እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ደሃይ በዓል ገዛይ ካብ ዝስእን ሳልስቲ ኰይኑ' - በዓልቲ ቤት ፖለቲከኛ ሃይሉ ከበደ
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ሃይሉ ከበደ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ ሳልሳይ መዓልቱ ከምዘቑጸረ በዓልቲ ገዝኡ ገሊጻ።
እቲ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ናይቲ ውድብ ዝኾነ ሃይሉ ከበደ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ ሳልሳይ መዓልቱ ከምዘቑፀረ በዓልቲ ገዝኡ ኤደን ወልደተኽለ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ጣብያታት ፖሊስ ከይዳ እንተሓተተት’ውን ሃለዋቱ ክትፈልጥ ከምዘይከኣለት ገሊፃ።
“ብዕለት 23 እዩ ኣጋጢሙ። ከባቢ ኣርባዕተ ሰዓት ካብ ገዛ ወጺኡ። ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ሰባት ናይ ስራሕ ቆጸሮ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ‘ናብ ገዛ ክመጽእ እየ’ ኢሉ ነይሩ። ካብኡ ተደወልና ስልኩ ኣይለዓልን” ትብል ኤደን።
ኣብ ቦሌ ኢምፐርያል ኣከባቢ ምስ መኪንኡ ናበይ ከምዝኣተወ ዘይፈለጠት ኤደን፡ ናብ ዝተፈላለዩ ጣብያ ፖሊስ ተንቀሳቒሳ እንተሓተት’ውን ሓበሬታ ክትረክብ ኣይከኣለትን።
ኣብ ዝኸደቶ ኩሉ ‘ኣባና የለን’ ዝብል ምላሽ ከምዝረኸበት እያ ትዛረብ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ትማሊ ናብ ፖሊስ ጣብያ ገርጂ ከይዳ ምስ ሓተተት፡ “ምስ’ቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ጊዝያዊ ዝተሓዙ ሰባት ስለዘለዉ፡ በብቦትኡ ፈትኒ ኢሎምኒ። ኣነ ድማ ‘ካብ ንጎሆ 12 ሰዓት ጀሚረ ምስ ኣዕርኽቱን ካልኦት ቤሰብን ኮይንና ኣሊሽና ደሃይ ኣይረኸብናን’ ኢለዮም” ብምባል፡ መመልከቲ ጥርዓን ንፖሊስ ከምዝሃበት ገሊጻ።
“ምእሳር ዘሎ እዩ፡ እንተነኣሰ ግን [ዝርከበሉ] ቦታ እንተንፈልጥ ደስ ይብለና” ክትብል፡ እቲ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራኡ ኣስዒብዎ ዘሎ ጭንቀት ንቢቢሲ ኣንጸባሪቓ።
ኣብዚጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ደዊልና ንዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት ምኽትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ረኺብናዮ፤ ‘ሓበሬታ ከምዘይብሉ’ ተዛሪቡ።
“ብወገነይ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይበፅሓንን። ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት እየ፤ ግን ድማ ዝበፅሓኒ ቅሬታ የለን። ምናልባት ናብ ካልእ ክፍሊ ከይዶም እንተኾይኖም ኣይፈለጥኩን። ናብዚ መፂኦም ቅርትኦም ከስምዑ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዘሎ ኢሎም ዝግምቱ እንተኾይኖም እውን መፂኦም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም” ኢሉ።
ብተዛማዲ ዜና፡ ኣብዚ ቕነ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ወፍሪ ፈተሻ ከምዝተጀመረን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ንማእሰርቲ ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።
ነዚ መሰረት ብምግባር ዝሓተትናዮ እቲ ምኽትል ኮማንደር፡ ብዛዕባ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ።
“ፈተሻ ብዝምልከት ኩልግዜ ዝካየድ እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ምስቲ ሃገርና ዘላትሉ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ፈተሻ እንተተኻየደ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን። ሕብረተሰብ እውን ነዚ ክተሓባበር እዩ ዘለዎ። ብዙሓት ሰባት ትኽክለኛ ተግባር ከምዝኾነን እዋኑ ዝሓለወ ምዃኑን እዮም ዝገልፁልና ዘለዉ። ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ግን ብወገነይ ሓበሬታ የብለይን” እቲ ምክትል ኮማንደር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓይልታት ትግራይ ንገለ ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ሃገር ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ብመንነቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡ ናብ ማእከላት መዳጎኒ ኣትዮም ምንባሮም ጸብጻበት የመልክቱ።
ቢቢሲ’ውን ንገለ ኣባላት ስድራ ኣዛራሪቡ፡ ሰፋሕቲ ጸብጻባት ምስርሑ ዝዝከር እዩ።
ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ዝተፈትሑ ዀይኖም፡ እዚ ሕዚ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ዘሎ ግፋ፡ ምስ ምጅማር እቲ ዳግማይ ውግእ ዝተሓሓዘ ከምዝኾነ ይዝረብ።