እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካሊፎርኒያ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ብዝተፈጸመ ካልኣይ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም
ኣብ ካሊፎርንያ ትማሊ ሰኑይ ሓደ ዕጡቕ ቅድሚ ኣብ ቀይዲ ምእታው ሸውዓተ ሰባት ቀቲሉ።
እዚ ድማ ኣብ ሓደ ህቡብ ኣዳራሽ ሳዕስዒት ብዝተፈጸመ ተኹሲ፡ ህይወት 11 ሰባት ድሕሪ ምጥፍኡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ጥራይ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ እዩ።
እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ኣብታ ካብ ደቡብ ሳን ፍራንሲስኮ ኣስታት 50 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሃልፍ ሙን ቤይ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ቦታታት እዩ ተፈጺሙ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ዛኦ ቹንሊ ብዝተባህለ ወዲ 67 ዓመት ነባሪ እቲ ከባቢ ከምዝተፈጸመ ተፈሊጡ።
እዚ እታ ዝበዝሑ ኤስያውያን ዝነብሩላ ግዝኣት፡ ኣብ እዋን ጽምብል ሓድሽ ዓመት (ሉናር)፡ ኣብ ሞንተረይ ፓርክ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ እትሓዘነሉ ዘላ እዋን ዝፍጸም ዘሎ ካልኣይ መጥቃዕቲ’ዩ።
እቲ ጥርጡር፡ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣስታት ክልተ ሰዓታት፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ካውንቲ ሳን ማቴዎ ኢዱ ሂቡ።
እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ግዳያት ኣብ ሕርሻ ዕፉን ክርከቡ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ ድማ ድሒሮም ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከብ ናይ ጽዕነት መካይን ተረኺቦም።
መርመርቲ፡ እቲ ውልቀሰብ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ምኽንያት ክሳብ ሕጂ ኣይገለጹን።
ኣዛዚት ፖሊስ ሳን ማቴዎ ካውንቲ ክርስቲና ኮርፐስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ጥርጡር ብመኪና ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢ መደበር ፖሊስ ድሕሪ ምኻዱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ገሊጻ።
ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ተጠቒሙሉ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገለጸ ሽጉጥ ሒዙ ከም ዝተረኽበን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ፖሊስ "ይተሓባበር" ከም ዘሎን ወሲኻ ገሊጻ።
ንሳ ወሲኻ፡ ሻሙናይ ግዳይ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ከም ዘሎን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ምህላውን ገሊጻ።
"ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብርሑቕ እንሰምዖ ዝነበርና ዘሕዝን ፍጻመ ሎሚ ናብ ገዛና መጺኡ” ኢላ።
እታ ኣዛዚት ፖሊስ ኣብ መግለጺኣ፡ ኣብቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝወጽኡን ኣብቲ ገጠር ከባቢ ዝጸንሑን ህጻናት መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ ከም ዘሕዝና ሓቢራ።
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም “ኣብ ሆስፒታል ምስ ግዳያት ጃምላዊ መጥቃዕቲ እንከለኹ፡ ብዛዕባ ካልእ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ክወሃበኒ ተሳሒበ። ኣብ ሃፍ ሙን ቤይ፡ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ዘሕዝን ፍጻመ” ኢሉ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ሃፍ ሙን ቤይ ደቢ ሩዶክ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳያት ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ሕርሻ ምዃኖም ሓቢራ።
ፕረዚደንት ቦርድ ተቖጻጸርቲ ሳን ማቴዎ ዴቭ ፓይን ንማዕከን ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሓደ "ዘይዕጉብ ሰራሕተኛ" ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ።
"ብዛዕባ ሎሚ ኣብ ሃፍ ሙን ቤይ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ሓሚምና ኣለና። ኣብ ሞንተረይ ፓርክ ብዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ተኹሲ ዝጠፍኡ ሰባት ክንሓዝን እኳ ግዜ ኣይረኸብናን። ዓመጽ ብረት ደው ክብል ኣለዎ"።