'ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ሰፊሕን ከቢድን ውግእ ይካየድ ኣሎ' - ጀነራል ታደሰ ወረደ

ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV

መግለጺ ስእሊ, ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ
Published

ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሒ ንኽረክብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ሰፊሕን ከቢድን ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ።

ብረቡዕ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ከቢድ ብረትን ታንክታትን ዘሳተፈ ኲናት ይካየድ ኣሎ ኢሉ ነይሩ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ትማሊ ኣማስዩ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ከባቢታት ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ማእከልን ትግራይ፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽዑቕ ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 24 ጥቅምቲ [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተወሰኽቲ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቱን ከምዝኣተዋ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ኣየኖት ከተማታት ከምዝተቖጻጸረ እንተዘይነጸረ'ኳ፡ ሰራዊት መንግስቲ ንከተመታት ሽረ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋን ኣላማጣን ተቖጻጺሩ ከምዝርከብ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እንተዀነ፡ ብዛዕባ'ዚ ናይ ትማሊ መግለጺ ጀነራል ታደሰ ካብ መንግስቲ ዝተወሃብ ምላሽ የለን።

እቲ ኣዛዚ፡ እዚ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ “ካብ ዓድዋ ንሓውዜን፡ ንተምቤን ክቕጽል ብምትላም፡ ገሊኡ ብገንደብታ፡ ብፈረስ ማይ ገይሩ፡ ገሊኡ ድማ ብዕዳጋ ዓርቢ፡ ብፀድያ ገይሩ፡ ንሓውዜን ንምቕጻል መደብ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ። በዚ መገዲ እዚ ኣብ ዛላምበሳ ዘሎና ምክልኻል ንምልቃቕ ኣንፈት ተኸቲሉ'ውን፡ ሓይሊ ሻዕብያ ከጥቅዕ ይፍትን ኣሎ፡” ብምባል፡ እቲ ሓይሊ በቲ ዝሓሰቦ ክስጕም ከም ዘይከኣለን ኣብኡ ከም ዝተረፈን ጠቒሱ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ብዝርዝር ኣረዲኡ።

ብኣንፈት ማይ ቅነጣል ገይሩ፡ ናብ ዕዳጋ ዓርብን ናብ ተምቤንን ክቕጽል ዝደሊ ሓይሊ ከምዘሎን፡ ጽዑቕ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ ንዝሓለፉ 30 መዓልታት ብኣንፈት ደቡብ ትግራይ ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ሰባትን እንስሳትን ከም ዝተቐተሉን ንብረት ህዝቢ ከምዝዓነወን'ውን ተዛሪቡ።

“ብኣንፈት ኮረምን ኣላማጣን የጥቅዕ፣ ከቢድ ውግእ ይገብር ነይሩ። ጥሪትን ንብረትን ህዝቢ፡ ሂወት ህዝብን መዓት ሃሊቝ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ከባቢታት ባላ፡ ኣላማጣ፡ ጨርጨር፡ ኣብ መንጐ ኮረምን ኣላማጣን ከባቢ ኮረምን ውግእ ይካየድ ከምዘሎ'ውን እቲ ጀነራል ኣፍሊጡ።

ብኣንፈት ኤርትራ፡ “ብቘላ ገጽ፡ ብኣብዓላ፡ መዓልታዊ ደብዳብ ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ በቲ ኣንፈት ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ገና ይቕጽል ከም ዘሎ ኸኣ ኣብሪሁ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እናተበገሰ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብልፍንቲ የጥቅዕ ከምዘሎ ኸኣ ይሕብር።

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር፡ ብዛላምበሳ፡ ብግርሁስርናይ ኣንፈት ዕዳጋ ረቡዕን ኣዝዩ ከቢድን ዘየቋርጽን መጥቃዕቲ ከገብሩ ከም ዝቐነዩ፤ ትማልን ሎምን [ብ 26  27 ጥቕምቲ] ብተደጋጋሚ፡ ንምስባር ዝዓለመ መጥቃዕቲታት ይፍተን ከም ዘሎ ኣተሓሒዙ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሓይልታት ኤርትራን ንከተማታት ሽረ፡ ኣክሱም፡ ዓድዋ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከም ዝተቘጻጸሩ ተገሊጹ እዩ።

ጀነራል ታደሰ ነዚ ኣመልኪቱ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንከተማታት ከምዝተቈጻጸሩ ብምሕባር፡ ሓይልታቶም ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ከምዘለዉ የመልክት።

“ኣብ ትግራይ ደፊኦም ይኣትዉ ኣለዉ፤ ኣብ ኣክሱም ዓድዋን በጺሖም ኣለዉ። እተን ከተማታት ሒዞም ይመጽኡ ኣለዉ። ሰሜን ምዕራብ ገዲፎም፡ ሽረ፡ ማይ ጸብሪ ሒዘሞ ኣለዉ፡" ብምባል፡ እንተዀነ ሓይልታቶም ዝገደፍዎ ወይ ዝገድፍዎ ቦታ ግን ከምዘየለ ምስ ባህሪ'ቲ ኲናት ኣተሓሒዙ የረድእ።

ከባብታት ኣድያቦ፡ ፀለምቲ፡ ኣስገደ፡ ዛና፡ ዓዴትን ኣንከረን ግን፡ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝርከባ ኸኣ ሓቢሩ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ ጀነራል፡ ትርጕምን ኣገዳስነትን ምቅይያር ቦታታት ኣብ ኲናት ጠቒሱ፡ ነቲ ሓይልታቶም ዝኽተሎ ዘሎ፡ "እቲ ዝኣተወ ሓይሊ ደጀን ዘይረኽበሉ" ኵነታት ምፍጣር ምዃኑ ይትንትን።

ብኻልእ መዳይ፡ ነቲ ጐድኒ ጐድኒ'ዚ ኲናት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ሰላም ብእወታ ከም ዝቕበልዎ ብምግላጽ፡ ነቲ ኵናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ዝሕግዝ ክኸውን ዘለዎም ትጽቢት ከኣ ኣቐሚጡ።

ኣብዚ ጉዳይ ጀነራል ታደሰ፡ እዚ ጉዳይ መወዳእታኡ ካብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ወጻኢ ብኲናት ክፍታሕ ከምዘይክእል ብምእማት፡ ንሰላም ዘለዎም ድሉውነት ኣስሚሩሉ።

እቲ ሳልሳይ መዓልቱ ዝገበረ ዝርርብ ሰላም ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኤሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ ምክትል ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ማላምቦ ንግኩካን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ይመርሑ ኣለው።

ኣብዚ ዘተ ሰላም መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንሓድሕዶም ብሸውዓተ ተዛተይቲ ከም ዝውከሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኰለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤ፡ ዶክተር ፍስሃ ሃብተጽዮን፡ ኣይተ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃን ንትግራይ ወኪሎም ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ፡ ካብ ኣሜሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ዝተወከሉ ተዓዘብቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣውሮጳ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል፡ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብዚ ዘተ ሰላም፡ ብቐዳምነት ተዅሲ ደው ክብል፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ትግራይ ክባጻሕ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ፣ ዓለምለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓንን ናብ ትግራይ ኣትዮም ነቲ ኵነታት ክዕዘቡ ከም ዝጠልብ ንቢቢሲ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ፡ እዚ ክልተ ዓመታት ክመልኦ ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ዘሎ ደማዊ ኵናት፡ ዝሓለፈ መጋቢት ንሰብኣዊ ረዲአት ተባሂሉ ብግዝያዊ ውዕል ምቝራጽ ተዅሲ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 24 ነሓሰ ዳግማይ ተወሊዑ፡ ደማዊ ብዝዀነ ኣሰካፊ መልክዑ ይቕጽል ምህላው ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ባንኪ፡ መብራህቲ፡ ኣገልግሎት ሕክምናን ካልኦትን ብመንግስቲ ፌደራል ተቛሪጾም ይርከቡ። እዚ ድማ፡ ኣብ ነበርቲ እቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።