ቢንያም ግርማይ ኣብ ድሓን ኵነታት ከምዘሎ ጋንታኡ ኣፍሊጣ

Published

ብሰንበት ኣብ ‘ቱር ዲ ፍላንደርስ’ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞ ቢንያም ግርማይን ክልተ ደቂ ጋንታኡን ኵነታት ጥዕናኦም ጽቡቕ ምምሕያሽ ከም ዘርኣየን ካብ ሕክምና ከም ዝተፋነዉን ጋንታኦም ትማሊ ምሸት ኣፍሊጣ።

ኣብቲ ብ2 ሚያዝያ 2023 ንመበል 107 ግዜ ዝተኻየደ ቱር ደ ፍላንደርስ ጸወታ ክዛዘም 71 ኪሎ ሜትር ክተርፎ እንከሎ፡ ቢንያም ዝርከቦም ሽዱሽተ ተጻወተቲ ክብድ ዝበለ ሓደጋ ምውዳቕ ስለ ዘጋጠሞም ናብ ሕክምና ከም ዘምርሑ ዝዝከር’ዩ።

ቢንያም ኣብ ዓባይ ጕጅለ ውሑዳት ጥራይ ኣብ ቅድሚኡ እንከለዉ ስለ ዝወደቐ፡ ሓያለ ተቐዳደምቲ’ዮም ብብሽከለታ ረጊጾሞን ኣብ ልዕሊኡ ዓሊቦምን።

ጸወታ ካብ ገፊሕ ጽርግያ ናብ ጽብብ ዝበለ የምርሕ ስለ ዝነበረ፡ ተቐዳደምቲ ቦታ ንምሓዝ ኣብ ሰዓት 70 ኪሎ ሜትር እናዘወሩ እንከለዉ’ዩ እቲ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኣጋጢምዎም።

ኣብቲ ምውዳቕ ወዲ ጋንታኡ ንቢንያም ግርማይ ኣይመ ዲ ገንት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ዝዀኑ ተጻወትቲ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ጋንታ ቢንያም ኢንተርማርቸ ሰርኩስ ዋንቲ ኣቐዲሙ’ውን ኣባላ ታኮ ባን ደር ሆርን ወዲቑ ናብ ሆስፒታል ኣምሪሑ ስለ ዝነበረ ብሓፈሻ ሰለስተ ተቐዳደምታ’ዮም ናብ ሆስፒታል ኣምሪሖም።

እታ ጋንታ ትማሊ ኣማስያኣ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሰለስቲኦም ተቐዳደምቲ ኣብ ሆስፒታል ን48 ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ’ኳ ካብ ሆስፒታል እንተወጽኡ ኣብቲ ሰንበት 9 ሚያዝያ ዝካየድ ውድድር ፓሪስ ሮቢክስ ከም ዘይሳተፉ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ዶክተር እታ ጋንታ ኦርቲውን ሻፈር፡ ቢንያምን ታኮን ትማሊ ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነው ክገልጽ እንከሎ እንተዀነ ክልቲኦም ንዝያዳ ውሕስነት ንንውሕ ዝበለ መዓልታት ብሽክለታ ካብ ምዝዋር ክቦኽሩ ምዃኖም ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ጸጋማይ ብርኪ ኢዱ መንቓዕቲ ዓጽሚ ዘጋጠሞ ምስ ቢንያም ዝወደቐ ወዲ ጋንትኡ ኣይመ ዲ ገንደት፡ ዕዉት መጥባሕቲ ተገይርሉ ካብ ሆስፒታል ምፍናዉን ን10 መዓልታት ምስ ጀስኡ ክጸንሕ ምዃኑን ዶክተር እታ ጋንታ ሓቢሩ ኣሎ።

ናይ ብቕዓት ማናጀር እታ ጋንታ ኣይከ ቪስበክ ብወገኑ፡ እታ ጋንታ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ተጻወትቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ምኽሳራ ሃሰዪ ምዃኑ ብምግላጽ፤ እቶም ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞም ተጻወትቲ ኣብ ድሓን ኩነታት ምህላዎም ግን ሩፍታ ዝህብ ከም ዝዀነ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እታ ጋንታ ገሊጹ።

ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝተላዕላ ዓመተ 2023፡ 20 መዓልታ ውድድር ብምክያድ 3239 ኪሎ ሜትር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 270 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ይርከብ።

ሎሚ ዓመት ካብ ዘመዝገቦ ዓወታትት እቲ 1 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ቮልታ ላ ኮሚኒታ ቫለንሽያ ቀዳማይ፡ 29 ጥሪ ኣብ ትረፍዮ ፓልማ ካልኣይ፡ 26 ጥሪ ትረፍዮ ስስ ሳሊነስ ኣልኩድያ ሳልሳይ፡ 8 መጋቢት ኣብ ሳልሳይ መድር ዙር ተሪኖ ኣድርያቲኮ ሳልሳይ ዝወጽኣሎ እቲ ድሙቕ ዓወታቱ’ዩ።