ኢትዮጵያ፡ ቀረብ ሲሚንቶ ብነጻ ዕዳጋ ምውሳኑ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ'ዩ?

Published

ኣብ 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ጠለብ ሲሚንቶ 12 ሜጋቶን (12 ቢልዮን ኪሎ ግራም) ክበጽሕ እንከሎ፡ ቀረብ ሲሚንቶ ድማ ኣስታት 8.9 ሜጋቶን ነይሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ምርምር ግብኣት ኢንዱስትሪ ኬሚካልን ኮንስትራክሽን፡ ኢትዮጵያ ክሳብ 20 ሜጋቶን ሲሚንቶ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዋ።

እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ኣብ ናይ ወፃኢ ኩባንያታት ሲሚንቶ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላ’ያ።

እንተኾነ ግን ሕዚ እውን ሕፅረት ሲሚንቶ ኣሎ።

መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን 50 ኪሎ ሲሚንቶ ብማእኸላይ ዋጋ 600 ብር ክሸይጥ እኳ እንተወሰነ፡ ልዕሊ 2000 ብር ክሸይጥ ፀኒሑ እዩ።

ዋጋ ሲሚንቶ ዝያዳ ክውስኽ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት ሓደ ኣብቲ ዓበይቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ዝርከባሉ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ እዩ።

እዚ ወሰኽ ዋጋ ሲሚንቶ ስዒቡ ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕግጋዝን፡ ስሚንቶ ብነጻ ዕዳጋ ክሽየጥ ወሲኑ ኣሎ።

ነጻ ዕዳጋ ሲሚንቶ እንታይ እዩ? እዚ ፖሊሲ፡ ነቲ ዕዳጋ ሲሚንቶ ከረጋግኦ ድዩ?

'ነጻ ዕዳጋ' ሲሚንቶ

‘ነጻ ዕዳጋ’፡ ኣቕራቢን ተጠቃምን ብጠለብ ብዝተቐመጠ ሕግታት ዝነግዱሉ ዓውዲ እዩ።

ኣብቲ ዕዳጋ ዋላ ሓንቲ መንግስታዊ ምትእትታው ክህሉ ኣይክእልን እዩ፣ ወይ’ውን ውሑድ እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ምሁር ስነ-ቑጠባ ጉቱ ቴሶ (ዶ/ር)፡ ዕዳጋ ሲሚንቶ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብመትከል ነጻ ዕዳጋ ዝምራሕ ምንባሩ ይዝክር።

"ሲሚንቶ ዓንዲ ሕቖ ኢትዮጵያ እዩ" ዝብል እዚ ምሁር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢንዳስትሪ ክትዕወት እንተኾይና፡ ሲሚንቶ እቲ ኣገዳሲ ፍርያት ምዃኑ ይገልጽ።

"እዚ ስለ ዝኾነ እዩ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣመራርሓ (ኢህወዴግ) ሲሚንቶ ብብዝሒ ክፈሪ ዝደለየ፤ ካብ ወጻኢ ሃገር ከእትዉ ዝደልዩ ድማ ካብ ግብሪ ነጻ ኮይኖም ክኣትዉ ፈቒዱ ዝነበረ።”

ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ናብዚ ውሳነ ዝበጽሐ፡ እተን ፋብሪካታት ዝሓቶኦ ዋጋታት ልዑል ምዃኑ ሓቲቱ ምስ ኣረጋገጸ እዩ።

"ድርቂ ሲሚንቶ ነይሩ"

ፕረዚደንት ማሕበር ኣፍረይቲ ሲሚንቶ ኢትዮጵያ ሃይለ ኣሰግዴ፡ ዋላ'ኳ 'ነጻ ዕዳጋ' ዝበሃል እንተሃለወ፡ ሕጂ'ውን እቲ ሲሚንቶ መንግስቲ ብዘቐመጦ መጠን ይሽየጥ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ዶክተር ጉቱ ተሶ፡ ኣብታ ሃገር ካብቶም ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሓደ ዝኾነ ስሚንቶ፡ ቀረብ ሰንሰለቱ 'ተጨውዩ' እዩ ይብል።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ፍርያተን ብዋጋ ዕዳጋ ይሸጣ ነይረን።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ግን እቲ ነጻ ዕዳጋ ዝበሃል ተላዒሉ "ሰበስልጣን እቲ ፍርያት ክጠፍእን ዋጋ ክወርድን ምግባሮም ይገርመኒ" ይብል።

"ከመይ ኢሉ እዩ ሲሚንቶ ዝኣክል ነገር ካብ ነጻ ዕዳጋ ወጺኡ መንግስቲ ከም ሽኮርን ዘይትን ዝዕድል ዘሎ?" ክብል'ውን ይሓትት።

ብመሰረት እቲ ክኢላ፡ ገለ ሰበስልጣን ፌደራልን ክልላትን ነቲ ሰንሰለት ዕዳጋ ሲሚንቶ ስለ ዝተቖጻጸርዎ "ሲሚንቶ ብመንግስቲ ይሽየጥ" ኣሎ ክበሃል ይኽእል።

“ኣብ ስነ-ቑጠባ ነዚ ‘ሞኖፖሊ’ ኢልና ንጽውዖ። ሓደ ኣቕራቢ ጥራይ ክሸይጥ ከሎ፡ 'ሞኖፖላይዝድ' እዩ ዝበሃል። ከመይ ጌሩ ንኹለን ፋብሪካታት ሲሚንቶ ከምዝበሓቶ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ።"

መንግስቲ ሕጂ ናብ ነፃ ዕዳጋ ተመሊሱ ዘሎ ዕዳጋ 'ሞኖፖሊ' ሸቕሊ ኣልቦነት ክውስኽን ዘፈር ኮንስትራክሽን ክህሰይን ስለ ዝገበረ እዩ።

ፕረዚደንት ማሕበር ኣፍረይቲ ኣቶ ሃይለ ከም ዝብሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣከፋፈልቲ ከይሸጡ ስለ ዝተኸልከሉ ዓበይቲ መንግስታዊ ፕሮጀክትታት ጥራሕ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም።

እቲ ሓድሽ መምርሒ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ከም ዝወጸ እቲ ፕረዚደንት ይኣምን፡ "ኣብ ነቑጣታት ዝግበር ቁጽጽርን ዝኾነ ሰብ ዝወስዶ ውሳነታትን ከወግድ'ዩ" ዝብል ተስፋ ኣለዎ።

ከም ኣገላልፃ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር፡ ንምርግጋእ ዕዳጋ እቲ ወሳኒ ጉዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፈሪ ሲሚንቶ ብናፃ ምንቅስቓስ ምኽኣሉ እዩ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ፡ ፋብሪካታትን ኣከፋፈልትን ካብ ምፍራይ ሲሚንቶ ክረኽብዎ ዝኽእሉ መጠን ገንዘብ ተነፂሩ ኣሎ።

“ሓደ ካብ ፋብሪካ ዝዕድግ ነጋዳይ ዋጋ መሸጢኡ ክሳብ 10 ሚእታዊት ክውስኽ ይኽእል። ኣከፋፈልቲ ንኹሉ ወጻኢታቶም ሸፊኖም ክሳብ 15 ሚእታዊት ክውስኹ ይኽእሉ።"

ነጻ ዕዳጋ ንተጠቃሚ ይረብሕ ድዩ?

ዶክተር ጉቱ፡ ነፃ ዕዳጋ ሲሚንቶ ንዓደግቲ ዝጠቅም እምበር ዝጎድኦም ከም ዘይኮነ ይኣምን።

ኣቶ ሃይለ ኣሰግዴ’ውን እቲ ሓድሽ መምርሒ፡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ፍርያቶም ካብ ፋብሪካታት ክረኽቡ፡ ንኣሽቱ ፕሮጀክትታት ድማ ካብ ኣከፋፈልቲ ብዝተመጣጠነ ዋጋ ክረኽቡ ከም ዘኽእል ትጽቢት ይግበር።

ዶክተር ጉቱ፡ ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ዋጋ ሲሚንቶ ንምርግጋእ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት እኳ ይወስድ እንተነበረ፡ ዋጋ ሲሚንቶ ግን ካብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ እናወሰኸ ይዝመጽእ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኣብ ሰንሰለት ዕዳጋ ሲሚንቶ ዝነጥፉ ግን ነቲ ነጻ ዕዳጋ ከይዘርግዎ ይሰግእ።

“ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊታት ንዘማዕበሉ ውልቀሰባት፡ ዕዳጋ ሲሚንቶ ናይ ገንዘብ ላሕሚ እዩ። ኣብ ሓደ ለይቲ ብዙሕ ሚልዮን ትረኽበሉ’ዩ። ስለዚ ብሓቂ ዕዳጋ ሲሚንቶ ብነጻነት ክገድፍዎ ምዃኖም ኣጠራጣሪ እዩ።”

ካልእ ንፕረዚደንት ኣፍረይቲ ሲሚንቶ ተስፋ ዝህብ ጉዳይ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ክምለስ ምኽኣሉ እዩ።

ሃይለ ከም ዝብሎ፡ መሰቦ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ምፍራይ እንተኣትዩ ኣብ ጎንደርን ዓፋርን ዘሎ ጠለብ ሲሚንቶ ከማልእ ይኽእል እዩ።

"ፋብሪካታት ካብ መንግስቲ ደገፍ እንተረኺበን፡ እቲ ሲሚንቶ ብነጻነት ክንቀሳቐስ እንተኽኢሉ፡ ፋብሪካታት ብናይ ገዛእ ርእሰን ኣከፋፈልቲ ክሸጣ እንተተፈቒዱለን፡ እቲ ዋጋ ክውስኽ ዘይኮነስ ክጎድል'ዩ።"

ይኹን እምበር እቲ ቁልፊ ጉዳይ መንግስቲ ነዚ መትከል ናፃ ዕዳጋ ንምዕዋት ዘለዎ ተወፋይነት እዩ።

"ካብ ተራ ደላሎ ክሳብ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ካብ ዕዳጋ ሲሚንቶ ይጥቀሙ እዮም። እዚ ሰንሰለት ተበቲኹ ዝሓሸ ስርዓት ዕዳጋ ክቐውም ይኽእል ድዩ? መንግስቲ ነዚ ነገር ንምትግባር ቆራጽነት ኣለዎ ድዩ? ዝኾነ ዓቕሚ ኣሎ ድዩ?" እዚኦም ቀንዲ ሕቶታቶም እዮም።