ኣብ ማእከላት መዳጐኒ ዝርከቡ ተጋሩ ንክፍትሑ ጸቕጢ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

Published

መራሕቲ ትግራይ፡ ‘ጥሮተኛታትን ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ’ ዝርከብዎም ብጅምላ ተሓፊሶም ተኣሲሮም ዝበልዎም ኣሽሓት ተጋሩ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ጸዊዖም፡፡

እቲ ብመንገዲ ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ብሰኑይ ዝወጽአ መግለጺ፡ ‘‘ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋሩ ብመንነቶም ጥራይ’’ ተገፊፎም ተኣሲሮም ይብል፡፡

ካብቶም እሱራት ‘‘ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጥሮታ ዝወጹን ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ተጋሩ ኣባላት መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ’’ ከም ዝርከቡዎም ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ካብዚኦም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ‘‘ተረሺኖም’’ ካልኦት ድማ ‘‘ብዘጠራጥር ኵነታት ሞይቶም’’ ክብል ይኸስስ፡፡

ብዛዕባ እቲ መራሕቲ ትግራይ ዘቕረብዎ ክሲ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ መግለጺ የለን፡፡

ድሕሪ እቲ 4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፖሊስ ፌደራልን ዝነበሩ ተጋሩ፡ ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ገዛኦም ክጸንሑ ከምዝተገበሩ ገለ ኣባላት፡ ኣብቲ ቕንያት ምጅማር ኲናት ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ውሳነ ‘‘ፖለቲካዊ’’ ከምዝኾነ ካብ ምግላጽ ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ነይሩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ፈጺሞምዎ ዝበሎ መጥቃዕቲ ተሓባቢሮም ዝበሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጋሩ፡ ብኽሕደት ሃገር ከሲሱ ምእሳሩን ኣብ ልዕሊ ገሊኦም ድማ ብይን ምሃቡን ዝዝከር እዩ፡፡

መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ መዳጎኒ ኣለዉ ዝብልዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ተጋሩ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር እዩ ጸዊዖም ዘለው፡፡

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ዓፋር ድሕሪ ምውጽኦም፡ ሓይልታት ጸጥታ ዓፋርን ኣመሓደርትን፡ ኣስታት 9 ሽሕ ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ኣገዲዶም ናብ መዳጐኒ ቦታ ከም ዝወሰድዎምን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝርከቡን ገሊጹ እዩ፡፡

ኣቐዲሙ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብቲ መዳጎኒ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ተኣሲሮም ንሕማምን ሞትን ከምዝተቓልዑ ገሊጾም ነይሮም፡፡

ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ዳግም ካብ ዝቈጻጸሩ ንደሓር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት'ታ ሃገር ብኣሸሓት ዝቝጸሩ ተጋሩ፡ ኣብ ማእከላት መዳጐኒ ብጅምላ ኣሲሩ ምንባሩ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ምውጽኦም ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ግን፡ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ እዩ ዝገልጽ። ብዙሓት ድማ ከምዝተፈትሑ ይዝረብ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ 15 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ፡ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ተወለድቲ ትግራይ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት፡ ማእሰርቲ፡ ምዕፃው ኣብያተ ንግዲ፡ መቕተልትን ተመሳሰልቲ ተግባራት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዘሻቕሎ ምግላጹ ዝዝክር እዩ።

እቲ ካብ ዝጅመር ኣስታት 20 ኣዋርሕ ዘቝጸረን ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ ተስፋ ተገይሩሉ ዘሎን ጎንጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ፡ ነበርቲ ብሰንኪ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ንሞትን ዓጸቦን ተቓሊዖም ከምዘለዉ ጸብጻበት የመልክቱ፡፡

ክልቲኦም ወገናት፡ እቲ ኲናት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ንምድርዳር ድሉዋት ምዃኖም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር "ወርሓዊ ን5.9 ሚልዮን ህዝቢ ንምምጋብ እኹል መግቢ" ናብ ትግራይ ከእቱ ከምዝኸኣለ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፡ እቲ ሓገዝ ናብቶም ብህጹጽ ዝደልዩዎ ወገናት ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ይገልጹ፡፡