እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
4ይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መንቆሬዎስ ዓሪፎም
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መንቆሬዎስ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ብዘጋጠሞም ሕማም ኣብ ሕክምና ክንክን ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፎም።
ኣብ 1980 ዓ. ም. 4ይ ፓትሪያሪክ ኰይኖም ዝተሸሙ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መንቆሬዎስ፡ ብዘጋጠሞም ፖሎቲካዊ ጸቕጢ ስለጣኖም ሓዲጐም ካብ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ኣመሪካ ንነዊሕ ዓመታት ነቢሮም።
ሞት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መንቆሬዎስ ምስ ተሰመዐ ብዙሓት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።
ቀዳማይ ምኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ "ሞት ፓትሪያሪክ ምስ ሰማዕኩ ዓሚቝ ሓዘን ተሰሚዑኒ፡" ኢሉ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣስዒቡ፡ "ተፈላልዮም ዝነበሩ ክልተ ሲኖዶስ ሓደ ንክዀኑ ፓትሪያርክ ዓቢይ ተራ እዮም ተጻዊቶም፡ ንነገራት ብትዕግስቲ ብምዕዛብ፡ ንሃገሮም ብጸሎት ክሕግዙ ጸኒሖም። ኣብ ከምዚ ኵነታት ብሞት ክፍለዩና ከቢድ መጕዳእቲ'ዩ፣ ንዅልና ጽንዓት ይሃበና፡" ኢሉ።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መንቆሬዎስ፡ ኣብ 29 ነሓሰ 1980 ዓ. ምህረት'ዮም 4ይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኰይኖም ተሸይሞም።
ድሕሪ ሽመቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓመታት ጥራይ'ዮም ኣብ መንበሮም ጸኒሖም።
ደርግ ተኣልዩ ኢህወደግ ስልጣን ምስ ተረከበ፡ በቲ ሓዲሽ መንግስቲ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ፖለቲካዊ ጸቕጢ ሃይማኖታዊ ስልጣኖም ሓዲጐም ብ28 ነሓሰ 1983 ዓ. ም. ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መንቆሬዎስ ኣብ ኣመሪካ ዝተቐመጡሉ 26 ዓመታት፡ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሲኖዶስ ይመርሑ ነይሮም።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኸኣ፡ ዕርቂ ተገይሩ፡ ብ25 ሓምለ 2010 ዓ. ም. ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም።