ኢትዮጵያ፡ ስእላዊ መግለጺ ጽንብል ዓወት ዓድዋ ኣብ መበል 127 ዓመቱ

Published

መበል 127 ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብኽብሪ ተጸንቢሉ ውዒሉ።

ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ሰራዊት እታ ሃገር ዘማእከሎ ጽንብል፡ ሓይልታት ጸጥታ ወተሃደራዊ ሰልፊን ምርኢትን ኣቕሪቦም።

ድሩዓት ተሽከርከርቲ ሰራዊትን ፖሊስን፡ ሚሳይላት ዝዓጠቓ ወተሃደራውያን መካይን፡ ከምኡ'ውን ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ዝተሳተፍሉ ምርኢት'ዩ ነይሩ።

ውግእ ዓድዋ ኣብ 1896 (ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ) ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢጣልያን ብንጉስ ምኒሊክ ዝምራሕ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ባሕቲ መጋቢት ናይቲ ዓመት ብስዕረት ኢጣልያውያን ዝተወድአ እዩ።

እቲ ዓወት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ኣንጻር ኣውሮጳዊ መግዛእቲ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን ዘነቓቕሐ'ዩ ነይሩ።

ስእላዊ መግለጺ ናይቲ ሎሚ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም (2 መጋቢት) ዝተኻየደ ጽንብል እንሆ፣