እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ: ኣብ ኦሮሚያ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ]፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ወረዳ ኡሙሩ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ሞትን ምምዝባልን ዘስዓበ ብዕጡቓት ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲ ዓብይ ስክፍታ ከምዘሕደረሉ ኣፍሊጡ።
ካብ 23 ነሓሰ ክሳብ 25 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ብዕጡቓት ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም፤ ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝቖሰሉን ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን እውን ሓቢሩ።
እቲ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ነበርትን ኣካላት መንግስትን ብዝተኣከበ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ መጥቃዕቲ "ኣብቲ ከባቢ ዝዓስከሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ናብ ካልእ ከባቢ ድሕሪ ምግዓዞም" ዝተፈጸመ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ዋና ኮሚሽነር ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ዳንኤል በቀለ እቲ መጥቃዕቲ ዘሻቕል ምዃኑ ገሊጹ።
መንግስቲ ግብረሽበራዊ ኢሉ ዝሰመዮ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ [ሸኔ]፡ ኣብ ወረዳ ኣሙሩ ዞባ ወለጋ ሆሮ ጉዱሩ ሰለስተ ተወለድቲ ኣምሓራ ድሕሪ ምቕታሉ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተጋደደ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት ካብ ወረዳ ኡሙሩ፣ ቀበሌ ሃሮ ኣዲስ ኣለም ካብ ጎረቤት ክልል ኣምሓራ፣ ወረዳ ቡሬን ዝመጹ ዕጡቓት፡ ኣብ ወረዳ ኡሙሩ ኣብ ሓያሎ ቀበሌታት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮሞ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ኢሳመኮ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንብረትን ከብትን እቶም ነበርቲ ከምዝዘመቱን ነበርትን ሰበስልጣን መንግስትን ሓቢሮም።
ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ኦቦራ እትብሃል ከተማ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ እውን ኣመልኪቶም።
እቲ መጥቃዕቲ ዘስዕቦ ስግኣት ሐዚ እውን ከቢድ ምዃኑን ኣብ ካልኦት ወረዳታት እቲ ዞባ እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍፀም ስግኣት ከምዘሎን እቲ ኮሚሽን ሻቕሎቱ ኣፍሊጡ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክውፈሩን፡ ሰላምን ድሕንነትን ከረጋገጹን፣ ነበርቲ ናብ ርጉእ ናብራ ክምለሱን ተሓታትነት ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ብግቡእ ምርመራ ክፍፅምን እቲ ኮሚሽን ይላቦ።
ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዓለም ለኸ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት፡ እዞም መጥቃዕትታት ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሱ ምዃኖም ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
መንግስቲ እቲ ክልል፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዛጊድ ዝበሎ የለን።