እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ብ ፒሮን ወረቐትን ዝመጽእ ገንዘብ ክጥዕሞ እደሊ ነይረ' ብንእስነታ ዝተሰደት ኤርትራዊት ፍዮሪ ኢሳቕ
ገና ሕጻን እንከላ ወላዲታ ብሞት ዝተፈልየታ ፍዮሪ ኢሳቕ፡ ኣቦኣ’ውን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝነበረ ምስ ኣባሓጐኣን ዓባያን እያ ዓብያ።
ብፍቕርን ሕንቃቐን ተሓብሒባ፡ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰማእታት፡ ማእከላይ ደረጃ ከኣ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ንኡስ ዞባ ሞልቂ ተማሂራ።
እታ ብቘልዓኣ ውረድ ደይብ ህይወት ዘጋጠማ ፍዮሪ ኢሳቕ፡ ዓቕመ ሄዋን ከይበጽሐት እያ ንስደት ኣምሪሓ። ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ ከኣ ንኣውሮጳ ሰጊራ ኣብ ስዊዘርላንድ ትነብር ኣላ።
ኣብ ትምህርታ ኣዝያ ንፍዕትን ተወዳዳሪትን ብምንባራ ካብ ናይ ዩኒት ከይተረፈ ብልጫ እናወሰደት እያ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ዛዚማቶ። ንኻልኣይ ደረጃ ምስ ሰገረት ግን ኣባሓጐኣ ስለዝሓመሙ፡ ንዕኦም ክትኣሊ ንገለ እዋን ትምህርቲ ኣቋሪጻ።
ዋላ’ኳ ደሓር ናብ ትምህርቲ እንተተመለሰት፡ ጸገም ስድራ ቤት ስለዝነበራ ከም ቀደማ ክትወዳደርን ንሽልማት ክትመጣጠርን ኣይከኣለትን። ጸኒሓ እውን ኣብ ሸቐጥ ተዋፊራ ናብ ስራሕ ዓለም ተጸንበረት።
እታ ሽዑ ጓል 15 ዓመት ዝነበረት ንእስቲ ካብ ጽሬት ጀሚርካ ክሳብ ምድላው መግቢ ዘሎ ኵሉ ዕዮ ገዛ፡ ብሓላፍነት ትዓሞ ነበረት።
ይዅን እምበር ገና ካብ ቁልዕነታ ብኸቢድ ሽግራት ስለእተፈተነት፡ “ዝሓለፈ ጸገም'ኳ ዘይበደሃኒ…” እናበለት ንዅሉ ከከም ኣመጻጽኣኡ እናበድሀት ህይወት ቀጸለት።
ጋዜጠኛ ናይ ምዃን ሕልሚ ዝነበራ ፍዮሪ፡ ገና ትሕቲ ዕድመ እንከላ ካብ ትፈትዋ ሃገራ ናብ ስደት ኣምርሐት።
“ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እንተደኣ ተማሂራ እያ ንሕብረተሰባ ክትልውጥን ክትሕግዝን እትኽእል። ኣነ ድማ ናብ ስደት ከምርሕ እንከለኹ ከምሃር እየ እናበልኩ እየ ወጺአ። ልዕሊ ኵሉ ከኣ እቲ ብፒሮን ወረቐትን ዝመጽእ ገንዘብ ክጥዕሞ እደሊ ነይረ” ትብል።
ካብ ሃገራ ምስ ወጽአት ኣብ ሻድሻይ ወርሓ ንዅሉ እቲ ክትኰኖ እትሓልሞ ህይወት ከተናዲ ብናይ ሞትን ህይወትን ጕዕዞ ብኣጻምእ ሰሃራ ናብ ሊብያ ነቐለት።
ኣብቲ ዝነቐለትሉ እዋን ኣብ ርእሲ እቲ ኣጻምእን ባሕርን ብድሆታት ምንቅስቓስ ዳዕሽ'ውን መጺኡ፤ እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፡ ደላሎ ሰባት (ሰምሰርቲ) ንሓድሕዶም እናተቐባበሉ ሰባት ዝሸጥሉን ዝልውጡሉ እዋን’ዩ ዝነበረ።
ብጥሜትን ጽምእን ዝጀመረ ጕዕዞ ስደት ከም እንስሳ ናብ ፈቐዶ መዝርዓታት ክትሽየጥን ክትልወጥን ጀመረት። ብኸምኡ ከኣ ኣብ ሓደ መዳጐኒ ስደተኛታት ን11 ኣዋርሕ ተታሕዘት።
መቕርባን ፈተውታን፡ እቶም ኣሰጋገርቲ ዝሓተትዎ ገንዘብ'ኳ እንተኸፈሉላ፡ ኣስገርታ ግን ከም ቃሎም ኣይገበሩን። ተመሊሶም ደኣ ናብ ካልኦት ሸጥዋ’ሞ ተኣስረት። ድሕር'ዚ ካብቲ ተኣሲራቶ ዝነበረት እውን ገንዘብ ተቐቢሎም ኣህዲሞም ከስግርዋ እናተጸበየት ዳግማይ ሸጥዋ።
ብኸምዚ ከኣ ክልተ ግዜ ፍሹል ፈተነ ድሕሪ ምክያድ ኣብ መበል ሳልሳይ ካብ መዳጐኒ ስደተኛታት ተፈቲሓ ዕድል ክትርኢ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ክትፍትን ተዳለወት።
ኣብ ሓንቲ ን 70 ሰብ ተባሂላ ዝተሰርሐት ናይ ጐማ ጃልባ ከኣ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ጽዒኖም ኣበገስዋ።
ካብ ምጽባብ ቦታ እተላዕለ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጫፈ ጫፍ ናይታ ጃልባ ሓደ እግሮም ንውሽጢ ሓደ እግሮም ንደገ ጠልጠል ኣቢሎም ኮፍ ከምዘበልዎም ፍዮሪ ትዝክር። ነተን ደቀንስትዮን ህጻናትን ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ታሕትን ጨቃጪቘም መሊኦም ኣበገስዎም።
ቅድሚ ዝኣገረ ዓቕሊ ብዝፈታትን ሃዋህው እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ጕዕዞ ተጀመረ፤ ነዊሕ ከይከዱ ግን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሒዞም ንድሕሪት መለስዎም።
ፍዮሪ ኣብቲ ስኢል ምድሪ ክበሃል ዝኽእል ሊብያ ምጽናሕ ርእሱ ዝኸኣለ መከራ ኰይንዋ፡ እቲ ናብ ሕልማ ቀልጢፉ ዝወስድ ኣቋራጭ መንገዲ ኢላ ዝሓሰበቶ ናይ ባሕሪ ሓደገኛ ጕዕዞ እውን ዝሕረ ኣማራጺ'ኳ እንተዘይነበረ፡ ኣብታ ህሞት እታ ግን ወሲና ምስ ኵሉ እንተታቱ ንመበል 4ይ ግዚኣ ናብ ባሕሪ ምንቃል ኮነ ውሳነኣ።
ኣብዚ ዅሉ ከርተት እንከላ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ስድራ ኣላ ድያ የላን እውን ስለዘይፈለጡ ማዕረ ሞይታ ተባሂሉ ሓዘን ተጌሩዩ።
ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን ዝሓዘት ከባቢ 1,070 ስደተኛት ዝጸዓነት ዓባይ መርከብ ተበገሰት።
ዳርጋ ዝበዝሕ መገዲ ብሰላም'ኳ እንተወድእዎ ናብ ኢጣልያ ኣብ ምቕራቦም ግን ሞተር ስለዝተበላሻወ፡ ጃልባኦም ኣብ ማእከል ባሕሪ ደው ምስ በለት ተስፎኦም በነነ።
ብፍላይ እቶም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ንፋስ ክረኽቡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ዓቕሎም ኣጽቢቦም ክወጹ ክቀዳደሙ ክብሉ ብዝተፈጥረ ዕግርግር መሓዛኣ እትርከቦም ሰባት ተጸቓቒጦም ከምዝሞቱ ተዘንቱ።
ጸኒሓ’ውን፡ እታ መርከብ ክትቃጸል ብምጅማራ ትኪ ዒግ እናበለ ስለዝዓበሶም ናብ ላዕሊ ንምውጻእ ክጓየዩ እንከለዉ፡ ሚዛና እናሰሓተት ናብ ምግልባጥ ገጻ ምስ ከደት እቶም ኣብ ላዕሊ ዝነበሩ ናብ ባሕሪ እናጸደፉ ጠሊቘም።
እቶም ሓንቢሶም ዘይክእሉ ብፍላይ ብኡ ንብኡ ክጥሕሉ እንከለዉ፡ እቶም ሓንቢሶም ዝኽእሉ ክሳብ ዝደኽሙ ጸንበለል ይብሉ ነበሩ።
ኣብታ ህሞት ግን ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ስለዝረኣይዎም ተጓይይዮም ከድሕንዎም ጀመሩ’ሞ፡ ‘ኣምላኽ ኣለኺ ኢልዋ’ ምስቶም ውጻእ መዓት ደሓነት።
ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ስዊዘርላንድ ከይዳ ዕቝባ ሓተተት። ዕድል ገይራ ከኣ ብዙሕ ከይደንጐዩ መንበሪ ፍቓድ ስለዝሃብዋ ብሓድሽ መንፈስ ናብ ትምህርቲ ተጸንበረት።
እቲ መንግስቲ እውን ምስ ባህልን ቋንቋን እቲ ዓዲ ንኽትላለ ምስ ወለንታውያን ስድራ ቤታት ንኽትራኸብ ዕድል ስለዝኸፈተላ፣ ፍዮሪ ነቶም በቲ ኣጋጣሚ ዝረኸበቶም ደቂ 72ን 63 ወለንታውያን ሰብ ሓዳር ከም ስድራኣ ብምርኣይ ምስኦም ጥቡቕ ዝምድና መስረተት እሞ ብዙሕ ሓገዝዋ።
ቋንቋ እቲ ሃገር ብዝግባእ መሊኻ ድማ ነርሲን ተማሂራ ብኣዝዩ ልዑል ነጥቢ ተመሪቓ ማህደረ ትምህርቲ ረኸበት። በቲ ፈለማ ዝተማህረቶ ትምህርቲ፡ “ክሰርሕን ኣታዊታት ክገብርን ይኽእል'ኳ እንተነበርኩ እቲ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክጥቀመሉ መሪጸ” ትብል።
ኣብ ቍልዕነታ እተሰደት ፍዮሪ፡ ኣብቲ ያዕ ዝብል ወላድን ገኒሑ መንገድኻ ዘዐሪ ሓውን ሓፍትን ዘይብሉ ስደት፡ ዕላማታታ ኣነጺራ ሳላ ዝተጓዐዘት፡ ሎሚ ንብዙሓት መሳቱኣ ኣብነት ክትከውን በቒዓ ኣላ።
ከምተን ዕድል ዘይገበራን ብብልጭልጭ ስደት ተደናጊረን/ሮም ኣደዳ መስተን ሓሽሽን ዝዀኑ ሰባት ኣይኰነትን። ብኣንጻሩ መኣዝና ኣቕኒዓ ናብ ሕልምታታ ስለዝተጓዕዘት ኣብነታዊት መንእሰይ ብምዃን ንሕብረተሰባ ብእትኽእሎ ዘበለ ሓገዛት ኣብ ምብርካት ትርከብ።
“ስጋስ እንተወደቐት ሓመድ ሒዛ ትትንስእ ከም ዝበሃል፡ ኣብ ዓይንና ዘሎ ገፈል ኣሊና፡ ንዝወደቝ ኣሕዋትና እናተንሳእና ነንሓድሕድና እንተዘይተሓጋጊዝና ከም ሕብረተሰብ ክንምዕብል ኣይንኽእልን ኢና፤ ኢለ ስለዝሓሰብ ካብታ ዘላትኒ ግዜ ቀራቒረ ንስደተኛታት ኣሕዋት በታ ዓቕመይ ኣብ ምትርጓምን ምስ መሓዙተይ ወጻእተኛታት ኰይነ ጸገማቶም ንምፍታሕ ዝሕግዝ ዎርክሾፓት ብምድላው ንዅሉ ሕቶታትን ጸገማትን ሰሚዕና ኣብ ፓርላማ ናይዚ ዓዲ ከምጸብጻብ ነቕርቦሞ፡ መልሲ ተቐቢልና ድማ ምስቶም መንእሰያት ንተሓጋገዝ። ኣብኡ ድማ ከም ተሳታፊትን መራሒት ዎክሾፕን ኰይነ እነጥፍ፡” ትብል።
ነተን ተመርዕየን ኮነ ብኻልእ ኣጋጣሚ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት 1ይ ዓለም ዝመጽኣ ደቀንስትዮን ደቅ ተባዕትዮን መዛኑኣ፡ “ሓደራኽን ተማሃራ ዝተማህረት ኣደ እያ ንደቃን ንሓዳራን ሕብረተሰባን ብዝግባእ እትኣሊ። እቶም ደቀ ተባዕትዮ ኣሕዋተይ ድማ ወልፊ መስተን ሽጋራን ጠላዕን ቁማርን ከይትንክፈኩም ተጠንቀቑ” ክትብል ምኽራ ትልግስ።
ንዅሎም እቶም ባሕሪ ሰጊሮም ዝኣተዉ ድማ ሞት ሰጊሮም ንዝረኸቡዎ ዕድል ክጥቀምሉ ተዘኻኽር።