ኢትዮጵያ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ሚልዮናት ንምድሓን 'ህፁፅ' ተበፃሕነት ክህሉ ጸዊዑ

ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ህይወት ናይቶም ኣብ ከቢድ ስእነት ዝርከቡ ሚልዮናት ንምድሓን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህጹጽ ተበጻሕነት ከምዘድሊ ሰበስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጾም።

ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ለበዳ ሕማም ኮሌራን ዕንፍሩርን ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ትካላት ረድኤት ድሩት ተበጻሕነት ከምዘለወን ተገሊጹ’ዩ።

ኣብ ትግራይ ዳግማይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰነ 2021 ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ክኣትው ኣየፍቀደን።

ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መራኸቢታት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተቋሪጹ ብምህላው ንህልው ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ክልል ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።

በቲ ኣብ ክልል ትግራይን መዋስንቲ ከባቢታትን ዝተኻየደ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግመት።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብታ ንሸሞንተ ሰሙናት ብኣየር ይኹን ብፅርግያ ተበጻሕነት ዘይነበራ ትግራይ ብዛዕባ ለበዳ ሕማማት ንፁር ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይከኣለ እዩ ዝገልጽ።

ይኹን እምበር ሰበስልጣን ከም ዝብሉዎ፡ ክታበት ህጻናት ተቛሪጹ ይርከብ። ቀረብ ፈሳሲ ኣይቪ፡ ኢንሱሊንን ጸረ-ነፍሳትን ከምዘየለ’ውን ይገልጹ።

ብተወሳኺ ካብ 10 ማእከላት ጥዕና ትሕቲ ሓደ ጥራይ እናሰርሐ ከምዝርከብ ይሕብሩ።

ኣብ ትግራይ ብርቱዕ ሕፅረት መግብን ነዳድን ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን 89 ሚእታዊ ህዝቢ እታ ክልል ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሉን 29 ሚእታዊ ህፃናት ድማ ብሕፅረት መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለው ይግመት።

ኣብ መላእ ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን 13 ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይግምት።

ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ትግራይ "ምጽናት ዓሌት ንምክልኻል ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ።

ሎሚ ዓርቢ ሰበስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ተበፃሕነት ትግራይ ህፁፅ ጉዳይ ከምዝኾነ ደጋጊሞም ገሊፆም ኣለዉ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዘተ ሰላም ዝተጀመረ እንትኾን፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ውድባት ዘምጽኦ ዝኾነ ይኹን ለውጢ የለን።

እቲ ኣብ ሰሉስ 25 ጥቅምቲ ዝተጀመረ ቀጥታዊ ዝርርብ ብብዙሓት ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ እዩ።

ኣፈኛ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዘተ ክሳዕ 30 ጥቅምቲ ከምዝቐጽል ምሕባሩ ይዝከር።

ቪንሰንት ማግዌና ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ልዝብ፡ ብሞንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ኰይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ዘተሓባብርዎ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እቲ ኣፈኛ፡ “ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ መድረኽ ሰላማዊ ዝርርብ ተአንግድ ኣላ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ኣዕናዊ ጐንፂ፡ ሰላማውን ዘላቕን ፍታሕ ንምምፃእ ዝተሓስበ ሰላማዊ ዝርርብ ድማ፡ ካብ ሎሚ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 30 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ኣቦ መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ብወገኑ "ንግጭት ክልል ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈላሚ ቀጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምጅማሩ"ሓጎስ ከምዝተሰምዖ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብዚ ዘተ ሰላም መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንሓድሕዶም ብሸውዓተ ተዛተይቲ ከም ዝውከሉ ሓበሬታ የረድኡ።

ተወከልቲ ኢጋድ፡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘሎ ዘተ ሰላም ይሳተፉ ከምዘለው እውን ይፍለጥ።