እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክህደን ዝጸንሐ መራሒ ዕሉል ጉጅለ ማፍያ ኢጣልያ ተታሒዙ
ን30 ዓመታት ክህደን ዝጸንሐ ሓለቓ ማፊያታት ጥልያን ማቴዮ መሲና ዲናሮ፡ ኣብ ሲሲሊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
መሲና ዲናሮ ኣብ ርእሰ ከተማ ሲሲሊ ዝዀነት ፓሌርሞ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ ብሕቲ ክሊኒክ እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
ንሱ፡ ናይቲ ኮሳ ኖስትራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕሉል ጉጅለ ማፊያ ሓለቓ እዩ ተባሂሉ ይኽሰስ።
ማዕከን ዜና ኢጣልያ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እዚ ን30 ዓመታት ክድለ ዝጸንሐ ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ክሊኒክ ሕክምና እናተገበረሉ እንከሎ ብፖሊስ ተታሒዙ ናብ ሓደ ሚስጢራዊ ቦታ ከም ዝተወስደ ሓቢሩ።
ንዕኡ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ኣብ ዝተገብረ ስርሒት ልዕሊ 100 ኣባላት ጸጥታ ከም ዝተሳተፉ ተገሊጹ።
ማቴዮ መሲና ዲናሮ፡ ኣብ 1992 ብብዙሓት ገበናት ቅትለት ተኸሲሱ ኣብ ዘየለወሉ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱዎ ነይሩ።
ካብ ሞንጐ እቶም ዝተኸሰሰሎም ገበናት ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ኣብ 1992 ቅትለት ዓቀብቲ ሕጊ ጸረ ማፊያ ዝነበሩ ጂዮቫኒ ፋልኮኔን ፓውሎ ቦርሴሊኖን ይጥቀስ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ 1983፡ ኣብ ሚላን፣ ፍሎረንስን ሮማን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ፣ ጭውያ፣ ምስርጣይን ቅትለትን 11 ዓመት ቈልዓን ካብቶም ዝቐርብሉ ክስታት’ዮም።
እቲ ግዳይ ዝዀነ ህጻን፡ ወዱ ንሓደ ካብ ጉጅለ ማፊያ ወጺኡ ምስክር ዝዀነ ውልቀሰብ እዩ ነይሩ።
ማቴዎ መሲና፡ ንጉጅለ ኮሳ ኖስትራ ተጠቒሙ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ሕጋዊ ብምግባርን ምስግጋር ዕጸ-ፋርስን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ገበናት ብምምራሕ ክፍጸሙ ገይሩ’ዩ ተባሂሉ ይእመን።
ዲናሮ፡ ካብ 1993 ጀሚሩ ካብ ፖሊስ ተሓቢኡ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ኰይኑ መምርሒ ብምሃብ ክሳብ ሕዚ ንሰዓብቱ ክመርሕ ከም ዝጸንሐ ይግለጽ።
ብዘይካ'ዚ፡ ዲናሮ ናይ መወዳእታ ሓላዊ ሚስጢር እቲ ጉጅለ ማፊያ እዩ ተባሂሉ ይእመን።
ብዙሓት ወሃብቲ ሓበሬታን ጠበቓታትን፡ ሙሉእ ሓበሬታን ዝርዝር ኣሽማትን ናይቶም በቲ ጉጅለ ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ገበናትን ተሳትፎ ዝነበሮም ውልቀሰባትን ይፈልጥ’ዩ ይብሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት፡ ኢጣልያውያን መርመርቲ ንዕኡ ቀረባ ዝዀኑ ሰባት ብምክትታል ንመሲና ዴናሮ ክሕዙዎ ፈተነ ክገብሩ ጸኒሖም።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ 2013 ሓፍቱን ካልኦት ብዙሓት ሰራሕተኛታቱን ተኣሲሮም።
እቲ ውልቀሰብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ምስ ውዓለ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ፡ "ሰራዊት ምክልኻል ቀንዲ ኣባል ጉጅለ ገበን ዝዀነ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ ብምምስጋን፡ እዚ ነታ ሃገር ዓብዪ ዓወት’ዩ" ኢላ።