እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዕለተ ልደቱ ከቢድ ሓደጋ ዘጋጠሞ ቢንያም ኣብ ከመይ ኵነታት ኣሎ?
ቢንያም ግርማይ ትማሊ መዓልቲ ልደቱ ስለ ዝነበረ፡ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ብዙሓት ደገፍቱ እንቋዕ ንመዓልቲ ልደትካ ኣብጽሓካ ዝብል ናይ ጽሑፍን ቪድዮን መልእኽትታት ካብ ድሮ ጀሚሮም ከውሕዝሉ’ዮም ውዒሎም።
ነቲ ትማሊ ዝተኻየደ ቱር ደ ፍላንደርስ እንተተዓዊቱ ከኣ ተዘካሪ ህያብ ልደቱ ከም ዝዀነሉ ዝገልጹ ነይሮም’ዮም።
እንተዀነ ጸወታ ክዛዘም 71 ኪሎ ሜትር ምስ ተረፎ፡ ቢንያም ዝርከቦም ሽዱሽተ ተጻወትቲ ክብድ ዝበለ ሓደጋ ምውዳቕ ስለ ዘጋጠሞም ቢንያም ጸወታ ከቋርጽ ተገዲዱ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓባይ ጕጅለ ውሑዳት ጥራይ ኣብ ቅድሚኡ እንከለዉ ስለ ዝወደቐ ሓያለ ተቐዳደምቲ’ዮም ብብሽከለታ ረጊጾሞን ኣብ ልዕሊኡ ዓሊቦምን።
ጸወታ ካብ ገፊሕ ጽርግያ ናብ ጽብብ ዝበለ የምርሕ ስለ ዝነበረ፡ ተቐዳደምቲ ቦታ ንምሓዝ ኣብ ሰዓት 70 ኪሎ ሜትር እናዘወሩ እንከለዉ እቲ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኣጋጢምዎም።
ኣብቲ ምውዳቕ ወዲ ጋንታኡ ንቢንያም ግርማይ ኣይመ ዲ ገንት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ዝዀኑ ተጻወትቲ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፡ ጋንታ ቢንያም ኢንተርማርቸ ሰርኩስ ዋንቲ ኣቐዲሙ’ውን ኣባላ ታኮ ባን ደር ሆርን ወዲቑ ናብ ሆስፒታል ኣምሪሑ ነይሩ።
እታ ጋንታ ድሒራ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣይመ ዲ ገንት ኣብ ጸጋማይ ብርኪ ኢዱ መንቃዕቲ ናይ ዓጽሚ ኣጋጢምዎ መጥባሕቲ ከም ዝገብር ክትሕብር እንከላ፡ ታኮ ብኡ ንብኡ ካብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ቢንያም ግርማይ ግን መንቓዕቲ ዘይብሉ ማህረምቲ ርእሲ ስለ ዘጋጠሞ ንዝያዳ ነጸርታ ኣብ ሆስፒታል ክሓድር ምዃኑ’ያ ሓቢራ።
ብሓፈሻኡ ኣብ ደሓን ኵነታት ከም ዘሎ ብምግላጽ ግን፡ ንዅነታቱ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክትሕብር ምዃና ጥራይ እያ ጋንታኡ ኣፍሊጣ ዘላ።
ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝተላዕላ ዓመተ 2023፡ 20 መዓልታ ውድድር ብምክያድ 3239 ኪሎ ሜትር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 270 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ይርከብ።
ሎሚ ዓመት ካብ ዘመዝገቦ ዓወታትት እቲ 1 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ቮልታ ላ ኮሚኒታ ቫለንሽያ ቀዳማይ፡ 29 ጥሪ ኣብ ትረፍዮ ፓልማ ካልኣይ፡ 26 ጥሪ ትረፍዮ ስስ ሳሊነስ ኣልኩድያ ሳልሳይ፡ 8 መጋቢት ኣብ ሳልሳይ መድር ዙር ተሪኖ ኣድርያቲኮ ሳልሳይ ዝወጽኣሎ እቲ ግሉሕ ዓወታቱ’ዩ።
ናብ ውጽኢት ‘ቱር ደ ፍላንደርስ’ ምስ እንሰግር
ቱር ደ ፍላንደርስ ሎሚ ዓመት ንመበል 107 ግዚኡ ዝተኻየደ ሓደ ካብ ገዳይም ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ኰይኑ 273.4 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ተሪር ውድድር’ዩ ነይሩ።
ቢንያም ግርማይ’ውን ሓደ ካብቶም ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ግምት ተዋሂብዎም ዝነበረ ተቐዳደምቲ’ዩ ነይሩ።
ንቱር ዲ ፍራንስ ኣብ 2020 ከምኡ ኸኣ ኣብ 2021 ዝተዓወተሉ ኣብ ጽቡቕ ቍመና ዝርከብ ስሎቨንያዊ ተቐዳደማይ ጋንታ ዩኤኢ ታደጅ ፖጋካር ግን ኣብዚ ጸወታ ዝከኣል ተጻወታይ ኣይነበረን፤ ንመቐዳደምቲ በብሓደ ዘርጠብጠብ እናኣበለ ንበይኑ ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ በጺሑ።
ተዓዋቲ ቱር ደ ፍራንስን ቱር ደ ፍላንደርስን ዝዀነ ሳልሳይ ተጻዋታይ ክኸውን’ውን በቒዑ፡ ኣብ 1955 ፈረንሳዊ ልዊስ ቦበት ኣብ 1975 ከኣ በልጂማዊ ኤዲ ማርክስ ንቴር ደስ ፍራንስን ቱር ደ ፍላንደርስን ክዕወትሉ ክኢሎም ነይሮም’ዮም።
ወዲ 24 ዓመት ታደጅ ፖጋካር ድሕሪ ዓወቱ፡ “ኣዝዩ ዝገርም’ዩ፡ እዛ መዓልቲ ኣብ ህይወት ብፍጹም ክርስዓ ዘይክእል ዕለት ኮይና ኣላ” ኢሉ።
ታደጅ ፖጋካር ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ማትዮ ቫን ደር ፑል ብ16 ካልኢት በሉጹ’ዩ መዛዘሚ ሕንጻጽ ረጊጹ።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ’ዮም ታደጅ ፖጋካር፡ ማትዮ ቫን ደር ፑልን ኣብ 2019 ቻምፕዮን ዓለም ዝነበረ ማድስ ፔተርሰን ኣብ ዓባይ ጕጅለ ወጺኦም ናይ በይኖም ጕጅለ ኣቊሞም።
ንኽልቲኦም ረሸሽ ዘበለ ታደጅ ፖጋካር ከኣ ንቫንደርፐል ብ16 ንማድ ፔተርሶን ብ1 ደቒቕን 12 ካልኦትን በሊጹ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ቀዳማይ ወጺኡ።
ታደጅ “በይነይ ሃዲመ እንተወጺአ ጥራይ ክዕወት ከም ዝኽእል ስለ ዝተረድኣኒ’የ ነቲ ናይ ምህዳም ስጕምቲ ወሲደዩ” ድሕሪ ምባል እናሰሓቐ “ሕጂ ጸወታ ኣቋሪጸ በዚ ዓወት እናተሓጐስኩ ክነብር ክንደይ ባህ ምበለኒ” ኢሉ።
ትማሊ ጸወታ ክዛዘም 140 ተሪፍዊ እንከሎ’ውን ተቐዳደማይ ፍሊፕ ማክጁክ ብዝፈጸሞ ጌጋ 40 ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ወዲቘም ነይሮም’ዮም።
ፍሊፕ ብጸጋማይ ሸነኽ ኣብ ጽርግያ ወጺኡ ብሳዕሪ ዘለዎ መንገዲ ንቕድሚት ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ብሳዕሪ ዝተሸፈነ ጉድጓድ ስለዝጸንሖ’ዩ እቲ ን40 ተቐዳደምቲ ዝለከመ ምውዳቕ ኣጋዲሙ።
ፍሊፕ ብዝፈጸሞ ጌጋ ካብቲ ውድድር ክስጐግ እንከሎ፡ ድሕሪ ጸወታ ብወግዒ ይቕረታ ሓቲቱ’ዩ።