እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያዊት 'ናይ ሓሶት ፖሊስ' ኣብ ቲቪ ድሕሪ ምቕራባ ተኣሲራ
ሓንቲ ፖለቲከኛ ክትከውን እትደሊ ኬንያዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ሓደ ናይ ተለቪዥን መደብ ከም ተዛታዪት ኮይና ክትርከብ ከላ፡ ፖሊስ መሲላ ስለዝቐረበት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።
መንነታ ሞኒካ ዋማይታይ ጊታው ዝተባህለት ጥርጥርቲ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ሓደ ብቋንቋ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዘተ፡ ምሉእ ዩኒፎርም ፖሊስ ተኸዲና ነይራ።
ፖሊስ፡ ኣብቲ ናይ ቁርሲ ሰዓት መደብ ከም ኣባል ፖሊስ ኰይና ዝቐረበት፡ ወ/ሮ ዋማይታይ፡ ድሕሪ ምጥርጣሮም፡ ናብቲ መደበር ቲቪ ተጓይዮም።
እታ ጥርጥርቲ ትኹን እቲ መደበር ቴሌቪዥን ኢኖሮ ብዛዕባ እዚ ክሲ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ፖሊስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ገበናት ጠልቆምቆም ንምቅላዕ ኣብ መርመራታት ፖሊስ መሲላ ትሕግዝ ኣላ" ኢሉ።
እታ ውልቀሰብ: ኣብቲ ንነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መረጻ ኬንያ፡ ንባይቶ ከተማ ናይሮቢ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ምዃና ፖሊስ ይገልጽ።
ፖሊስ፡ ማዕከናት ዜና፡ "ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ንኸይፍጠር"፡ ንመኮንናት ቅድሚ ንቃለ መሕትት ምዕዳሞም፡ ግቡእ ምጽራይ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ 2013፡ ጆሹዋ ዋይጋንጆ ዝተብሃለ ውልቀሰብ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት፡ ሓጋዚ ኮሚሽነር ፖሊስ ኬንያ መሲሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተኸሲሱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ’ቲ እዋን፡ እቲ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ዞባ ሪፍት ቫሊ ንዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ካብ ስልጣን ከም ዘባረረን ካልኦት ከም ዝቖጸረን ይግለጽ።
ሚስተር ዋይጋንጆ ኣብ ግንቦት 2020 ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነጻ ኮይኑ። ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ብይን ይግባይ ኢሉ ኣሎ።