እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ሓደ ዕጡቕ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ካሊፎርንያ ትማሊ ሰንበት ሓደ ዕጡቕ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ከም ዝቐተለን ካልኦት ዓሰርተ ከም ዘቑሰለን ተገሊጹ።
እቲ ኣብታ ግዝኣት ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ መጥቃዕቲታት ሓደ ምዃኑ ዝተገለጸ መጥቃዕቲ፡ ኤስያውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ሞንተረይ ፓርክ እዩ ተፈጺሙ።
እቲ ዕጡቕ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ጽምበል ሓድሽ ዓመት ሉናር ንምኽባር ኣብ ዝተኣከቡሉ ከባቢ፡ ኣብ ሓደ ናይ ሳዕስዒት ስቱዲዮ ተኹሲ ከፊቱ።
ፖሊስ ካሊፎርንያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ወዲ 72 ዓመት እስያዊ ከም ዝዀነን ኣብ መኪና ሞይቱ ከም ዝተረኸበን ኣፍሊጡ።
እቲ ሁ ካን ትራን ዝተባህለ ዕጡቕ፡ ካብ ባዕሉ ብዝተተኮሰ ጥይት ሞይቱ ከም ዝተረኸበ ተገሊጹ።
እቲ ዕጡቕ ንምንታይ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ፡ ዛጊድ ፖሊስ ዝረኸቦ ሓበሬታ የለን።
ካብቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ገለ ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ዝርከቡዎም ሸውዓተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ።
መንነት እቶም ግዳያት ንምፍላጥ ይጽዕር ከም ዘሎ ዝገለጸ ፖሊስ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 50ን ልዕሊኡን ከም ዝዀኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ዕጡቕ ነቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ 30 ደቓይቕ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኣብ እትርከብ ከተማ ኣልሃምብራ ናብ ዘሎ ካልእ ናይ ሳዕስዒት ስቱድዮ ኣምሪሑ ነይሩ።
ኰይኑ ግና ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ከልተ ሰባት ተቓሊሶም ነቲ ጠበንጃ ከም ዝመንጠሉዎን ንሱ ከም ዝሃደመን ተገሊጹ።
እቲ ዕጡቕ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ጠበንጃ ኣብ ካሊፎርንያ ዘይሕጋዊ ከም ዝዀነ ዝሓበረ ፖሊስ ብኸመይ ኣብ ኢድ እቲ ቀታሊ ከም ዝኣተወ ይጻረ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ትማሊ ሰንበት ፖሊስ ነቲ ዕጡቕ ንምርካብ ኣብ ሎን ኣንጀለስ ኣለሻ ከካይዱ እዮም ውዒሎም።
እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ 12 ሰዓታት ካብ ሞንተረይ ፓርክ 48 ኪ.ሜ ርሒቑ ንሓንቲ ቫን ዝዓይነታ መኪና ከቢቦምዋ።
ናብታ መኪና ኣብ ዝተጸግዕሉ ድማ ድምጺ ሓንቲ ጥይት ከም ዝተሰምዐን እቲ ጥርጡር ሞይቱ ከም ዝተረኸበን ሓላፊ ፖሊስ ስኮት ወይስ ተዛሪቡ።
እቲ ዕጡቕ ነቲ መጥቃዕቲ በይኑ ከም ዝፈጸሞን ካልእ ተጠርጣሪ ከም ዘየለን እውን ገሊጹ።
65 ምኢታዊት ነበርቲ ሞንትረይ ፓርክ እስያውያን ኣመሪካውያን ኰይኖም፡ እታ ከተማ ብዝሒ ዓሌት እስያውያን ዝብሩላ ፈላሚት ኣመሪካዊት ከተማ እያ።
ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንሓድሽ ዓመት ሉናር ዝተዳለዉ ጽምብላት ተሰሪዞም ኣለዉ።