እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ብራዚል ካብ ስልጣን ክወርድ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ተኻይዱ
ኣብ ዓበይትን ኣናእሽቱን ከተማታት ብራዚል፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ፕረዚደንት እታ ሃገር ጄር ቦልሶናሮ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጽውዕ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም፡፡
እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ክወርድ ዝተሓተተሉ እዚ ሰልፊ ተቓውሞ፡ እታ ሃገር ኣብ መጻኢ ሓደ ዓመት ሃገራዊ መረጻ ክተካይድ ምድላዋት ኣብ እትገብረሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
እቲ ተቓውሞ ማሕበራት ሸቃሎን ውድባት ተቐውሞን ብሓባር ዝጸውዕዎ ምዃኑ ይንገር።
ቅድሚ መረጻ ዝእከቡ ዘለዉ ናይ ወሃብቲ ድምጺ ርእይቶታት ፡ ፕሬዝዳንት ቦልሶናሮ ከምዝሰዓር ዘመላኽቱ እዮም።
እቲ ፕረዚደንት ብፍላይ ነቲ 600 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ዝሰኣንሉ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝሓዘሉ መንገዲ ይንቀፍ ኣሎ።
ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ ልዕሊ 60 ከተማታት ነቲ ፕረዚደንት ዝቃወሙ ሰልፍታት ዝተኻየዱ ኾይኖም፡ እቶም ሰልፈኛታት ኣሳእል ፕርዝዳንት ቦልሶናሮ ሒዞም ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክሓቱ ተራእዮም።
ቫልዶ ኦሊቬራ ዝተብሃለ ተሳታፊ፡ “እዚ ፕረዚደንት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ድሑራት ነገራት ብሙለኦም እዩ ዝውክል። ጥሜት፣ ድኽነት፣ ብልሽውና ኣሎ፤ ስለዝኾነ’ውን ሕቶ ዲሞክረሲ ሒዝና ኢና ሰልፊ ወጺእና” ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
ፕሬዝዳንት ቦልሶናሮ ካብ ስልጣን ክወርድ ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ልዕሊ 100 ሕቶታት ዝቐረቡ እንተኾኑኳ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ነቶም ቀንዲ ሕቶታት ከልዕል ኣይከኣለን።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ግን፡ ኣብ ቀረባ እብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዝካየዱ ብዙሓት ምርመራታት ኣጽዲቑ ኣሎ።
ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ነቲ ፕረዚደንት ዝድግፉ ብዙሓት ሰልፍታት ተኻይዶም ነይሮም። እዚ ድማ እቲ ፕረዚደንት ብዙሕ ድጋፍ ከምዘለዉ ንክመስል ዝተገብረ ፈተነ እዩ ተባሂሉ።
እቲ ፕረዚደንት ክሳብ መጻኢ ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ እንተኾነ’ኳ፡ ዘጽድቖም ውሳነታት ተኣማንነቶም እናነከየ መጺኡ እዩ።
ኣትላስ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝኣከቦ ርእይቶ ህዝቢ 61 ሚኢታዊት ብራዚልያውያን ኣፈጻጽማ መንግስቶም ሕማቕን ኣዝዩ ሕማቕን ክብሉ ገሊጾምዎ።
ብ2019 ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ መሪሕነት ቦልሶናሮ ናብ ስልጣን እንትመጽእ ዝረኸቦ ድምጺ 23 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ ነይሩ።