እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንዕርቂ መንጎኛ ክትኸውን ሓቲታ
ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ወገናት ንምቅርራብን ንምትዕራቕን ሕቶ ከምዘቕረበት ኣፍሊጣ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ዘካየዶ ምልኣተ ጉባኤ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ንቤተክርስትያንን ንሃገርን ዝሓይሽ” ዝበሎ ውሳነታት ምሕላው ገሊጹ።
ንመግለጺ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብንባብ ዘቕረቡ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ ንኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብዝርርብ መዕለቢ ንምርካብ፡ እታ ቤተክርስትያን፡ መንጎኛ ብምዃን ተራኣ ክተበርክት ናብ መንግስቲ ፌደራል ሕቶ ከምዘቕረበት ተዛሪቦም።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ “ኲናትን ሓድሕዳዊ ጐንጽን ተኣልዩ፡ ሓፈሻዊ ሰላም ብዝሰፍነሉ መልክዑ ተዘራሪብካ ነቲ ጸገማት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ምፍታሕ ክከኣል ምእንቲ፡ ቤተክርስትያንና ናይ ምትዕራቕ ተራኣ ክትጻወት ክትክእል ንመንግስቲ ፌደራል ሕቶ ከምዝቐርብ ተጌሩ ኣሎ” ኢሎም።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ምዝዛም ምልኣተ ጉባኤ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓድነት ሃገርን ሰላምን ሓቢሮም ክሰርሑ ጻውዒት ቀሪቡ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ካህናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ እቲ ሲኖዶስ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ጎድንና ደው ኣይበለን ብምባል፣ ተፈልዮም ናይ ገዝእ ርእሶም ቤተክህነት ምምስራቶም ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ ኣብታ ሃገር ብዝተኸሰተ ስእነት ሰላም ዝሰዓበ ሞት፡ ምቅጻል ኣብያተ ክርስትያን፡ ኣብ ምእመናን እታ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ብምትኳር ከምእተዘተየ ክግለጽ እንከሎ፣ እቲ ጸገም መፍትሒ ምእንቲ ክረክብ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ክቐርብ ከም እተወሰነ ተገሊጹ።
ጉባኤ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዘራራቢ ኮይኑ ንዝነበረ ጉዳይ በዓል ዝኽበረሎም ስፍራታት’ውን ኣልዒሉ ብምዝርራብ “ሕጊ ዝጥሕሱ ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ ኣብ ቀጻሊ ከኣ መንግስቲ ኣድላዪ ሓለዋ ክገብር” ምሕታቱ’ውን ተጠቒሱ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እዩ ጉባኤ ዘካይድ።