እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናዲም ዛሃዊ፡ ካብ ዒራቓዊ ስደተኛ ክሳብ ቻንስለር ብሪጣንያ
ጸሓፊ ጕዳያት ትምህርቲ ነበር ናዲም ዛሃዊ ሓድሽ ቻንስለር ግምጃ ኰይኑ ተመዚዙ’ሎ።
እዚ ስልጣን፡ ቻንስለር ዝነበረ ሪሺ ሱናክ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ዝነበሮ ምትእምማን ስኢኑ ካብ መዝነቱ ብፍቓዱ ድሕሪ ምውራዱ’ዩ ተዋሂብዎ።
ወዲ 55 ዓመት ሚስተር ዛሃዊ፡ ንሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ምምራሕ፡ ኣብ ግዜ ቍልዕነቱ ሓሲቡዎ ዘይፈልጥ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
"ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ዕድለኛታት ደቂ ሰባት ሓደ ከይኰንኩ ኣይተርፍን፡" ይብል እቲ ኣባል ፓርላማ ስታንፎርድ-ኦን-ኣቮን።
ኣብ 1967 ኣብ ዒራቕ ዝተወለደ ብምዃኑ፡ ናብቲ ብ1980ታት ኣብ መንጐ ኢራንን ዒራቕን ዝተወልዐ ኲናት ንኽዋጋእ ክለኣኽ ዝኽእለሉ ኵነታት ከም ዝነበረ ይዛረብ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፖድካስት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ [the Political Thinking podcast] ቀሪቡ "ናብ ሰራዊት ዒራቕ ምተጸምበርኩ ነይረ፤ ናብ ቅድመ ግንባር ምኸድኩ፣ ምናልባት'ውን ምሞትኩ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ይዅን እምበር ንሱን ወለዱን ካብ ዒራቕ ክሃድሙ ስለ ዝተገደዱ ኣብ ብሪጣንያ እዩ ዓብዩ።
ስድራኡ ኣብታ ሃገር ጸለውቲ እዮም ነይሮም።
ኣቦሓጐኡ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ዒራቕ ብምንባሩ፡ ፌርማኡ ኣብ ኖት (ወረቐት ገንዘብ) እታ ሃገር ሰፊሩ ይርከብ።
ኣብ መወዳእታ 1970ታት ሳዳም ሑሴን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን፡ ስድራኡ ኣብ ከቢድ ስግኣት ወደቑ።
ነጋዳይ ዝነበረ ኣቦኡ ከኣ ሰበስልጣን ኣብ ቀይዲ ከእትውዎ ይዳለዉ ምህላዎም ሓበሬታ ስለ ዝረኸበ፡ ብቕልጡፍ ብነፋሪት ክወጽእ ተገደደ።
'ዘሰንብድ ዝኽሪ'
ናዲም፡ እታ ነፋሪት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ክትብገስ ትዳሎ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ውሽጡ ዝተፈጠረ ጭንቀት ይዝክር።
ኵሎም ተጓዓዝቲ ምስ ተሳፈሩ፡ ሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና ናብታ ነፋሪት ተጸግዐት። ሓደ ተሳፋራይ ካብታ ነፋሪት ተገዲዱ ክወርድ ዝረኣየት ኣደኡ ትነብዕ ነይራ።
እቲ ካብ ነፋሪት ክወርድ ዝተገበረ ሰብ ወላዲ ኣቦኡ ዘይኰነስ፡ እቲ ብድሕሪኡ ኣብታ ነፋሪት ኰፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ነበረ።
ሚስተር ዛሃዊ፡ "ኣብ ዝኽሩ ዝተሓትመ" ዝኽሪ ናይ ቁልዕነቱ "ስንባደ ዝመልኦ" ህሞት ክብል ይገልፆ።
ስለዚ ዛሃዊ፡ ኣክንዲ ኣብ ዒራቕ ኣብ ሳሴክስ ዓብዩ።
ኣብ ናይ ብሕትን ሓፈሻውን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተምሃረ ኰይኑ ንፉዕ ተቐዳዳማይ ፈረሰኛ'ውን እዩ።
ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ግን፡ ነታ ስድራቤት ካልእ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ነበረ።
ንግዳዊ ስራሕ ኣቦኡ ወዲቑ፤ ብዘይካ ‘ቮክስሆል’ ቡናዊት መኪና "ኵሉ ስኢኑ" ክብል ነቲ ኵነታት ይዝክር ዛሃዊ።
መንእሰይ ናዲም ዛሃዊ፡ ንስድራ ዝኸውን መግቢ ንምምላእ፡ ነታ ቮክስሆል ዝዓይነታ መኪና ተጠቒሙ ኣገልግሎት ናብ ዝህበሉ ስራሕ ክወፍር ወሰነ።
ኣደኡ ግን ወዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ከም ዘለዎ ብምምዓድ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ክጭነቕ ከም ዘይብሉ ነጊራ ዝነበራ መጋየጺ ስልማታት ከምእትሸይጥ ነገረቶ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን፡ ኬሚካል ኢንጅነሪን ድሕሪ ምጽናዕ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ፈጠራ ኣሰር ኣቦኡ ተኸቲሉ፡ ትካል ንግዲ 'ቴለታቢስ' መስረተ።
እቲ ትካል ከኣ፡ ናይቲ እዋን ዓቃባዊ ፖለቲከኛ ዝነበረ ጀፍሪ ኣርተር ሃብቱ ከውፍር ዝሰሓበ ነይሩ።
ሎርድ ኣርተር ንመደብ ፕሮፋይል ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመንእሰይ ናዲም ዛሃዊ "ካብ መፈጠሩ ንጡፍ ወዳቢ ኰይኑ ዝተወለደ'ዩ። ሽዱሽተ ታክሲ፡ ሰለስተ ነፈርትን በዓል ደርቢ ኣውቶቡስን የድልየኒ'ሎ እንተኢልካዮ፡ ነዚ ዅሉ ኣብ 30 ደቓይቕ ይፍጽመልካ" ክብል ይዝክሮ።
ሚስተር ዛሃዊ ብመንገዲ ኣርተር ኣቢሉ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ማርጋሬት ታቸር ዝርከብዎም ጸለውቲ ዓቃባውያን ፖለቲከኛታት ብሪጣንያ ክላለ ዕድል ረኸበ።
ኣብ 1994 ኣብ ደቡባዊ ለንደን ዋንድስዎርዝ ኣባል ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ ክኸውን በቒዑ፤ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ኣብ ኤሪትን ታምስሚድን ንፓርላማ ተወዳዲሩ፣ ክሰምረሉ ግን ኣይከኣለን።
ሎርድ ኣርተር ከንቲባ ለንደን ንምዃን ዝገብሮ ጎስጓስ ምስ ጀመረ፡ ሚስተር ዛሃዊ ናብ ጕጅለኡ ተጸንበረ።
እቲ ሕጹይ ግን ካብቲ ውድድር ክወጽእ ስለ ዝተገደደ፡ ሚስተር ዛሃዊ ካልእ ኣማራጺ ስራሕ ከናዲ ግድን ኰነ።
ዕንደራ ወጻኢታት
ዛሃዊ፡ ስቴፋን ሸክስፒር ምስ ዝብሃል ካልእ ኣባል ጕጅለ ኣርተር ነበር ብምዃን፡ ‘YouGov’ ዝበሃል ብኢንተርነት ድምጺ ምሃብ ዘቀላጥፍ ኩባንያ መስሪቱ።
እቲ ስራሕ ዕውት ብምንባሩ፡ ሚስተር ዛሃዊ ናይ 1.2 ሚልዮን ፓውንድ ኣክስዮኑ ብጥረ ገንዘብ ከእቱ ከም ዝኸኣለ ጸብጻብ ኢቨኒንግ ስታንዳርድ የመልክት።
ዘለዎ ሃብቲ ብዝምልከት ሓበሬታ ክህብ ኣብ ቀረባ እዋን ተሓቲቱ ምላሽ ክህብ'ኳ እንተዘይከኣ፡ ሓደ ካብ ሃብታማት ፖለቲከኛታት ከም ዝዀነ ግን ይእመን።
ኣብ 2010 መንበር ዓቃባውያን ስትራትፎርድ-ኣፖን-ኣቮን ተዓዊቱ ነይሩ።
ባይቶ ብሰንኪ ዕንደራ ወጻኢታት ኣባላት ይናወጽ ኣብ ዝነበረሉ፡ ሚስተር ዛሃዊ እውን ወጻኢታት ቀረብ ኤሌክትሪክ ብምሕታት ናብ ጥሕሰታት ሕጊ ጠሓለ።
ንሱ፡ "በዚ ጌጋ ሕፍረት ከም ዝተሰምዖ" ብምሕባር፡ ነቲ ገንዘብ ከም ዝመለሶን ኣፍሊጡ’ዩ።
እዚ ኵነታት ግን ንፖለቲካዊ ግስጋስኡ ብዙሕ ኣይዓገቶን፤ ኣብ ጥሪ 2018 ብናይ ሽዑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ ሜይ ሚኒስተር ትምህርቲ ክኸውን ተመዚዙ።
ይዅን እምበር፡ ኣብቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝሳተፉሉ ዝነበረ ክለብ ፕረዚደንታት [men-only Presidents Club] ብምስታፉ፡ ቀልጢፉ ኣብ ጸገም ኣተወ።
ሓደ ሕቡእ ሪፖርተር ፋይናንሻል ታይምስ፡ እተን ኣብኡ ዝነበራ ኣአንገድቲ፡ ምትላልን ጽዩፍ ርእይቶታትን ከም ዝወርደን ኣቃሊዑ ነይሩ።
ሚኒስተር ክታበታት
ሚስተር ዛሃዊ ኣብቲ መደብ ብምስታፉ ሰፊሕ ነቐፌታን መግናሕትን ቀሪቡሉ ነይሩ።
ነቲ ሕጂ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር "ካብ ዝሓለፈ ኣካታዒ ገጽ" ብዝብል እኳ ይገልፆ እንተነበረ፡ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ሓምለ 2019 ናብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ ግን፡ ንሱ'ውን ናብ ስልጣን ክመጽእ በቒዑ’ዩ።
ኣብ ሕዳር 2020 ከኣ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ "ክሰርሖ ዝኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ" ክብል ዝገለፆ- ናይ ክታበታት ሚኒስተርነት ስልጣን ተዋሂብዎ።
ንኣስታት 11 ኣዋርሕ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ምዝርጋሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክቈጻጸር እንከሎ፡ ብፍላይ ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ካልኦት ሃገራት ነቲ ክታበት ብምብፃሕ ክትመርሕ ከላ ብዕውት ስርሑ ክሕበንን ክዛረብን በቒዑ።
እዚ ምዝርጋሕ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ዓወታቶም ምዃኑ ብመንግስቲ ቦሪስ ጆንሰን ብቐጻሊ ይጥቀስ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ፈተናታት ዘጋጠመ ፍሽለት፡ ብህዝቢ ዘይተፈተወ ጋቪን ዊልያምሰን ካብ ስርሑ ድሕሪ ምብራሩ፡ ዛሃዊ ብጸሓፍነት ትምህርቲ ተመዚዙ።
ከም መጠን ሓድሽ ሓላፊ ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ህጻናት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኣዋርሕ ካብ ትምህርቲ ቦዂሮምሉ ንዝነበሩ እዋን ንምክሕሓስ ከቢድ ብድሆ ኣጋጢምዎ።
ኣብ ስልጣኑ ከም A Levels ፍሉጣት ንምግባር ዝዓለመ ሞያዊ ብቕዓት T Levels ኣስፋሕፊሑ።
ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ መምርሒ ኣብያተ ትምህርቲ ክደፍኣሉ ፈቲኑ፡ ግን ከኣ ንዘጋጠሞ ተቓውሞታት ስዒቡ ንሓያሎ ዓንቀጻት ክቕይሮም ከም ዝተገደደ ጸብጻባት የመልክቱ።
ከምኡ’ውን፡ ህጻናት ብዛያዳ ካብ ሃገራዊ መደብ ሓገዝ ትምህርቲ ተጠቀምቲ ናይ ምግባር ዕላማ ነይርዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ህጻናት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ንኣዋርሕ ኣዕሪፎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝምለሱ፡ መምህራን ከልዕልዎ ንዝኽእል ኣድማ ንምግታእ ክፍትን ተራእዩ'ሎ።
እቲ ብፍላይ ኣብ ሚድያ ክኢላ ተዛራባይ ከም ዝኾነ ዝእምነሉ ናዲም ዛሃዊ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝቐርበሉ ኣጋጣሚታት ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ንዝለዓሉ ተቓውሞታት ብቐጻሊ ክከላኸል ተሰሚዑ እዩ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ሚስተር ዛሃዊ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ኣይነበረን፡ ሕጂ ግን ብዘደንቕ ኵነታት ናብ ዳውኒን ስትሪት ቁጽሪ 11 [መንግስታዊ (ወግዓዊ) መንበሪ ቻንስለር] ይኣቱ ኣሎ።