እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ክብሮም በርሀ ከምዝተኣሰረ ተገሊጹ
ኣባል መሪሕነት ካብተን ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ብሄራውያን ውድባት ሓንቲ ናይ ዝኾነት ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣቶ ክብሮም በርሀ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶና ኣቶ ክብሮም ትማሊ ምሸት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተኣሰረ እዩ ሓላፊ ኮምሽን ቁጽጽር ባይቶና ኣይተ ዮሴፍ ሃይለስላሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ዘሎ።
“ትማሊ ካብ ሰዓት ሓደ ክሳብ ክልተ ናይ ምሸት ኣቢሉ ይኸውን፡ ናይ ሲቪል ክዳን ዝተኸደኑ ሰባት ንበዓልቲ ቤቱ ሒዞምዋ። ንምንታይ ተታሒዘ ምስበለቶም ንበዓል ገዛኺ ኣምጽእዮ ኢሎምዋ። ንሳ ኣዶ ሰለስተ ቆልዑ እውን ስለዝኾነት፡ ንሱ (ክብሮም) ምሸት ከይዱ፡ ኣሲሮምዎ ማለት እዩ” ኢሉ።
ኣቶ ክብሮም፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት “ምጽኣት” እትብል ምስ ኲናት ትግራይ ምትእስሳር ከምዘለዋ ዝተገለጸት መጽሓፍ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣመሪቑ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ሓይልታት ትግራይ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ግስጋሰ ይገብሩሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣዋጅ ብምእዋጅ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተጋሩ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲን ምንግልታዕን ይፍጸም ኣሎ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣይተ ክብሮም በርሀ እውን ንኣዋርሕ ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ፖለቲከኛን ጸሓፍን ትማሊ ምሸት ደዊሉ፡ በዓልቲ ቤቱ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተትሓዘትን ናብ እንዳ ፖሊስ ከምዝተጸወዐን ከምዝሓበሮ ዝገልጽ ኣቶ ዮሴፍ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ክፍለ ከተማ ቃሊቲ ተኣሲሩ ከምዘሎ ጠቒሱ።
“ምሸት ደዊሉ እዩ ነጊሩኒ። ፖሊስ መጺኦም ይወስዱኒ ኣለዉ። ንበዓልቲ ቤተይ ሒዞምዋ ስለዘለዉ ክኣስሩኒ እዮም ደልዮም። ስለዚ ክእሰር ይኸይድ ኣለኹ ኢሉኒ።”
ብተወሳኺ ኣቶ ክብሮም ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ከምዘይተፈለጠን ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበን ብምግላጽ፡ በዓልቲ ቤቱ ግና እቲ ፖለቲከኛ ምስቀረበ ከምዝተፈተሐት ኣይተ ዮሴፍ ሃይለስላሰ ተዛሪቡ።
“ንሕና እንብሎን ንሳቶም ዝብልዎን ምኽንያት ዝተፈላለየ እዩ። ንሕና መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምእሳር፣ ምግፋዕን ምብዳልን ስራሕቲ እዩ ኢና እንብል። ንሳቶም ዝብልዎ ግና ገና ክንሰምዕ። በዓልቲ ቤቱ ግን ንጉሆ ረኺበያ እየ” ኢሉ።
ማእሰርቲ እቲ ፖለቲከኛን ጸሓፍን ዝምልከት ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብስልኪ መብርሂ ንምርካብ ፈቲንና ንግዚኡ ክሰምር ኣይክኣለን።