ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ኣብ ሰራሕተኝኡ ዝፈጸምዎ ቅትለት ኰኒኑ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIA RED CROSS
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ብ 18 ጥቅምቲ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ መራሒ ኣምቡላንስ እቲ ትካል ዝፈጸምዎ ቅትለት ኰኒኑ።
እቲ ማሕበር ብማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ብሞት እቲ ሰራሕተኛ ዘለዎ ሓዘን ብምግላፅ ዕጡቓት ሓይልታት ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ክቑጠቡ ፀዊዑ።
ወዲ 40 ዓመት መራሒ ኣምቡላንስ መንግስት ምንይል ኣብ ምዕራብ ደንብያ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ይህብ ከምዝነበረ እቲ ማሕበር ገሊፁ።
ብተወሳኺ እቲ መራሒ መኪና ኣብ ወልቃይት ዓዲረመፅ ብሰብኣዊ ስራሕ ከምዝተመደበን፡ በቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተዋፈራ ክልተ ኣምቡላንሳት ሓንቲ ይዝውር ከምዝነበረን እውን እቲ ማሕበር ጠቒሱ።
ኣቦ ክልተ ቆልዑ ዝነበረ እቲ መራሒ መኪና፡ ቁሱላት ካብ ዓድዋ ናብ ሆስፒታል ወልቃይት ዓዲ ረመጽ እናጓዓዘ እንከሎ፡ በቶም ዕጡቓት ከምዝቐተለ ሓቢሩ።
እቲ ማሕበር ኣብታ ኣምቡላንስ ዝነበሩ ቁሱላት ከይተረፉ ከምዝሞቱ እኳ እንተገለፀ፡ ክንደይ ከምዝነበሩ ግና ኣይጠቐሰን።
እቲ ማሕበር ዛጊድ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዝነበረን መንነት እቶም ዕጡቓትን ኣይፈለጠን።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ብዝሰርሖ ሰብኣዊ ስራሕቲ መጥቃዕቲ ከምዝበፅሖ ክገልጽ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ ክልተ ኣምቡላንስ ከምዝተወስዶ ሓላፊ ዲፕሎማስያውን ኮሚዩኒኬሽንን ጉዳይ እቲ ማሕበር ዶክተር ሰለሙን ንቢቢሲ ምግላጹ ክዝከር እዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ እቲ በዓል ስልጣን፡ እተን ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝጥቀመለን ክልተ ኣምቡላንሳት ኣብ ስራሕ እንከለዋ ብሓይሊ ዝተወስዳ እየን። እተን ኣምቡላንሳት ብመንን ንምንታይን ከምዝተወስዳ ኣብቲ እዋን እቲ ማሕበር ዝርዝር ሓበሬታ ኣይነበሮን።
ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ብዝዛመድ፡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ሰራሕተኛታተን፡ ንሰብኣዊ ስራሕ ኣብ ዝውዕላ መካይንን ኣብ ናውቲ ረድኤትን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብተደጋጋሚ ይገልጻ እየን።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡እቶም ኣብ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ምእንቲ ክንቀሳቐሱን ክሰርሑን፡ ዕጡቓት ሓይልታት ካብዚ ስጉምቲ ክቑጠቡ’ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሊንዳ ቶማስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ኣብዚ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት፡ ብድምር 26 ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝተቐትሉ ገሊጻ ነይራ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
