • ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ 
  • ኣባል ሰራዊት ነበር (ካፕተን)
  • ንካልኣይ እብረ ዝወዳደር 
  • ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ ድምጺ መረጻ ብራዚል ጉድለት ኣለዎ ዝብል ብመርትዖ ዘይተደገፈ ርእይቶታት ክህብ ጸኒሑ