እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ጐነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲ ምውሳዶም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ነቒፉ
ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መበል 127 ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንምጽንባል ዝተኣከበ ህዝቢ ብዝወሰድዎ ጐነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲ ሰባት ከም ዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቒፉ።
ኣብቲ ብሓሙስ ኣብ ርእሰ ከተማ ዝተኸበረ በዓል፡ ኣባላት ጸጥታ ነቶም ኣብ ሚኒሊክ ኣደባባይ (ጊዮርጊስ) ዝተኣከቡ ነበርቲ ንምብታን፡ ናይ ጎማ ኣባትር፡ መንብዒ ጋዝን ጥይትን ከም ዝተጠቕሙ እቲ ኮሚሽን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብቲ ዘጋጠመ ዕግርግር፡ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ሓያለ ካልኦት ከምዝቖሰሉን'ውን ሓቢሩ።
እቲ ኣብቲ ናዕቢ ብጥይት ዝተቐተለ ሚልዮን ወዳጅ ዝተባህለ ግዳይ፡ ኣብ ካልኣይ ቤትምህርቲ ዳግማዊ ሚኒሊክ ናይ ሲቪክስ መምህር ዝነበረ'ዩ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገለጽዎ፡ በቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝወሰድዎ ጐነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲ ሓያለ ሰባት ተጎዲኦም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ሚኒሊክ ኣደባባይ ዝነበረ ጽንብል ንምርባሽ ዝደለዩ ኣካላት ህውከት ንምውላዕ ፈቲኖም" ኢሉ።
እቶም ዝተባህሉ ኣካላት መን ምዃኖም ግን ብስም ኣይጠቐሰን።
እቲ ኮሚሽን (ኢሰመጉ) ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ'ቶም ንዓወት ዓድዋ ንምጽንባልን ንዓመታዊ በዓል ቅዱስ-ጊዮርጊስ ንምኽባርን ዝተኣከቡ ሰባት ዘይተመጣጣኒ ሓይሊ ተጠቒሞም ክብል ከሲሱ'ሎ።
እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ብሰላም ነቲ በዓል የኽብር ምንባሩ'ዩ እቲ ኮሚሽን ዝምጉት።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ድሕነትን ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ምሕላው ቀዳማይ ሓላፍነቶም ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ።
"ኣኽበርቲ ሕጊ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ከይክሰቱ ብቑዕ ስልጠና ክወሃቦም ይግባእ" ክብል እቲ ኮሚሽን ተማሕጺኑ። ሓይሊ ምጥቃም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ገይሮም ከይወስዱ'ውን ጸዊዑ'ሎ።
"ሓይልታት ጸጥታ ሓላፍነቶም ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን፡ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ሓይሊ ቅድሚ ምእታዎም፡ ሰላማዊ ኣገባብ ክኽተሉ ኣለዎም"። ወተሃደራዊ መሳርሒታት ምጥቃም፡ ሕጊ ንምኽባር ካልኦት መንገድታት ውጽኢታውያን እንተዘይኮይኖም ጥራይ'ዩ" ዝፍቀድ ይብል እቲ ኮሚሽን።
ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ነቲ ጎነጻዊ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣካላት ጸጥታ ክሕተቱ ጠሊቡ'ሎ።
ዓወት ዓድዋ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ሃገራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ታሪኻዊ ፍጻመ'ኳ እንተዀነ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ፈኸም እናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ብሄራዊ ምትፍናን ዝተጸልወ ምዃኑ ይግለጽ።